Den kristne påskefortellingen // ፋስጋ ክርትያናት

Denne teksten finnes på flere språk. Tanken er at teksten skal være et supplement til andre læremidler og andre aktiviteter i opplæringen. Det er altså ikke meningen at disse ressursene skal stå alene, men at de kan brukes i innledning til arbeid med temaet.

Teksten kan, for eksempel, brukes sammen med tospråklig lærer for å aktivere elevenes kunnskaper om temaet, og å bidra til at eleven lærer fagspråk.

የሱስ ምስ ዓበየ፡ ምስቶም 12 ደቀመዛሙርቱ ኮይኑ ካብ ዓዲ ዓዲ እናዞረ፡ ንዝረኸቦም ኩሉ ብዛዕባ ኣምላኽ ክሰብኽ ጀመረ።  የሱስ ንድኻታትን ሕሙማትን ብለውሃት ይሕግዝ ነበረ።
ሽሕኳ ብዙሓት ፈተውቲ እንተረኸበ፡ ብዙሓት ዘይፈቱዎ ኔሮም። ኣብቲ ዓዲ ዝነበሩ ገሊኦም መራሕቲ ሃይማኖት፡ ሰባት ንዓታቶም እምበር ንየሱስ ክሰምዕዎ ኣይደልዩን ኔሮም።  የሱስ ዓቢ ስልጣን ከይሕዝ ይሰግኡ ኔሮም።

ኣጉሳዓና

et maleri av jesus som ris på et esel. Personer riundt ser på han og har palmeblader i hendene

ሓደ ሰንበት፡ ቅድሚ ፋስጋ፡ የሱስን ደቀ-መዛሙርቱን መታን በዓል ፋስጋ ከብዕሉ ናብ የሩሳሌም ከይዶም።ንኸልተ ካብ ደቀመዛሙርቱ ኣድጊ ከምጽኡሉ ኣዘዞም። ምስ ኣምጽኡሉ ድማ

የሱስ ኣብቲ ጻዕብ ኣድጊ ተወጥሑ ናብ የርሳሌም ኣተወ። ኣብኡ ድማ ብዙሓት ሰባት «ሆሳእና: ብስም እግዚኣብሄር ዝመጽእ ንጉስ ብሩኽ እዩ። ሰላም ኣብ ሰማይ፡ ክብሪ ኣብ ኣርያም» እናበሉ ወደስዎ።

ብዙሓት ሰባት ዓበይቲ ጨናፍር ስየ ይንስንሱ፣ ክዳውንቶም እውን የንጽፉሉ ነበሩ። ብዙሓት መራሕቲ ሃይማኖት ግን፡ ኣዝዮም ተቖጢዖም ንየሱስ «ንደቀ መዛሙርትኻ ግንሓዮም ሱቕ ኣብሎም» እናበሉ ተዛረቡዎ። የሱስ ግን «እዚኣቶም ዋላ ስቕ ተበሉ፡ የእማን ኪጭድሩ እዮም» በሎም።

ሓሙስ ጽግቦ

Et bilde av jesus som vasker føttene til sine desipler.

ኣብዚ ምሸት እዚ፡ የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኮይኑ በዓል ፋስጋ ከብዕልን ኪበልዕን ኮፍ በለ።ኣብቲ እዋን እቲ ሰባት ቅድሚ ናብ ውሽጢ ምእታዎም የእጋሮም ናይ ምሕጻብ ልማድ ኔሩዎም። ምኽንያቱ ሰባት ጥራሕ እግሮም ወይ ሳንደል( ሸበጥ) ጌሮም ይጉዓዙ ስለዝነበሩ ብቐሊሉ ይረስሕ ነበረ። የሱስ እውን ኣብ ሞንጎ ተሲኡ የእጋሮ ሓጸቦም። እዚ ድማ ኩላቶም ክተሓጋገዙን ክከባበሩን ትምህርቲ መታን ክህቦም ኢሉ እዩ።

Fotografi av Leonardo da Vincis verk Jesu siste måltid laget som mosaikkkunst

ኮፍ ኢሎም ምስ በልዑ ብሓንሳብ ዝኾኑሉ ናይ መወዳእታ እዋን ከምዝኾነ ሓዚኑ ድማ ካባኻትኩም ሓደ ከትሕዘኒ እዩ ኢልዎም። እሳቶም ውን ሓዚኖም ኣነዶ ዀን እኸውን እናበሉ ኩላቶም ክሓቱዎ ጀመሩ። 

Et foto av en altertavle i en kirke som viser Judas kysse Jesus på Skjærtorsdag

የሱስ ብዛዕባ ይሁዳ እዩ ዝዛረብ ዝነበረ። ይሁዳ ኣዝዩ እኩይ እዩ ኔሩ። ነቲ ዘለዎም ገንዘብ ዚሕዝ ንሱ ስለዝነበረ ካልኦት ከይርኣይዎ ካብቲ ገንዘብ ይሰርቕ ነበረ። ይሁዳ ገንዘብ ስለዝፈቱ፡ ከምዘትሕዞ የሱስ ይፈልጥ ኔሩ እዩ።

ሽዑ ይሁዳ ገዲፍዎም ወጸ እሞ ናብቶም ንየሱስ ዝጸልእዎ ዝነበሩ ሰባት ከይዱ ሰልዲ እንተሂብኩምኒ የሱስ ኣበይ ከምዘሎ ክነግረኩም እየ በሎም። ንሳቶም እውን ንየሱስ ክቐትሉዎ ይደልዩ ስለዝነበሩ፡ ንይሁዳ 30 ቅርሺ ክህቡዎ ተሰማምዑ።

የሱስ ግን ምስ ደቀመዛሙርቱ ሓዲሽ ኪዳን ኣተወ። እንጌራ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ቆሪሱ «እዚ ምእንታኹም ዚወሃብ ስጋይ እዩ። እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ። ውሰዱ ብልዑ በሎም»። ጽዋእ ወይኒ ድማ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ «እዚኣ እቲ ምእንታኹም ብዚፈስስ ዘሎ ደመይ እተገብረ ሓድሽ ኪዳን እያ ስተዩ» በሎም።.

ድሕሪኡ ምስ ደቀመዛሙርቱ ናብ ሓደ መናፈሻ ቦታ ከይዶም። ኣብኡ ኮይኑ ድማ ናብ ኣምላኽ ክጽሊ ጀመረ። ደቀመዛሙርቱ ግን ድቃስ ጠሊሙዎም ነበረ። ይሁዳ ወተሃደራት መሪሑ ናብቲ የሱስ ዘለዎ ቦታ መጸ። ንየሱስ ድማ ኣትሓዞ። እቶም ወተሃደራት እውን ንየሱስ ሒዞሞ ከይዶም።

ዓርቢ፡ ፍርዲ፣ ምስቃልን ምቕባርን

የሱስ ከምዝመውት ኣቐዲሙ ፈሊጡ ኔሩ እዩ። ኣቐዲሙ ናብ ምድሪ ዝመጻሉ ዕላማ እዩ ኔሩ። እዚ ካብቲ ኣምላኽ ንደቅ ሰባት ንምድሓን ዝገበሮ ምድላው እቲ ሓደ እዩ። የሱስ ካብቲ ብሰንኪ ቀዳሞት ሰባት ዝገበርዎ ጌጋታት ዝመጸ  ሓጥያት ናጻ ከውጻኣናንን ነቲ ንሕና ንገብሮ ጌጋታት ይቕረ ክግበረልናን መታን ክመወት እዩ ኣብ ምድሪ ተወሊዱ።

ሕጂ እቲ ጊዜ ኣኺሉ እዩ ኔሩ። እቶም ወተሃደራት ናብ መራሕቶም ንየሱስ ወሰዱዎ። የሱስ ወዲ ኣምላኽ ከምዘኾነ ኣይኣመኑን ኔሮም።  ነነብሱ ወዲ ኣምላኽ ኢሉ ስለ ዝጸውዐ ክመወት ኣለዎ ክብሉ ጀሚሮም።

ኣብ ሓደ ጎልጎታ ዝተባህለ ቦታ ወሲዶም ድማ ምስ ካልኦት ክልተ ሞት ተፈርዶም እሱራት ጌሮም ብምስማር ሸንኪሮም ሰቐልዎ።  እቲ ሓደ ካብቶም ምስኡ ተሰቕሉ ክጸርፎ እንከሎ፡ እቲ ካልእ ግን «ብመንግስተኻ ምስ እትመጽእ ዘክረኒ በሎ» ። የሱስ እውን «ሎሚ: ምሳይ ኣብ ገነት ከም እትኸዉን ብሓቂ እብለካ ኣለኹ» በሎ። የሱስ ድማ ኣብኡ ሞተ።

Et maleri av tre personer på tre kors.  jesus på korset. maleri av mennesker som er samlet rundt.

ቅድሚ 2000 ዓመታት ኣቢሉ ንሓደ ገበነኛ ብኸምዚ ኣገባብ ምቕጻዕ ልሙድ እዩ ኔሩ። ንደቀመዛሙርትን ፈተውትን የሱስ ኣዝዩ ዘሕዝን መዓልቲ እዩ ኔሩ። ኣምላኽ ሓደ ዘገርም ምድላዋት ኣዳልዩ ከምዘሎ ግን ኣይፈለጡን ኔሮም። ድሕሪ ተውሰነ እዋናት እቲ ሓዘኖም ኣይክቕጽልን እዩ።

ድሮ ፋስጋ – መቓብር ይዕጾን ይሕሎን

En grafisk fremstilling av jesus grav

የሱስ ምስ ሞተ ፈትውቱ ኣብ ካብ ከውሒ እተውቕረ መቓብር ኣንበርዎ። ነቲ መቓብር ሓደ ዮሴፍ ስሙ ሰብኣይ መታን ወዲ ኣምላኽ ክቕበረሉ እዩ ኣዳሊዎ። ሓደ ዓቢ እምኒ ድማ ጌሮም ነቲ መቓብር ዓጽዮሞ።

መራሕቲ ሃይማኖት፡ ዚሕልዉ ወተሃደራት ናብቲ መቓብር ልኢኾም፡ ዝኾነ ሰብ ናብቲ መቓብር መጽዩ ንሬሳ ናይ የሱስ መታን ከይሰርቆ፡ ኣጸቢቖም ኪሕልዉዎ ኣዘዙዎም።

ቀዳማይ መዓልቲ ፋስጋ – ሰንበት ንግሆ

ሰንበት ንግሆ ምንቅጥቃት መሬት ሓደ መልኣኽ ካብ ሰማይ ወሪዱ፡ ነቲ ኣብ ኣፍ ደገ መቓብር የሱስ ዘሎ ዓቢ እምኒ ከልዕሎ ጀመረ። እቶም ሓልወቲ ነቲ መልኣኽ ምስ ረኣይዎ ብስንባድ ፈጥፈጥ እናበሉ ሃዲሞም። 

ድሕሪ ገለ እዋናት ሓንቲ ካብ ፈተውቲ የሱስ ዝነበረት ማርያም መግደላዊት ሽማ ሰበይቲ መጸት። ነቲ እምኒ ካብ ቦትኡ ለጊሱ ምስ ጸንሓ ናብቲ መቓብር ኣትያ። ኣብቲ መቃብር ሓደ የሱስ ኣብዚ የለን። ተንሲኡ፡ ብህይወት እውን ኣሎ። ኪዲ ነቶም የዕሩክቱ ክርእይዎ ከምዚኾኑ ንገርዮም እናበለ ዚዛረባ መልኣኽ ሪኣ።

ማርያም ደጊም ኣይክትሓዝንን እያ። የሱስ ሞይቱ ኣይተረፈን። ህያው እዩ። እናጎየየት ነቶም ካልኦት ነቲ ብስራት መታን ክትነግሮም ከደት።

En tegning av engelen Gabriel som forteller kvinnene ved graven til Jesus at graven er tom

ካልኣይ መዓልቲ ፋስጋ–  የሱስ ንደቀመዛሙርቱ ይርኣዮም

መጀመርታ ዋላ ሓደ ካብቶም ደቀመዛሙርቱ ብዛዕባ እዚ ዝኣመነ ኣይነበረን። ግን ሓቃ እያ ኔራ። የሱስ ክረኽቦም መጽዩ እዩ። ብሓቂ ካብ ምውታት ተንሲኡ ኔሩ።

ድሕሪ ኣርብዓ መዓልታት የሱስ ንደቀመዛሙርቱ ናብ ሓደ ዓቢ ጎቦ ወሲዱዎም። ኢዱ ኣልዒሉ ባረኾም። ብዛዕባይ ንኹሉ ሰብ ንገሩ ድማ ኢሉዎም።ናብ ሰማይ ድማ ዓሪጉ። እዚ መዓልቲ እዚ ዕርገት ተባሂሉ ይጽዋዕ። ሓደ ደበና ከምዘይረእይዎ ጌሩ ሸፊንዎ።

መዓልቲ ዕርገት

ኣብኡ ደው ኢሎም ድማ ንተወሰነ እዋን ናብ ሰማይ ይጥምቱ ኔሮም። ሃንደበት ክልተ መላእኽቲ ናብኣቶም ቐሪቦም «ንምንታይ ክሳዕ ሕጂ ኣብዚ ደው ኢልኩም ናብ ሰማይ ትጥምቱ ኣለኹም?» ኢሎም ሓተቱዎም። የሱስ ናብ ሰማይ ከይዱ እዩ። ሓደ መዓልቲ ከምቲ ዚሓደገኩም ተመሊሱ ክመጽእ እዩ በሉዎም።

ድሕሪኡ ደቀመዛሙርቲ የሱስ ደስ ኢልዎም ናብ ከተማ ኣትዮም። የሱስ ብዙሕ ነገራት ምሂሩዎም እዩ። ኣይተሸበሩ ወይ ኣይትፍርሑ። ብኣምላክ እመኑ ብኣይ እወን እመኑ። ኣብ ቤት ኣምላኽ ብዙሕ ቦታ ኣሎ። ንዓኻትትኩም እውን ቦታ ከዳልወልኩም እየ ንዝበሎም ይዝክርዎ እዮም።

Et maleri som viser Jesus snakke til displene

Illustrajoner fra Adobe Stock

No posts