Divali // ዲቫሊ

ዲቫሊ ባህላዊ በዓል ኣብ ህንድዩዝም ኢዩ።

ዲቫሊ ናይ መብራህቲ በዓል ኢዩ። እቲ ብርሃን ነቶም ኣማልኽቲ ነቲ ጸልማት ንኸብርህዎ ይሕግዞም። እቲ ሰናይ ኣብ ልዕሊ እቲ ክፉእ ክዕወት ኢዩ። እቲ ብርሃንን ስልማት ራንጎሊን ኣብ ማዕጾ ድማ ንኣጋይሽን ኣማልኽትን ምንዮት እንኳዕ ደሓን መጻእኩም ኢዩ።

እኩያት መናፍስቲ ክርሕቁ ኣለዎም።

ኣብ ዲቫሊ ቀዋሚ ድኾነ ኣገባብ ጽምብል የለን። ኣብ ድተፈላለየ ቦታታት ድተፈላለየ ኣገባብ ጽምብል ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ዲቫሊ ኣብ መወዳእታ ጥቅምቲ ወይ መጀመርታ ሕዳር ኢዩ ድጽምበል። ኣብ ዲቫሊ እቲ ስድራቤት ብውቁብ ክዳን ይስለሙ። ብዙሓት ከኣ ኣእዳወን ሕኛ ይወብኣ። ምስ ስድራቤትን መሓዙትን ምጽምባል ልሙድ ኢዩ። ጥዑም መግቢ ፣ ምቁር ሕብስቲታትን ካረሜላን ድማ ይበልዑ። ብዙሓት ንሓድሕዶም ህያባት ይለዋወጡ። ገሊኦም ድማ ርችት ይትኩሱ።

ሂንዱኣውያን ኣብ ብዙሓት ኣማልኽቲ ይኣምኑ። ላክሽሚ ኣምላኽ ናይ ብርሃን ፣ ብልጽግናን ሃብቲን ኢያ። እዞም ሂንዱኣውያን ኣብ ግዜ ዲቫሊ ላክሽሚ ንገዝኦም ክትበጽሖም ይምነዩ። ንሳ ንእኩያት መናፍስቲ ተርሕቕ ወይ ተባርር ኢያ። ዲቫሊ ንኣማላኽቲ ራማን ሲታን ድሕሪ ብዙሕ ዓመታት ስደት ንገዝአን ከምድተመልሳ መዘከሪ ውን ኢዩ።

ኣብ እዋን ዲቫሊ እቶ ሂንዱኣውያን ናብተን ኣማልኽቲ ይጽልዩን ሂያባት የበርክቱን። እዚ ድማ ፑጃ ይበሃል። ሽዑ መግቢ ፣ መስተን ዕጣንን ኣብ ቅድሚት ይቕረብ። ብዙሓት ይዝምሩን ይስዕስዑን። ነቲ ሓወልቲ ናይተን ኣማልኽቲ ምሕጻብን ብሕብራዊ ሕሩጭ ጌርካ ምውቃብን ድማ ልሙድ ኢዩ። ኣብ ግዜ ዲቫሊ ብዙሓት ናብ ቤተ-ጸሎት ይኸዱን ናብ መሓዙቶም ድማ ይበጽሑን። ንሓድሕዶም ሰናይ ዲቫሊ ይምነዩን ናይ ዲቫሊ ካርተሊና ከኣ ይሳደዱን።

Lær mer om hinduismen