Hva er FN? // ውድብ ሕቡራት ሃገራት እንታይ እዩ፧
አፍ ኤን -ናይ ኖርወይ ስም ናይቲ ኣህጉራዊ ትካል ሕሃ እዩ። ሕ .ሃ ኣሕጽሮተ ቃል ሕቡራት ሃገራት ክኸውን ከሎ፡ ው. ሑ .ሃ ድማ ኣሕጽሮተ ቃል ውዱብ ሕቡራት ሃገራት እዩ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ መንጎ ሃገራት ዓለም ሰላም፣ ፍትሕን ምትሕብባርን ይሰርሕ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብ1945፡ ልክዕ ድሕሪ ካልኣይ ውግእ ዓለም እዩ ተመስሪቱ። እቲ ዕላማ ተወሳኺ ዓበይቲ ውግኣት ከይፍጸም እዩ ነይሩ።
ዳርጋ ኩለን ሃገራት ዓለም ኣባል ሕቡራት ሃገራት እየን። ከም ኩናት፣ ድኽነት፣ ሕማምን ለውጢ ክሊማን ዝኣመሰሉ ፀገማት ንምፍታሕ ብሓባር ክሰርሑ ተሰማሚዖም ኣለው። እቲ ስምምዕ ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ኣርማ ሕቡራት ሃገራት ሓሙሽተ ዓንኬላትን ጻዕዳ ካርታ ዓለምን ኣለዎ። ኣብ ዙርያ እቲ ካርታ ክልተ ጨናፍር ኣውሊዕ ኣሎ። ጨናፍር ኣውሊዕ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰላም ንምዕቃብን ኣብ ዓለም ድሕነት ንምፍጣርን ዝዓለመ ምዃኑ ዘመልክት እዩ።
ኣህጉራዊ መዓልቲ ሕቡራት ሃገራት በብዓመቱ 24 ጥቅምቲ ይኽበር።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት እንታይ ይገብር፧
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዙሕ ኣገደስቲ ዕማማት ኣለዎ። ኣብ ታሕቲ ብዛዕባ ገለ ካብኣቶም ከተንብቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ሰላምን ድሕንነትን
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንውሑስ ዓለም እዩ ዝሰርሕ። ሓደ ሓደ ግዜ ኣብ መንጎ ሃገራት ግርጭት ይፍጠር። ሽዑ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰላማዊ ፍታሕ ንምርካብ ክሕግዝ ይኽእል እዩ። ኲናት እንተ ኣጋጢሙ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንሰባት ንምክልኻል ወተሃደራት ክሰድድ ይኽእል እዩ። ድሕሪ ኲናት ሕብረተሰባት ዳግማይ ንምህናጽ እውን ክሕግዙ ይኽእሉ እዮም።
ህጹጽ ሓገዝ
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ከባቢታት ኲናት፡ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ወይ ድኽነት ንዝነብሩ ሰባት ይሕግዝ። መግቢ፡ ማይ፡ መድሃኒትን መደቀሲ ቦታን ከቕርቡ ይኽእሉ። ሓደ ሓደ ግዜ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቶም ክሃድሙ ዘለዎም ሰባት ይሕግዝ።
ሰብኣዊ መሰላት
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኩሎም ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰባት ብፍትሓውን ብኣኽብሮትን ክረኣዩ ይሰርሕ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኩሉ ሰብ እንታይ መሰል ከም ዘለዎ ዝገልጽ ዝርዝር ኣዳልዩ ኣሎ። እቲ ዝርዝር ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ተባሂሉ ይጽዋዕ። ሰብኣዊ መሰላት ብዛዕባ መሰል ኣብ ውሑስ ምንባር፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ምኻድ፡ ርእይቶኻ ምግላጽን መን ምዃንካ ብዘየገድስ ማዕረ ኣተሓሕዛ ምህላው እዩ። ኩለን ሃገራት ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሰብኣዊ መሰላት ክኽተላ ኣለወን።
ውዕል መሰላት ህጻናት
ህጻናት ተወሳኺ ሓለዋ ስለዘድልዮም ዝያዳ መሰላት ኣለዎም። እዚ መሰላት እዚ፡ ውዕል መሰላት ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ይበሃል። ኩሎም ህጻናት ናይ ምሕብሓብ መሰል ክህልዎም፣ ውሑስ ክኸውንን ጽቡቕ ህይወት ክህልዎምን ዝምልከት እዩ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኩለን ሃገራት ነቲ ኣብቲ ዋዕላ ዘሎ ሕግታት ከም ዝኽተላ የረጋግጽ፣ ምእንቲ ቈልዑ ኣበይ ይነብሩ ብዘየገድስ ጽቡቕ ሂወት ክህልዎም እዩ።
ዕላማታት ዘላቒ ልምዓት ሕቡራት ሃገራት
ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ዓለምና ንሰባትን ንተፈጥሮን ዝሓሸት ቦታ ንምግባር ዝዓለሙ 17 ዕላማታት ዝሓዘ ዝርዝር እዩ። እቶም ዕላማታት ድኽነት ምውዳእን ኩሉ ሰብ ናብ ቤት ትምህርቲ ከምዝኸይድ ምርግጋፅን እዮም። ብተወሳኺ ምውሳኽ ሙቐት ዓለም ደው ምባልን እንስሳታት፡ ኣትክልትን ፕላኔትን ምክንኻንን እዮም።
ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት

እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዕማም ሓፈሻዊ ጉባኤ፡ ንዓበይቲ ብድሆታት ዓለም ብኸመይ ከም ዝፍታሕ ምዝታይ እዩ። ሓፈሻዊ ጉባኤ ብወከልቲ ኩለን ኣባል ሃገራት ዝቖመ እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሃገር ርእይቶኣ ክትገልጽን ኣብ ዝቐረቡ መፍትሒታት ድምጺ ክትህብን ዕድል ኣለዋ። ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቀውዒ ኣብ ህንጻ ሕቡራት ሃገራት ይእከብ። ህንጻ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኒውዮርክ ኣመሪካ ይርከብ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስለምንታይ እዩ ኣገዳሲ፧
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣገዳሲ ትካል እዩ ምኽንያቱ ዳርጋ ኩለን ሃገራት ዓለም ሓቢረን ዓለም ዝሓሸት ቦታ ክትከውን ይሰርሓ። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰላም ንምፍጣር፣ ኩናት ደው ንምባል፣ ድኻታት ወይ ተመዛበልቲ ሰባት ንምሕጋዝ፣ ተፈጥሮን ከባቢናን ንምሕላው ይሰርሕ። ኩሎም ሰባት ብፍላይ ድማ ህጻናት መሰል ከም ዘለዎምን ፍትሓዊ ኣተሓሕዛ ከም ዝግበረሎምን እውን የረጋግጽ።