nafo
Bildetema
Lexin-Ordbøker på nett
Flerspråkige Verb
Flerspråklige fortellinger
Matematikk begreper
Veiledning till foreldre
Skolekassa
Tospråklige undervisningsopplegg
Lumbrikus
NAFOs filmer

ብናፉ (NAFO) ዝተዳለወ መበል ሻድሻይ ሃገራዊ ዋዕላ ቴማ ሙሽሞል

TM20Sesjonብናፉ (NAFO) ዝተዳለወ መበል ሻድሻይ ሃገራዊ ዋዕላ ቴማ ሙሽሞል፡ ዕለት 26ን 27 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ከባቢ ከተማ ባርገን ዝርከብ ክላሪዮን ሆቴል ተኻይዱ። ኣብ ዋዕላ ናይዚ ዓመት እዚ፡ ኣስተምህሮ ስነ ቁጽሪን ስነ ፍልጠትን ኣብ ቤት ትምህርትን፡ ድርብልሳናውነትን ብዝሕነትን ብኸመይ ኣብቲ ሓዲሽ ስርዓት ኣስተምህሮ መውዓሊ ህጻናት ከምተኣታተወ ዝገልጽ ሓሳባትን ብሰፊሑ ተዘትዩሉ እዩ።

ድርብልሳናውያን መማህራን፣ ኣብ ቤት ትምህርትን መውዓሊ ህጻናትን ዝሰርሑ ድርብልሳናውያን ሓገዝቲ፣ ተዛረብቲ ቋንቋ ኖርወጂኛ ዝኾኑ ኣብ ብዙሕ ባህላዊ ኣስተምህሮ ዝነጥፉ መማህራንን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽን ኣብቲ ዋዕላ ተሳቲፎም ኔሮም። ኣብቲ ዋዕላ 330 ተኣከብቲ ተኻፊሎም እዮም። ኣብቲ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ዝተኻየደ ናይ ትግርኛ ኣኼባ፡ ብዛዕባ ምዕባለ መርበብ ቴማ ሙሽሞል ተገሊጹን፡ ከምቲ ኩሉ ጊዜ ዝግበር ካብ ተሳተፍቲ ብዙሕ ተሞኩሮ ተወሲዱን እዩ።  ምዕባለ መርበብ ቴማ ሙሽሞል ኣብ ተሞክሮን ሓሳባትን ካልኦት  ዝተመስረተ ከም ምዃኑ መጠን፣ እቲ ካብ ካልኦት ድርብልሳናውያን መማህራንን መማህራን ቋንቋ ኣደን ዝመጽእ ሃናጺ ዝኾነ ሓሳባትን ርእይቶን ኣዝዩ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ፍሉጥ እዩ። ኩላትና ኣብ ናፉ ንሰርሕ፡ ነቲ ኣብቲ ዋዕላ ዝነበረኩም ተሳትፎ ኣዚና ነማስወሉ ኢና። ነቲ ትገብሩልና ደገፍ እውን ብቐጻሊ ከምትገብሩዎ ጥርጥር የብልናን። ነቲ ኣብቲ ዋዕላ ዝተዋህበ ኣስተምህሮ ክትርኢ ተደሊኻ ኣብዚ ጠወቕ።

nafo logo Innholdsansvarlig: Lene Østli , E-post: Denne e-postadressen er beskyttet mot programmer som samler e-postadresser. Du må aktivere javaskript for å kunne se den.   - www.morsmal.no