nafo
Bildetema
Lexin-Ordbøker på nett
Flerspråkige Verb
Flerspråklige fortellinger
Matematikk begreper
Veiledning till foreldre
Skolekassa
Tospråklige undervisningsopplegg
Lumbrikus
NAFOs filmer

ሂውማኒዝም

behappy bildeTema: Livssynshumanismen
Mål: Eleven skal kunne forklare hva et humanistisk livssyn er, samtale om bakgrunn og særpreg for Human-Etisk Forbund i Norge og livssynshumanismen i verden
Trinn: 8. - 10. trinn

ኣርእስቲ: ሂውማኒዝም
ሸቶ: ተምሃሮ ሂውማኒዝም እንታይ ከምዝኾነን ይፈልጡን፣ ብዛዕባ ድሕረባይታን ፍሉይ መለለይን ናይ ሂውማን ኤቲስክ ፎርቡንድ ዝተባህለ ኣብ ኖርወይ ዝርከብ ማሕበርን፣ ኣብ ዓለም ዘሎ እምነት ሂውማኒዝምን ክገልጹ ይኽእሉ።
ክፍሊ: ካብ 8ይ ክሳብ 10ይ ክፍሊ

Continue reading

Tigrinja20Barn20og20vinterklærኣብቲ ኣብ ኦስሎ ዘሎ ጋምለ ኦስሎ ዝብሃል ቦታ ዝርከብ ፋሚሊየሁሴ(Familiehuset) ዝተባህለ ትካል፣ ኣብ እዋን ዛሕሊ፣ ቆልዑት ብኸመይ ክኽደኑ ከምዝግባእ ዝገልጽ መምርሒ ብተፈላለየ ቋንቋ ኣዳልዩ ኣሎ። እቲ ተዳለወ ፖስተር ኣብ መውዓሊ ህጻናትን ቤት ትምህርትን ክጥቃዕ ዝኽእልን ንወለዲ ክዕደል ዝኽእልን እዩ። እዚ ፖስተር እዚ ብ 15 ቋንቋታት ተተርጒሙ ኣሎ።

መርበብ ቴማ ሙሽሞል ድማ ብፍቓድ Familiehuset ብቋንቋ ትግርኛ ተርጒሙ ኣዳልዩልኩም ኣሎ።

 

ነቲ ፖስተር ክትርኢ ተደሊኻ ኣብዚ ጠውቕ

እቲ ክፉእ ጫቝት ደርሆማይ

brzydkie20kaczatkoTema: Den stygge andungen.
Kompetansemål: Eleven skal kunne lytte og snakke om personer og handlinger i eventyr, lære de viktigste kjennetegnene for eventyr og bruke adjektiver.
Beskrivelse: Dette opplegget passer til1.- 5. trinn.

ኣርእስቲ: እቲ ክፉእ ጫቚት ደርሆማይ
ሸቶ: ጽንጽዋይ ምስማዕን፣ ብዛዕባ ኣብ ሓደ ዛንታ ጽንጽዋይ ዝርከብ ገጸ ባህርያትን ኩነታትን ምምይያጥን፣ ንኣገደስቲ መለለይታት ናይ ሓደ ጽንጽዋይ ምምሃርን።
መግለጺ: እዚ ድርብልሳናዊ መምሃሪ እዚ ንኻብ  ቀዳማይ ክሳብ ሓምሻይ ክፍሊ ንዝምሃሩ ተምሃሮ ይምጥን።

Continue reading

Tema20Morsmål20konferanse202017 2መበል ሻድሻይ ዋዕላ ቴማ ሙሽሞል ዕለት 26ን 27ን ጥቅምቲ 2017 ኣብ ከባቢ መዕርፎ ነፈርቲ ባርገን ዝርከብ ክላሪየን ሆቴል ባርገን ኤርፖርት( Clarion Hotel Bergen Airport ) ክቃናዕ እዩ። እቲ ዋዕላ ብምትሕግጋዝ ናፉን(Nafo) ምምሕዳር ከተማ ባርገንን እዩ ዝዳሎ። 


ቀንዲ ተሳተፍቲ ናይቲ ዋዕላ፡ ድርብልሳናውያን መማህራን፣ መማህራን ቋንቋ ኣደ፣ ድርብልሳናውያን መማህራን መውዓሊ ሕጻናትን ሓገዝቲ ሰራሕተኛታት ኣስተምህሮን እዮም። ካልኦት ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝወሃብ  ፍሉይ ኣስተምህሮ ቋንቋ ዚህቡ መማህራንን ኣብ መውዓሊ ሕጻናት ዝካየድ ብዙሕ ቋንቋዊ ዕማም ዝሳተፉ ሰራሕተኛታትን እውን ኣብቲ ዋዕላ ክሳተፉ ይኽእሉ እዮም።

 ናይ ሎሚ ዓመት ዋዕላ፡ ዝያዳ ብዛዕባ ስነ-ቁጽሪን፣ ስነ-ፍልጠትን ኣብ ቤት ትምህርቲን፣ ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ሕጊ ኣስተምህሮ መውዓሊ ሕጻናት ዝተገልጸ ብዙሕ ቋንቋውነትን ብዙሓናውነትን ዘተኩር ክኸውን እዩ። ሓፈሻዊ መደረ፣ ማዕረ ማዕረ ዝካየዱ መደባትን በብቋንቋ ዝግበር ኣኼባ ክካየድ ተወሲኑ ኣሎ።


ኣብዚ ዋዕላ እዚ ንምስታፍ፡ ኣብ ክልቲኡ መዓልቲ ናይቲ ዋዕላ ክሳተፍ ዝደለየ ሰብ 1000kr (ናይ መሕደርን ድራርን) ፣ ኣብቲ ዋዕላ ጥራይ ክሳተፍ ዝደለየ ሰብ ከኣ (ብዘይ ናይ መሕደርን ድራርን) 600kr ክፍሊት ተነቢሩ ኣሎ።


እቲ ብተፈላለየ ናይ ቋንቋ ጉጅለታት ዝቀርብ ኣኼባ፡ በዘን ዝስዕባ ቋንቋታት ክካየድ እዩ፡ ዓረብ፣ ዳሪ፣ ፓሽቶ፣ ኩርዲ ሱራኒ፣ ፖሊሽ፣ ሩሲኛ፣ ሶማልኛ፣ ታሚል፣ ታይ፣ ትግርኛን ኖርወጂኛን።


ካብቲ ዘለና ተሞክሮ፡ ኣብዚ ኣኼባ ብዙሓት ሰባት ክሳተፉ ይደልዩ እዮም። ስለዚ ቦታ ከይመልአ ከሎ ኣቐዲምኩም ክተመልክቱ ነተባብዕ።

ብዛዕባ መደብ ናይዚ ዋዕላ ዝያዳ ክተንብብን  ከተመልክትን ተደሊኻ፡ ኣብዚ ጠውቕ።

back to schoolBarnehage- og skoleåret 2017-2018 er allerede igang. Både på Tema Morsmål og på NAFOs hjemmesider finner dere mange artikler til inspirasjon for arbeid i flerspråklige og flerkulturelle grupper. Vi på Tema Morsmål ønsker dere et godt skoleår.

ናይ ዓመተ-ትምህርቲ 2017/2018  ዕማም ኣስተምህሮ ኣብ መውዓሊ ሕጻናትን ቤት ትምህርቲን ጀሚሩ ኣሎ። ኣብ መርበብ ቴማ ሙሽሞል ንሰርሕ ኩላትና: ንመርበብና ኣብ ምምዕባል የዕዚዝና ንዓዪ ኣለና። ኣብ ዕማም ኣስተምህሮ ድርብልሳናውያን ቆልዑት ዚሕግዙ ብዙሕ ጸጋታትን ጠቐምቲ ሓበሬታታን ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ቴማ ሙሽሞልን ኣብ መርበብ ናፉን(NAFO) :ኣብ ጉጀለ ብዙሓነ- ቋንቋታትን ብዙሓነ-ባህልታትን ንዘሎ ዕማም መተባብዒ ዚኾኑ ዓንቐጻት ክትረኽቡ ትኽእሉ። ኩላትና ኣብ ቴማ ሙሽሞል ንዓዪ ዘለና ሰናይ ዓመተ-ትምህርቲ ክኾነልኩም ንምነ።

nafo logo Innholdsansvarlig: Sunil Loona , Tel: 67 23 53 44   - www.morsmal.no