Kristendommen// ክርስትና
ክርስትና ቅድሚ 2000 ዓመት ኣቢሉ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣብዚ ሕጂ እስራኤልን ፍልስጤምን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ከባቢ እዩ መበገሲኡ። ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ሰባት ኣይሁድ እዮም ነይሮም። ክርስትና ዝብል ቃል ካብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመጸ እዩ።
ክርስትና ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ሃይማኖት እዩ። ክርስትና ዝስዕቡ ሰባት ክርስትያን ይበሃሉ። ኣብ ዓለምና ኣስታት 2.3 ቢልዮን ክርስትያናት ኣለዉ። ክርስትያን ከም ኣይሁድን እስላምን ሓደ ኣምላኽ ጥራይ ከም ዘሎ ይኣምኑ። ስለዚ እተን ሰለስተ ሃይማኖታት ናይ ሓደ ኣምላኽ ሃይማኖታት ተባሂለን ይጽውዓ።
ድሕሪ መበገሲ ክርስትና እቲ ሃይማኖት ናብ ዝተፈላለየ ኣንፈት ማዕቢሉ። ክርስትና ኣብ ሰለስተ ቀንዲ ኣንፈታት ምምቃል ልሙድ እዩ። እዚኦም ድማ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፣ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንን ፕሮቴስታንት ቤተ ክርስቲያንን እዮም። ኣብ ኩሉ ኣንፈታት ዝውቱር ዝኾነ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ቅዱስ ጌሮም ይርእይዎን ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑን እዩ።
እምነት
ክርስትያን ብሰለስተ መልክዕ ዝቖመ ሓደ ኣምላኽ ይኣምኑ። ንሱ ድማ ኣምላኽን ኢየሱስን መንፈስ ቅዱስን እዩ። እዚ ድማ ስላሴ ይበሃል።
ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ንዓለም ፈጢርዋ፡ የሱስ ድማ ወዱ እዩ። ኢየሱስ እቲ ኣገዳሲ ነብዪ ክርስትና እዩ። ንሰባት ተስፋ ምእንቲ ኺህቦም ብዛዕባ ኣምላኽ ኪምህሮም ነበሮ። መጽሓፍ ቅዱስ ኢየሱስ ኣብ መስቀል ሞይቱ ካብ ሞት ከም ዝተንስአ ይገልጽ። መንፈስ ቅዱስ ነቶም ዝኣምኑ መምርሒን ሓይልን ምጽንናዕን ይህቦም።

እምነት ንብዙሓት ክርስትያን ኣገዳሲ ክፋል መዓልታዊ ህይወት እዩ። መዓልታዊ ይጽልዩን መጽሓፍ ቅዱስ ከንብቡን ይኽእሉ እዮም። ኣብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያንን ካልእ ንጥፈታት ቤተ ክርስቲያንን ክሳተፉ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ክርስትና ኣገደስቲ ክብርታት ምፍቓር፡ ሕድገት ምግባርንን ርህራሄን እዮም። ክርስትያን ብወለንታ ክሰርሑን ንዝተጸገሙ ክድግፉን ይተባብዑ።
ቅዱሳን ሰባት
ኣብ ክርስትና ከም ቅዱሳን ዝቑጸሩ ወይ ፍሉይ ትርጉም ዘለዎም ሰባት ብዙሓት እዮም። ምስ ኣምላኽ ብዘለዎም ቅርበት ድማ ከም ኣርኣያ ይውሰዱ።
ኣብ ክርስትና እቲ ኣገዳሲ ሰብ ኢየሱስ እዩ። ኣዲኡ ድማ ድንግል ማርያም ትበሃል። መርኣያ እምነትን ተኣዛዝነትን ትሕትናን እያ። የሱስ ተማሃሮኡ ዝነበሩ 12 ደቀ መዛሙርቲ ነበርዎ። ድሕሪ እየሱስ ምሟቱ፣ ዕዮኦም መልእኽቱ ናብቶም ህዝቢ ምዝርጋሕ እዩ ነይሩ። የሱስ ኣብ ምድሪ ክነብር ከሎ ዝበሎን ዝገበሮን ክነግሩ ነበሮም።
ኣብ ካቶሊካውን ኦርቶዶክሳውን ልምድታት ቅዱሳን ብፍሉይ ቅዱስን ኣብነታውን ሕይወት ዝነብሩ ሰባት እዮም ዝቑጸሩ። ቅድስቲ ሉቺያ ሓንቲ ኣብነት ቅዱሳን እያ። 13 ታሕሳስ ንዝኽራ መዓልቲ ሉቺያ ተባሂሉ ይኽበር።

ቅዱሳን መጻሕፍቲ
መጽሓፍ ቅዱስ ቅዱስ መጽሓፍ ክርስትና እዩ። ብሉይ ኪዳንን ሓድሽ ኪዳንን ዝሓቖፈ እዩ። ብሉይ ኪዳን ብዛዕባ ኣገደስቲ ሰባትን ፍጻሜታትን ካብቲ ቅድሚ ኢየሱስ ምውላዱ ዝነበረ ግዜ ዝገልጽ ጽሑፋት ዝሓዘ እዩ። መጻሕፍቲ ዘፍጥረት ኣካል ብሉይ ኪዳን እዮም። ገለ ካብኡ ዛንታ ኣብርሃምን ሙሴን ዘጠቓልል እዩ። እዞም ጽሑፋት እዚኣቶም ንእስልምናን ኣይሁድነትን እውን ኣገደስቲ እዮም።
ሓድሽ ኪዳን ብዛዕባ ህይወት ኢየሱስን መልእኽቱ ብኸመይ ከም ዝተዘርግሐን ዝገልጽ ጽሑፋት ዝሓዘ እዩ። ሓድሽ ኪዳን ኣብ ክርስትያናዊ እምነትን ተግባርን ማእከል እዩ።

ቤት ኣምልኾ
ክርስትያናዊ ናይ ኣምልኾ ቦታታት ኣብያተ ክርስቲያናት ይበሃሉ። ቤተ ክርስቲያን እቲ ኣገዳሲ መአከቢ ቦታ ሃይማኖታውን ማሕበራውን ንጥፈታት እዩ። ኣብኡ ድማ ክርስትያናት ንጸሎትን መጽናዕትን ሓባራዊ ኣምልኾን ይእከቡ። ቤተ ክርስቲያን ንመምሃሪ፣ ንበዓላት ንምብዓልን ካልኦት ማሕበረሰብ ዝሃንጹ ንጥፈታትን እውን ትውዕል እያ። ሓደ ኣገልግሎት ብሓደ ካህን ዝምራሕ ኮይኑ፡ ዛንታታት ዝነግርን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንብብን እዩ። እቶም ዝሳተፉ ድማ ጉባኤ ይበሃሉ።
ኣብያተ ክርስቲያናት ብዓቐንን ብዲዛይን ክፈላለያ ይኽእላ እየን። ከም ምልክት ክርስትና መብዛሕትአን ኣብያተ ክርስቲያናት እንተወሓደ ግምቢ ደወልን መስቀልን ኣለወን። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት ወይ ካልእ ስነ ስርዓት ከምዘሎ ንምሕባር ደወል ቤተ ክርስቲያን ይድወል።





በዓላትን ስርዓታትን
ገለ ካብቶም ኣብ ክርስትና ኣገደስቲ በዓላት በዓል ልደትን ፋሲካን ጴንጠቆስጠን እዮም። በዓላት ኣብ ታሪኽ እቲ ሃይማኖት ኣገደስቲ ፍጻመታት ዘመልክት እዩ።
በዓል ልደት ንልደት ኢየሱስ ንምዝካር ዝኽበር እዩ። ብዙሓት ክርስትያን ብኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያንን ህያባትን ስድራቤታዊ ምትእኽኻብን የብዕሉ። ፋሲካ ሞት ኢየሱስ ኣብ መስቀልን ካብ መቓብር ትንሳኤኡን ዘመልክት እዩ። ጴንጠቆስጠ ንመምጽኢ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ ደቀ መዛሙርቲ ዝዝክር ኮይኑ፡ ንኹሉ ቋንቋታት ክዛረቡን ክርድኡን ክእለት ይህቦም። ጴንጠቆስጠ ከም መጀመርታ ናይ ክርስትያናዊት ቤተ ክርስቲያን እዩ ዝቑጸር።
ዝተፈላለዩ ጨናፍር ክርስትና ዝተፈላለየ ስርዓታት ክህልዎም ይኽእል እዩ። እቶም ስርዓታት ዘመሳስሎም ነገር እንተሃልዩ፡ ኣመንቲ ምስ ኣምላኽ ቅርበት፡ ሓድነትን ሕብረትን ኣብ ጉባኤ ንኽረኽቡ ንምሕጋዝ ዝዓለመ ምዃኑ እዩ። ኣብነታት ስርዓታት ክርስትና ጥምቀት፡ ቁርባንን ምርግጋጽን እዮም።


