ናብ ኣኼባ ወለዲ ዝዕድም ናይ ዕድመ ወረቐት ብዝተፈላለየ ቋንቋ
Velkommen til foreldremøter på flere språk:- Tema Morsmål har fokus på å lage ressurser som personalet i barnehage og skole kan bruke til å skape et inkluderende barnehage og skole- miljø. Derfor følger vi nå opp NAFOs artikler med å publisere tospråklige invitasjoner til foreldremøter i barnehage og skole. Vi håper at ansatte i barnehage og skole bruker disse ressursene.
ኣብ እዋን ቀውዒ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ቤት ትምህርትን መውዓሊ ህጻናትን፡ ኣኼባ ወለዲ ይካየድ እዩ። ኣኼባ ወለዲ፡ ወለድን ቤት ትምህርትን ዘለዎም ምድግጋፍ ዘዕዝዙሉ ኣጋጣሚ ስለዝፈጥር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።
ስለዚ፡ ኣብቲ ኣኼባ ዝበዝሑ ወለዲ ክርከቡን ክሳተፉን መታን፡ ቤት ትምህርቲ፡ ስሩዕ ምድላዋት ከምዝህሉ ምግባሩ፡ ኣገዳስነት ኣለዎ።ወለዲ፡ በቲ ዝያዳ ዝመልክዎ ቋንቋ ዝግበረሎም ዕድመ፡ ንእንታይነት ናይቲ ዝተገብረሎሞ ዕድመ ጽቡቕ ጌሮም ከምዝርድኡዎ ስለዝገብሮም ፡ ኣብቲ ዝተዓደሙሉ ቦታ ብርእሰ ተኣማንነት ንኽኸዱ ይሕግዞም። ኣድላይ ኣብ ዝኾነሉ እዋን እውን፡ ተርጓማይ ምድላው ጠቓሚ ክኸውን ይኽእል።
ናፉ (NAFO) ብዛዕባ ኣድላይነት ናይዚ ኣኼባ እዚ ዘረድእ ዓንቀጽ ኣዳልዩ እዩ። ወለዲ ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ ስለዘለዎም፡ ኩላቶም ብዛዕባ ኣኼባ ወለዲ ተመሳሳሊ ርድኢት የብሎምን። ተኾነ ግን፡ እቲ ኣብ ሞንጎ ቤት ትምህርን ወለድን ዝግበር ርክብ፡ ንምዕባለን ኣስተምሮን ናይቲ ተምሃራይ ዘበርትዕ እዩ። ብዛዕባ ኣኼባ ወለዲ ዝያዳ ክተንብብ ኣብዚ ጠውቕ። ብዛዕባ ምጥቃም ተርጓማይ ክተንብብ ተደሊኻ ኸኣ ኣብዚ ጠውቕ።