Den kristne påskefortellingen // ፋስጋ ክርትያናት
የሱስ ምስ ዓበየ፡ ምስቶም 12 ደቀመዛሙርቱ ኮይኑ ካብ ዓዲ ዓዲ እናዞረ፡ ንዝረኸቦም ኩሉ ብዛዕባ ኣምላኽ ክሰብኽ ጀመረ። የሱስ ንድኻታትን ሕሙማትን ብለውሃት ይሕግዝ ነበረ።
ሽሕኳ ብዙሓት ፈተውቲ እንተረኸበ፡ ብዙሓት ዘይፈቱዎ ኔሮም። ኣብቲ ዓዲ ዝነበሩ ገሊኦም መራሕቲ ሃይማኖት፡ ሰባት ንዓታቶም እምበር ንየሱስ ክሰምዕዎ ኣይደልዩን ኔሮም። የሱስ ዓቢ ስልጣን ከይሕዝ ይሰግኡ ኔሮም።
ኣጉሳዓና

ሓደ ሰንበት፡ ቅድሚ ፋስጋ፡ የሱስን ደቀ-መዛሙርቱን መታን በዓል ፋስጋ ከብዕሉ ናብ የሩሳሌም ከይዶም።ንኸልተ ካብ ደቀመዛሙርቱ ኣድጊ ከምጽኡሉ ኣዘዞም። ምስ ኣምጽኡሉ ድማ
የሱስ ኣብቲ ጻዕብ ኣድጊ ተወጥሑ ናብ የርሳሌም ኣተወ። ኣብኡ ድማ ብዙሓት ሰባት «ሆሳእና: ብስም እግዚኣብሄር ዝመጽእ ንጉስ ብሩኽ እዩ። ሰላም ኣብ ሰማይ፡ ክብሪ ኣብ ኣርያም» እናበሉ ወደስዎ።
ብዙሓት ሰባት ዓበይቲ ጨናፍር ስየ ይንስንሱ፣ ክዳውንቶም እውን የንጽፉሉ ነበሩ። ብዙሓት መራሕቲ ሃይማኖት ግን፡ ኣዝዮም ተቖጢዖም ንየሱስ «ንደቀ መዛሙርትኻ ግንሓዮም ሱቕ ኣብሎም» እናበሉ ተዛረቡዎ። የሱስ ግን «እዚኣቶም ዋላ ስቕ ተበሉ፡ የእማን ኪጭድሩ እዮም» በሎም።
ሓሙስ ጽግቦ

ኣብዚ ምሸት እዚ፡ የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ኮይኑ በዓል ፋስጋ ከብዕልን ኪበልዕን ኮፍ በለ።ኣብቲ እዋን እቲ ሰባት ቅድሚ ናብ ውሽጢ ምእታዎም የእጋሮም ናይ ምሕጻብ ልማድ ኔሩዎም። ምኽንያቱ ሰባት ጥራሕ እግሮም ወይ ሳንደል( ሸበጥ) ጌሮም ይጉዓዙ ስለዝነበሩ ብቐሊሉ ይረስሕ ነበረ። የሱስ እውን ኣብ ሞንጎ ተሲኡ የእጋሮ ሓጸቦም። እዚ ድማ ኩላቶም ክተሓጋገዙን ክከባበሩን ትምህርቲ መታን ክህቦም ኢሉ እዩ።

ኮፍ ኢሎም ምስ በልዑ ብሓንሳብ ዝኾኑሉ ናይ መወዳእታ እዋን ከምዝኾነ ሓዚኑ ድማ ካባኻትኩም ሓደ ከትሕዘኒ እዩ ኢልዎም። እሳቶም ውን ሓዚኖም ኣነዶ ዀን እኸውን እናበሉ ኩላቶም ክሓቱዎ ጀመሩ።

የሱስ ብዛዕባ ይሁዳ እዩ ዝዛረብ ዝነበረ። ይሁዳ ኣዝዩ እኩይ እዩ ኔሩ። ነቲ ዘለዎም ገንዘብ ዚሕዝ ንሱ ስለዝነበረ ካልኦት ከይርኣይዎ ካብቲ ገንዘብ ይሰርቕ ነበረ። ይሁዳ ገንዘብ ስለዝፈቱ፡ ከምዘትሕዞ የሱስ ይፈልጥ ኔሩ እዩ።
ሽዑ ይሁዳ ገዲፍዎም ወጸ እሞ ናብቶም ንየሱስ ዝጸልእዎ ዝነበሩ ሰባት ከይዱ ሰልዲ እንተሂብኩምኒ የሱስ ኣበይ ከምዘሎ ክነግረኩም እየ በሎም። ንሳቶም እውን ንየሱስ ክቐትሉዎ ይደልዩ ስለዝነበሩ፡ ንይሁዳ 30 ቅርሺ ክህቡዎ ተሰማምዑ።
የሱስ ግን ምስ ደቀመዛሙርቱ ሓዲሽ ኪዳን ኣተወ። እንጌራ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ቆሪሱ «እዚ ምእንታኹም ዚወሃብ ስጋይ እዩ። እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ። ውሰዱ ብልዑ በሎም»። ጽዋእ ወይኒ ድማ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ «እዚኣ እቲ ምእንታኹም ብዚፈስስ ዘሎ ደመይ እተገብረ ሓድሽ ኪዳን እያ ስተዩ» በሎም።.
ድሕሪኡ ምስ ደቀመዛሙርቱ ናብ ሓደ መናፈሻ ቦታ ከይዶም። ኣብኡ ኮይኑ ድማ ናብ ኣምላኽ ክጽሊ ጀመረ። ደቀመዛሙርቱ ግን ድቃስ ጠሊሙዎም ነበረ። ይሁዳ ወተሃደራት መሪሑ ናብቲ የሱስ ዘለዎ ቦታ መጸ። ንየሱስ ድማ ኣትሓዞ። እቶም ወተሃደራት እውን ንየሱስ ሒዞሞ ከይዶም።
ዓርቢ፡ ፍርዲ፣ ምስቃልን ምቕባርን
የሱስ ከምዝመውት ኣቐዲሙ ፈሊጡ ኔሩ እዩ። ኣቐዲሙ ናብ ምድሪ ዝመጻሉ ዕላማ እዩ ኔሩ። እዚ ካብቲ ኣምላኽ ንደቅ ሰባት ንምድሓን ዝገበሮ ምድላው እቲ ሓደ እዩ። የሱስ ካብቲ ብሰንኪ ቀዳሞት ሰባት ዝገበርዎ ጌጋታት ዝመጸ ሓጥያት ናጻ ከውጻኣናንን ነቲ ንሕና ንገብሮ ጌጋታት ይቕረ ክግበረልናን መታን ክመወት እዩ ኣብ ምድሪ ተወሊዱ።
ሕጂ እቲ ጊዜ ኣኺሉ እዩ ኔሩ። እቶም ወተሃደራት ናብ መራሕቶም ንየሱስ ወሰዱዎ። የሱስ ወዲ ኣምላኽ ከምዘኾነ ኣይኣመኑን ኔሮም። ነነብሱ ወዲ ኣምላኽ ኢሉ ስለ ዝጸውዐ ክመወት ኣለዎ ክብሉ ጀሚሮም።
ኣብ ሓደ ጎልጎታ ዝተባህለ ቦታ ወሲዶም ድማ ምስ ካልኦት ክልተ ሞት ተፈርዶም እሱራት ጌሮም ብምስማር ሸንኪሮም ሰቐልዎ። እቲ ሓደ ካብቶም ምስኡ ተሰቕሉ ክጸርፎ እንከሎ፡ እቲ ካልእ ግን «ብመንግስተኻ ምስ እትመጽእ ዘክረኒ በሎ» ። የሱስ እውን «ሎሚ: ምሳይ ኣብ ገነት ከም እትኸዉን ብሓቂ እብለካ ኣለኹ» በሎ። የሱስ ድማ ኣብኡ ሞተ።

ቅድሚ 2000 ዓመታት ኣቢሉ ንሓደ ገበነኛ ብኸምዚ ኣገባብ ምቕጻዕ ልሙድ እዩ ኔሩ። ንደቀመዛሙርትን ፈተውትን የሱስ ኣዝዩ ዘሕዝን መዓልቲ እዩ ኔሩ። ኣምላኽ ሓደ ዘገርም ምድላዋት ኣዳልዩ ከምዘሎ ግን ኣይፈለጡን ኔሮም። ድሕሪ ተውሰነ እዋናት እቲ ሓዘኖም ኣይክቕጽልን እዩ።
ድሮ ፋስጋ – መቓብር ይዕጾን ይሕሎን

የሱስ ምስ ሞተ ፈትውቱ ኣብ ካብ ከውሒ እተውቕረ መቓብር ኣንበርዎ። ነቲ መቓብር ሓደ ዮሴፍ ስሙ ሰብኣይ መታን ወዲ ኣምላኽ ክቕበረሉ እዩ ኣዳሊዎ። ሓደ ዓቢ እምኒ ድማ ጌሮም ነቲ መቓብር ዓጽዮሞ።
መራሕቲ ሃይማኖት፡ ዚሕልዉ ወተሃደራት ናብቲ መቓብር ልኢኾም፡ ዝኾነ ሰብ ናብቲ መቓብር መጽዩ ንሬሳ ናይ የሱስ መታን ከይሰርቆ፡ ኣጸቢቖም ኪሕልዉዎ ኣዘዙዎም።
ቀዳማይ መዓልቲ ፋስጋ – ሰንበት ንግሆ
ሰንበት ንግሆ ምንቅጥቃት መሬት ሓደ መልኣኽ ካብ ሰማይ ወሪዱ፡ ነቲ ኣብ ኣፍ ደገ መቓብር የሱስ ዘሎ ዓቢ እምኒ ከልዕሎ ጀመረ። እቶም ሓልወቲ ነቲ መልኣኽ ምስ ረኣይዎ ብስንባድ ፈጥፈጥ እናበሉ ሃዲሞም።
ድሕሪ ገለ እዋናት ሓንቲ ካብ ፈተውቲ የሱስ ዝነበረት ማርያም መግደላዊት ሽማ ሰበይቲ መጸት። ነቲ እምኒ ካብ ቦትኡ ለጊሱ ምስ ጸንሓ ናብቲ መቓብር ኣትያ። ኣብቲ መቃብር ሓደ የሱስ ኣብዚ የለን። ተንሲኡ፡ ብህይወት እውን ኣሎ። ኪዲ ነቶም የዕሩክቱ ክርእይዎ ከምዚኾኑ ንገርዮም እናበለ ዚዛረባ መልኣኽ ሪኣ።
ማርያም ደጊም ኣይክትሓዝንን እያ። የሱስ ሞይቱ ኣይተረፈን። ህያው እዩ። እናጎየየት ነቶም ካልኦት ነቲ ብስራት መታን ክትነግሮም ከደት።

ካልኣይ መዓልቲ ፋስጋ– የሱስ ንደቀመዛሙርቱ ይርኣዮም
መጀመርታ ዋላ ሓደ ካብቶም ደቀመዛሙርቱ ብዛዕባ እዚ ዝኣመነ ኣይነበረን። ግን ሓቃ እያ ኔራ። የሱስ ክረኽቦም መጽዩ እዩ። ብሓቂ ካብ ምውታት ተንሲኡ ኔሩ።
ድሕሪ ኣርብዓ መዓልታት የሱስ ንደቀመዛሙርቱ ናብ ሓደ ዓቢ ጎቦ ወሲዱዎም። ኢዱ ኣልዒሉ ባረኾም። ብዛዕባይ ንኹሉ ሰብ ንገሩ ድማ ኢሉዎም።ናብ ሰማይ ድማ ዓሪጉ። እዚ መዓልቲ እዚ ዕርገት ተባሂሉ ይጽዋዕ። ሓደ ደበና ከምዘይረእይዎ ጌሩ ሸፊንዎ።
መዓልቲ ዕርገት
ኣብኡ ደው ኢሎም ድማ ንተወሰነ እዋን ናብ ሰማይ ይጥምቱ ኔሮም። ሃንደበት ክልተ መላእኽቲ ናብኣቶም ቐሪቦም «ንምንታይ ክሳዕ ሕጂ ኣብዚ ደው ኢልኩም ናብ ሰማይ ትጥምቱ ኣለኹም?» ኢሎም ሓተቱዎም። የሱስ ናብ ሰማይ ከይዱ እዩ። ሓደ መዓልቲ ከምቲ ዚሓደገኩም ተመሊሱ ክመጽእ እዩ በሉዎም።
ድሕሪኡ ደቀመዛሙርቲ የሱስ ደስ ኢልዎም ናብ ከተማ ኣትዮም። የሱስ ብዙሕ ነገራት ምሂሩዎም እዩ። ኣይተሸበሩ ወይ ኣይትፍርሑ። ብኣምላክ እመኑ ብኣይ እወን እመኑ። ኣብ ቤት ኣምላኽ ብዙሕ ቦታ ኣሎ። ንዓኻትትኩም እውን ቦታ ከዳልወልኩም እየ ንዝበሎም ይዝክርዎ እዮም።

Illustrajoner fra Adobe Stock
No posts