Vesak// ቨሳክ

ቬሳክ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ወይ ግንቦት ኣብ መዓልቲ ምልእቲ ወርሒ ዝኽበር በዓል ቡድሂዝም እዩ። ኣብ ቬሳክ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ቡድሃውያን ንህይወት ቡድሃ ይዝክሩ። ኣብ ቬሳክ ዕለተ ልደት ቡድሃ ፡ ምንቃሑን ሞቱን ይበዓል።

ቡድሃ ቅድሚ ልዕሊ 2500 ዓመታት እዩ ተወሊዱ። ትኽክለኛ ስሙ ሲድሃርታ ጋውታማ ኮይኑ ልኡል እዩ ነይሩ። ዘድልዮ ዘበለ ኩሉ እኳ እንተ ነበሮ፡ ብዙሓት ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ ሰባት ጽቡቕ ከም ዘይነበሩ ስለ ዝረኣየ ግን ሕጉስ ኣይነበረን። ብዙሓት ዝሓመሙ፡ ዝኣረጉ፡ ዝሓዘኑ ወይ ኣብ ኣፍ ሞት ድነበሩ ነይሮም። ድሕሪኡ ሰባት ከመይ ጌሮም ዝሓሸ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ንምፍላጥ ነቲ ከም ልኡል ዝነበሮ ጽቡቕ ህይወት ክገድፎ ወሰነ። ንኣስታት ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ምምሃርን ምሕሳብን ምስትንታንን ኣሕሊፉ።

Illustasjon av prinsen Siddhartha Gautama i hagen
ቡድሃ ልኡል ኮይኑ ተወሊዱ ሃብታምን ዉሑስን ህይወት ድማ ይነብር ነይሩ።
Painting depicting the life story of Shakyamuni Buddha. Buddha Meditating Under The Bodhi Tree. Kep. Cambodia.
ቡድሃ ኣብ ትሕቲ ገረብ ንነዊሕ እዋን ኮፍ ኢሉ ኣስተንተነ።

ኣብ መወዳእታ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ዓባይ ገረብ ኮፍ ኢሉ እንከሎ ዝደልዮ ዝነበረ መልስታት ረኸበ። ንሱ ከመይ ጌርካ ጽቡቕ ህይወት ከም እትነብርን ጽቡቕ ግዜ ከም እተሕልፍን ተረደአ። ቡድሃ ተባሂሉ ክጽዋዕ ጀመረ፣ ትርጉሙ ድማ “ዝበርሀ” ማለት እዩ። ምብራህ ማለት ንነገራት ኣዝዩ ብንጹር ምርዳእ ማለት እዩ። ቡድሃውያን ነዚ ንቕሓት ቡድሃ ይብሉዎ። ካብ ልኡል ናብ ቡድሃ ።

ቡድሃ ዝተረፈ ዕድሚኡ ነቲ ዝረኸቦ ወይ ዝተረደኦ ንኻልኦት እናመሃረ እዩ ኣሕሊፍዎ። ኣብ ህይወት ሕያዋይን ቅኑዕን ምዃን ኣገዳሲ ምዃኑ ንሰባት ምሂሩዎም እዩ። ድሕሪ ሞት ቡድሃ ትምህርቱ ብህይወት ቀጸለ። እዚ ሎሚ ቡድሂዝም ኢልና እንፈልጦ ትምህርቲ እዩ።

ቡድሃውያን ቬሳክ ኣብ ዘብዕሉሉ እዋን ናብ ኣብያተ መቕደስ ብምኻድ ነቶም ብዛዕባ ህይወት ቡድሃ ዝነግሩ መነኮሳት ይሰምዑ። ኣብያተ መቕደስ ብዕምባባታት ይውቅብ ሽምዓን ዕጣንን ይውላዕ። ኩሎም ዕምባባታት ቡድሃ ኣብ ጀርዲን ከም ዝተወልደ ንምዝኽኻር እዩ። ዕምባባ ሎተስ ኣብ ቡድሂዝም ኣገዳሲት እያ። ቡድሃ ኣብቲ ጀርዲን ናይ መጀመርታ ሸውዓተ ስጉምቱ ምስ ወሰደ፡ ኣብ ኣሰር እግሩ ዕምባባታት ሎቱስ በቚሉ። ኣብቲ ቤተ መቕደስ፡ ቡድሃውያን ንኽብሪ ቡድሃ ፡ ዳርማን ሳንጋን (መነኮሳትን መነኮሳትን) ኣብ ቅድሚ መኣዲ መሰውኢ ምስ ሓወልትታት ቡድሃ ይሰግዱ። ብዙሓት ቡድሃውያን ነቶም መነኮሳት መግቢ ንምሃብ ናብቲ ቤተ መቕደስ ይኸዱ። ገሊኦም የስተንትኑ፣ ገንዘብ ወይ ነገራት ንቤተ መቕደሳትን ንዝተጸገሙን የወፍዩ። ኣብ ቅድሚ ዝተፈላለዩ ሓወልትታት ቡድሃ ማይ፣ ሩዝን ፍረታትን ምቕራብ እውን ልሙድ እዩ።

ገዛውቲ፡ ቤትን ቤተ መቕደሳትን ብፋኑስን ባንዴራ ቡድሃን ክስልሙ ልሙድ እዩ። ኣብ ገሊኡ ቦታታት እውን ፋኑስ ናብ ሰማይ ይለኣኽ። ብዙሓት ሰባት ጽቡቕ ጽምብል ትምኒት ደለዎም ካርድታት ቬሳክ ይሰዳደዱ።

Film om koreansk Vesak

ኣብ ደቡብ ኮርያ ልደት ቡድሃ ኣብ ርእሰ ከተማ ሴኡል ብዓቢ ትርኢት ይበዓል።

Lær mer om hinduismen

Alle bilder er hentet fra Adobe Stock