ምስትምቓር | TIGRINJA - Naturfag Tema: Smak Læringsmål: Elevene skal kunne samtale om smakssansen og de forskjellige smakene. Trinn: Barnetrinnet ኣርእስቲ፡ ምስትምቓርሸቶ ኣስተምህሮ፡ ተምሃሮ ብዛዕባ ህዋስ ምስትምቓርን፣ ብዛዕባ እቶም ዝተፈላለዩ መቐረታትን ክነግሩ ይኽእሉ። ደረጃ፡ ካብ 1ይ ክሳብ 4ይ ክፍሊ Les mer
ዓበይቲ ናይ ድህሰሳ ጉዕዞታት ኣውሮፓውያን | TIGRINJA - Samfunnsfag Tema: Europeernes store oppdagelsesreiser Mål for opplæringen: kunne framstille oppdagelsesreiser europeere gjorde på 1400-1500-tallet. Trinn: Mellom trinnet. ኣርእስቲ: ዓበይቲ ናይ ድህሰሳ ጉዕዞታት ኣውሮፓውያን ሸቶ: ተምሃሮ ብዛዕባ እቲ ኣብ መበል 14ን 15ን ክፍለዘመን ዝተገብረ ዓበይቲ ናይ ድህሰሳ ጉዕዞታት ኣውሮፓውያን ኣፍልጦ ይህልዎም።ደረጃ: ካብ 5ይ ክሳብ 7ይ ክፍሊ ንዝመሃሩ ተምሃሮ Les mer
ምጽኣት-ልደት | TIGRINJA - KRLE Tema: Advent (TOSPRÅKLIG) Læringsmål: Eleven skal kunne forklare hva advent er og hvordan den markeres. Beskrivelse:Opplegget passer for 5.-7. trinn. Materialet består av Powerpoint, oppgaver og nyttige lenker. ፍረሓሳብ፡ ምጽኣት ልደትሸቶ፡ ተምሃሮ ምጽኣት ልደት እንታይ ከምዝኾነን ብኸመይ ከምዝበዓልን ይፈልጡ።መግለጺ፡ እዚ መረድኢ እዚ ካብ 5ይ -7ይ ክፍሊ ንዝመሃሩ ተምሃሮ ይሕግዝ። እቲ መረድኢ ሓደ ናይ ፓወር ፖይንት ጽሑፍ ዕማማትን ጠቐምቲ ዌብ ሳይትን ዚሓዘ እዩ። እዚ ጽሑፍ እዚ ኣብ ሕጊ ኣስተምህሮ ኖርወይ ዝተመስረተ እዩ። Les mer
ቅዱስ ኡላቭ | TIGRINJA - Samfunnsfag Tema: Olav den helligeMål: Eleven kan fortelle om Olav den helligeTrinn: Mellomtrinnet ኣርእስቲ: ቅዱስ ኡላቭሸቶ: ተምሃሮ ብዛዕባ ቅዱስ ኡላቭ ክገልጹ ይኽእሉ።ደረጃ: ካብ 5ይ ክሳብ 7ይ ክፍሊ Les mer
ብናፉ (NAFO) ዝተዳለወ መበል ሻድሻይ ሃገራዊ ዋዕላ ቴማ ሙሽሞል | Tigrinja kategorier ብናፉ (NAFO) ዝተዳለወ መበል ሻድሻይ ሃገራዊ ዋዕላ ቴማ ሙሽሞል፡ ዕለት 26ን 27 ጥቅምቲ 2017 ኣብ ከባቢ ከተማ ባርገን ዝርከብ ክላሪዮን ሆቴል ተኻይዱ። ኣብ ዋዕላ ናይዚ ዓመት እዚ፡ ኣስተምህሮ ስነ ቁጽሪን ስነ ፍልጠትን ኣብ ቤት ትምህርትን፡ ድርብልሳናውነትን ብዝሕነትን ብኸመይ ኣብቲ ሓዲሽ ስርዓት ኣስተምህሮ መውዓሊ ህጻናት ከምተኣታተወ ዝገልጽ ሓሳባትን ብሰፊሑ ተዘትዩሉ እዩ። ድርብልሳናውያን መማህራን፣ ኣብ ቤት ትምህርትን መውዓሊ ህጻናትን ዝሰርሑ ድርብልሳናውያን ሓገዝቲ፣ ተዛረብቲ ቋንቋ ኖርወጂኛ ዝኾኑ ኣብ ብዙሕ ባህላዊ ኣስተምህሮ ዝነጥፉ መማህራንን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽን ኣብቲ ዋዕላ ተሳቲፎም ኔሮም። ኣብቲ ዋዕላ 330 ተኣከብቲ ተኻፊሎም እዮም። ኣብቲ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ዝተኻየደ ናይ ትግርኛ ኣኼባ፡ ብዛዕባ ምዕባለ መርበብ ቴማ ሙሽሞል ተገሊጹን፡ ከምቲ ኩሉ ጊዜ ዝግበር ካብ ተሳተፍቲ ብዙሕ ተሞኩሮ ተወሲዱን እዩ። ምዕባለ መርበብ ቴማ ሙሽሞል ኣብ ተሞክሮን ሓሳባትን ካልኦት ዝተመስረተ ከም ምዃኑ መጠን፣ እቲ ካብ ካልኦት ድርብልሳናውያን መማህራንን መማህራን ቋንቋ ኣደን ዝመጽእ ሃናጺ ዝኾነ ሓሳባትን ርእይቶን ኣዝዩ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ፍሉጥ እዩ። ኩላትና ኣብ ናፉ ንሰርሕ፡ ነቲ ኣብቲ ዋዕላ ዝነበረኩም ተሳትፎ ኣዚና ነማስወሉ ኢና። ነቲ ትገብሩልና ደገፍ እውን ብቐጻሊ ከምትገብሩዎ ጥርጥር የብልናን። ነቲ ኣብቲ ዋዕላ ዝተዋህበ ኣስተምህሮ ክትርኢ ተደሊኻ ኣብዚ ጠወቕ።