Landsdeler og fylker i Norge // ክፋላት ሃገርን (ዞባታትን) ኣውራጃታትን ኣብ ኖርወይ
ኖርወይ ኣየኖት ዞባታት ኣለውዋ? እታ ሃገር ኣብ ክንደይ ኣውራጃታት ድተመቕለት ኢያ?
ንኖርወይ ኣብ ሓሙሽተ ዞባታት ክትመቕላ ልሙድ ኢዩ፣ ኑርድ-ኖርገ ፣ ትሮንደላግ ፣ ኦስትላነት ፣ ሶርላንደትን ቨስትላነትን። ነብሲ ወከፍ ዞባ ብሓደ ወይ ካብኡ ድበዝሓ ኣውራጃታት ድቖመት ኢያ።

ኣብ ኖርወይ 15 ኣውራጃታት ኣለዋ። እተን ኣውራጃታት ምምሕዳራዊ ኣሃዱታት ኢየን ፣ እዚ ማለት ከኣ ንሳተን ብፖለቲካዊ ኣገባብ ድመሓደራ ኢየን። እተም ባይቶታት ኣውራጃ ኢዮም ነቲ ኣውራጃ ደመሓድርዎ። ኣባላት ናይተን ባይቶታት ኣውራጃ ድማ ብህዝቢ ድተመርጹ ኢዮም።
ዞባ ኑር-ኖርገ
ኑር ኖርገ ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ናይታ ሃገር ይርከብ። እዚ ዞባ’ዚ በዘን ፊንማርክ ፣ ትሮምስ ከምኡውን ኖርላንድ ድበሃላ ሰለስተ ኣውራጃታት ድቖመ ኢዩ።

እቲ ድዓበየ ክፋል ኑር-ኖርገ ካብ ፖላር ሰርክል ንሰሜን (ጫፍ ሰሜናዊ ዋልታ) ይርከብ። ኣብ ሓጋይ ጸልማት ግዜ ክፋል ናይ ሰሜን ካብ ፖላር ሰርክል ኢዩ ሚድናትሱል (ጸሓይ ፍርቂ ለይቲ) ድማ ክፋል ግዜ ክረምቲ። ጸልማት ግዜ ክኸውን ከሎ ንገለ እዋን ሰብ ኣብ ሓደ መዓልቲን ለይትን ጸሓይ ክርኢ ኣይክእልን ኢዩ። ኣብ እዋን ሚድናትሱል ድማ ኣብ ክልቲኡ መዓልትን ለይትን ሰብ ጸሓይ ክርኢ ይኽእል። ናብ ሰሜን እናረሓቕካ ምስትኸይድ ፣ ብኡ መጠን ድማ ጸልማት ግዜን ሚድናትሱልን እናበዘሐ ይኸይድ። ኣብ ኖርድካፕ ድበሃል ቦታ ናይ ጸልማት ግዜ ካብ 20 ሕዳር ክሳብ 22 ጥሪ ናይ ሚድናትሱል ግዜ ድማ ካብ 14 ግንቦት ክሳብ 29 ሓምለ ኢዩ።
ኣብ ኑር-ኖርገ ኣብ ግዜ ሓጋይ ኑርድ-ሊስ (ሰሜናዊ መብራህቲ)። እዚ ኑድ-ሊስ ድበሃል ኣብ ሰማይ ድንቀሳቐስ ቀጠልያን ሮዛን ሕብሪ ደለዎ ብርሃን ኢዩ።
ኣውራጃ ፊንማርክ
ፊንማርክ ናብ ምብራቕን ሰሜንን ጫፋት ኖርገ ይርከብ ምስ ሩስያን ፊንላድን ድማ ይዳወብ። ፊንማርክ ብስፍሓቱ ናይ ኖርገ መበል ካላኣይ ኣውራጃ ኮይኑ እቲ ድወሓደ ብዝሒ ህዝቢ ደለዎ ድማ ኢዩ። ኑርድካፕ ፍሉጥ መስሕብ ቱሪስት ናይ ፊንማርክ ኢዩ። ኑርድካፕ ምበብዛሕትኡ ግዜ ናይ ኖርገን ኤውሮጳን ሰሜናዊ ነጥቢ (ጫፍ) ተባሂሉ ይጥቀስ ኢዩ። ምሉእ ብምሉእ ቅኑዕ ኣይኮነን ምኽንያቱ ክኒቭስቸሉደን ካብኡ 1,5 ኪ.ሜ ንሰሜን ርሒቑ ስለድርከብ።

ኣብ ፊንማርክ ብዙሓት ሳመውያን ይነብሩ። ሳመዊ ቋንቋ ድማ ኣብ ብዙሓት ቦታታት ናይቲ ኣውራጃ ምስ ቋንቋ ኖርወይ ማዕረ ኢዩ። ባይቶ ሳመ ከም ዕዮ ንሳመዊ መሰላት ፣ ቋንቋን ባህልን ከኽብር ብህዝቢ ድተመርጸ ኣካል ኢዩ። ኣብ ካራሾክ ድማ ይርከብ።

ኣውራጃ ትሩምስ
ትሩምስ ናይ ኖርገ መበል ካልኣይ ናብ ሰሜን ድቐረበ ኣውራጃ ኢዩ። እዚ ኣውራጃ ምስ ፊንላንድ ይዳወብ። ትሮምሶ ናይቲ ኣውራጃ ከምኡ’ውን ኣብ ዞባ ኑር-ኖርገ ድዓበየት ከተማ ኢያ። ኢሻቭስካተድራል ኣብ ትሮምሶ እታ ፍልጥቲ ቤተክርስትያን ኢያ። ቅርጺ ናይቲ ህንጻ ንከውሒ በረድን ኣኽራንን ክመሳሰል ይኽእል።

ኣውራጃ ኑርድላን
ኑርድላን ነዋሕን ቀጣንን ኣውራጃ ኮይና ምስ ሽወደን ድማ ትዳወብ። ቡዶ ኣብ ኑርድላን እታ ድዓበየት ከተማ ኢያ።

ሉፉተን ኣብ ኑርላንድ ትርከብ ኮይና ብብዙሓት ደሴታት ድቖመት ድማ ኢያ። ካብ ጥሪ ክሳብ ሚያዝያ ኣብ ሉፉተን ብዙሕ መጠን ዓሳ ስክረይ ይግፈፉ። ስክረይ ድበዘሐ ክፋል ናይ ዓመት ኣብ ርሑቕ ሰሜን ኣብ ባሕሪ ባረንትስ ድነብር ኮድ (ዓሳ) ኢዩ። ስክረይ ካብ ጥሪ ክሳብ ምያዝያ ኣብ ደሎ እዋን እንቋቖሖ ክወልድ ናብ ገማግም ባሕሪ ይመጽእ። ብዙሕ ካብቲ ስክረይ ይነቅጽ። ድነቐጸ ዓሳ ድማ ንቑጽ ዓሳ ይበሃል።እቲ ድበዘሐ ንቑጽ ዓሳ ንስደድ ናብ ካለኦት ሃገራት ከም ኣብነት ጣልያንን ናይጀርያን ይለኣኽ።
እቲ ሰሜናዊ ፖላር ሰርክል ብኑርላን ኣቢሉ ይሓልፍ። ካብ ፖላር ሰርክል ንሰሜን ናይ ጸልማት ግዜን ጸሓይ ፍርቂ ለይትን ኢዩ።
ዞባ ትሮንደላግ
ትሮንደላግ ኣብ ማእስከል እታ ሃገር ኢዩ ድርከብ ፣ ክልቲኡ ከም ዞባን ኣውራጃን ድማ ኢዩ። እዚ ዞባ’ዚ ሚድት-ኖርገ (ማእከል-ኖርገ) ተባሂሉውን ይጽዋዕ ኢዩ። ትሮንደላግ ነዋሕቲ መጻብቦታት ፣ ፍርያም ንሕርሻዊ ጥቕሚ ድኸውን ቦታታትን በረኽቲ ጎቦታት ኣለዎ። እቲ ድነወሐ መጻብቦ ኣብ ትሮንደላግ መጻብቦ ትሮንድሀይም ኢዩ እቲ ድበረኸ ጎቦ ድማ ትሮልሀታ ኢዩ። ትሮንደላግ ምስ ሽወደን ይዳወብ።
ኣብ ትሮንደላግ እታ ድዓበየት ከተማ ትሮንድሃይም ኢያ። ትሮንድሃይም ኣብ ኖርወይ መበል ሳልሰይቲ ድዓበየት ከተማ ኢያ። ኒዳሩስዱመን ኣብ ትሮንድሃይም እታ ፍልጥቲ ካተድራል ኢያ። ኒዳሩስዱመን ካብ ናይ ማእከላይ ዘመን ካተድራላት ዓለም እታ ናብ ሰሜን ድቐረበት ኢያ።

ሮሩስ ኣብ ትሮንደላግ ትርከብ ከተማ ኢያ። ሮሩስ ኣብ ላዕሊ ጫፍ ናይ ኣኽራናት ሮሩስ ትርከብ። እዛ ከተማ ኣብኡ ድተደኮነትሉ ምኽንያት ብ 1644 ኣብቲ ጎቦ ነሃስ ረኺቦም ስለድነበሩ ኢዩ። ኣብኡ ጎዳጉዲ ነሃስ ተሰሪሑ ነበረ። ሰባት ከኣ ኣብቲ ጎዳጉዲ ንኽሰርሑ ናብ ሮሩስ ይግዕዙ ነበሩ። ብኸምዚ ከኣ ከተማ ሮሩስ ዓበየት።

ዞባ ኦስትላነት
ኦስትላነት ብደቡባዊ ምብራቕ ክፋል ናይታ ሃገር ይርከብ። ኦስትላነት ብ 6 ኣውራጃታት ድቖመ ኢዩ ፣ ንሳተን ከኣ ኦስሎ ፣ ቨስትፎልድ ፣ ተለማርክ ፣ ቡስከሩድ ፣ ኣክሽሁስን ኢንላነትን ኢየን። ኦስትላነት ኣብ ብምብራቕ ሰጥ ድበለ ንሕርሻ ድኸውን ጎላጉል ብምዕራብ ድማ ጎቦታት ድመለኦ ስፍራ ኮይኑ ድተፈላለየ ቅርጺ መሬት ደለዎ ዞባ ኢዩ። ብተወሳኺ እቲ ዞባ ሓያሎ ዓበይቲ ቀላት ፣ ከም ሚዮሳን ቲሪፍዩርደንን ኣለዉዎ። ኦስትላነት ኣብ ኖርወይ እቲ ድዓበየን ድበዘሐ ብዝሒ ህዝቢ ድርከቦ ዞባን ናይታ ሃገር ኢዩ። ዳርጋ ፍርቂ ካብ ብዝሒ ህዝቢ ኖርወይ ኣብ ኦስትላነት ይነብር።

ኦስሎ
ኦስሎ ርእሲ ከተማ ናይ ኖርወይን እታ ድዓበየት ከተማ ኣብ ኖርወይን ኢያ። እታ ከተማ ኣብ ውሽጢ ኦስሎፍዩርደን (መጻብቦ ኦስሎ) ኢያ ትርከብ። ኣብ ኦስሎ ድርከቡ ፍሉጣት ስፍራታት ድማ ህንጻ ቤተ-ንጉስ ፣ ስቶርቲንገት (ባይቶ) ፣ ህንጻ ኦፔራን ፍሮግነርፓርከንን ኢዮም። ፓርክ ፍሮግነር በቶም ብዙሓት ሓወልቲታቱ ድተፈልጠ ፓርክ ኢዩ።



ኣውራጃ ቨስትፎልድ
ቨስትፎልድ ብምዕራባዊ ወገን መጻብቦ ኦስሎ ኮይኑ ብዓቐን ስፍሓቱ እቲ ድነኣሰ ኣውራጃ ኢዩ። እዚ ኣውራጃ ነዊሕ ገማግም ባሕሪን ንኣሽቱ ደሴታት ፣ እኩብ ናይ ኣዝዮም ንኣሽቱ ደሴታትን ኣኻውሕን ድርከቦ እኩብ ናይ ኣኻውሕባሕርን ኣለዎ። ኣብ ቨስትፎልድ እታ ድዓበየት ከተማ ቶንስበርግ ኢያ። ኣብ ኖርወይ ከም ብዓድመ ድዓበየት ከተማ’ውን ትሕሰብ ኢያ።


ኣብ ቨስትፎል ብዙሓት ጥንታዊ ርኽበታት ዘመነ ቫይንግ ተኻይዶም ኢዮም ፣ ገለ ካብኡ መርከብ ኡሰበርግ ኢያ። መርከብ ኡሰበርግ ኣብ ሓደ ዓቢ ኩምራ መቓብር ኣብ ቶንስበርግ ኢያ ተረኺባ። እታ መርከብ ከም መቓብር ናይ ክልተ ኣንስቲ ኢዮም ተጠቒሞምላ።

ኣውራጃ ተለማርክ
ተለማርክ ካብ ገማግም ባሕሪ ክሳብ እቲ በሪኽ ጎቦታት ይዝርጋሕ። ኣብቲ ኣውራጃ እተን ድዓበያ ከተማታት ሽየንን ፖርስግሩንን ኢየን።
ከተማ ርዩካን ፣ ኣብ ዝርዝር ቅርስታት ዓለም ናይ UNESCO ሰፊራ ደላ ኣብ ተለማርክ ትርከብ። እዛ ከተማ ኣብ መጀመርታ 1900 ዓ.ም ኣብ ኖርወይን ኤውሮጳን ኣርተፍሻል ድኹዒ ንምፍራይን ውሕስነት መግቢ ንምዕባይን ብኖስክ ሃይድሮ ኢያ ተመስሪታ።
ጋውስታቶፐን ኣብ ተለማርክ እቲ ድበረኸ ጎቦ ኢዩ። ሓደ ከብቲ ሰሓብነት ናይ ጋውስታቶፐን ጋውስታባነን ኢያ። ጋውስታባነን ካብ እግሪ ናይ’ቲ ጎቦ ናብ ጫፍ ናይ’ቲ ጎቦ ብውሽጢ ቢንቶ (Tunnel) እትጓዓዝ ናይ ገመድ መኪና ኢያ።

ኣውራጃ ቡስከሩድ
ቡስከሩድ ካብ መጻብቦ ኦስሎ ብወገን ምዕራብ ይርከብ ፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ክሳብ ላዕሊ ሃርዳንገርቪዳ ድማ ይዝርጋሕ። ሃርዳንገርቪዳ ኣስታት 8000 ትርብዒት ኪሎ ሜተር ኢዩ ፣ ካብ ሰሜን ኤውሮጳ ከኣ እቲ ድዓበየ ፕላቶ በሪኽ ጎቦ ኢዩ። ፕላቶ በሪኽ ጎቦ ማለት ኣዝዩ ዓብን ሰጥ ዝበለ ጎልጎልን ኮይኑ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ በሪኹ ድርከብ ቦታ ኢዩ (ጎቦ ኮይኑ ኣብ ላዕሊ ጎልጎል)። ፕላቶ በሪኽ ጎቦ ሓደ ሓደ ግዜ ቪዳ ተባሂሉ’ውን ይጽዋዕ ኢዩ።

ኣብ ቡስከሩድ እተን ድዓበያ ከተማታት ድራመን ፣ ኮንግስበርግን ሆነፎስን ኢየን። ድራመን ኣብ’ቲ ካብ መንጎ ዓበይቲ ወሓይዝ ኖርወይ ድኾነ ሩባ ድራመን (ድራመንስኤልቫ) ተደኲና ትርከብ። ኮንግስበርግ ብጎዳጉዲ ነሃስ ድተፈልጠት ከተማ ኢያ። እቶም ጎዳጉዲ ናይ ነሃስ ሕጂ ኣብ ስራሕ የለውን ግን ናብ ቤተ መዘክር ተቐይሮም ኣለዉ።

ኣውራጃ ኣከርሁስ
ኣውራጃ ኣከርሁስ ብስፍሓት እታ መበል ሳልሰይቲ ንእሽቶ ኢያ ብብዝሒ ህዝቢ ግን ብኣስታት 700 000 ነበርቲ መበል ካልኣይቲ ዓባይ ኢያ። እቲ ኣውራጃ ብደቡብ ካብ መጻብቦ ኦስሎ ክሳብ ምዮሳ ብሰሜን ትዝርጋሕ። ኣከርሁስ ከም ገማግም ባሕሪ ፣ ንሕርሻ ድውዕል ቅርጺ መሬትን ኣግራብን ድኣመሰሉ ድተፈላለየ ቅርጺ መሬት ኣለዎ።

Foto:Wikimedia
ኣይድስቮል ኣብ ሰሜን ኣውራጃ ኣከርሁስ ልክዕ ብሰሜን ከተማ ምዮሳ ትርከብ። ኣይድስቮል በቲ ህንጻአይድስቮል ፍልጥቲ ኢያ። ቅዋም ናይ ኖርወይ ብ 1814 ኣብ’ዚ ህንጻ እዚ ኢዩ ተጻሒፉ።
እቲ ዓቢ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ዳርጋ ማእከል ኣውራጃ ኣከርሁስ ኣብ ከተማ ጋርደርሙወን ይርከብ።
ኣውራጃ ኦስትፎልድ
ኦስትፎልድ እታ ኣብ ርሑቕ ደቡባዊ ምብራቕ እታ ሃገር ትርከብ ኣውራጃ ኢያ። እታ ኣውራጃ ምስ ስዊድን ትዳወብ። እተን ድዓበያ ከተማታት ኣብታ ኣውራጃ ድማ ፍረድሪክስታድን ሳርፕስበርግን ኢየን። እቲ ድነወሐ ወሓይዝ ናይ ኖርወይ ፣ ሩባ ግሎማ ብከተማ ሳርፕስበርግ ኣቢሉ ይውሕዝ ኣብ ፍረድሪክሳትድ ድማ ይውድእ።
ፈርድሪክስታድን ሃልደንን ኣብ ኦስትፎልድ ፍሉጣት ከተማታት ኢየን። ጋምለብየን ናይ ፍረድሪክስታድ ናይ ሰሜን ኤውሮጳ እታ ብድበለጸ ድተዓቀበት ዕርዲ ከተማ ኢያ። እቶም ስርሓት ዕርድታት ንባዕሎም ናይ 1600 ከፍለ ዘመን ኢዮም።

ዕርዲ (ፎርቶ) ፍረድሪክስተን ኣብ ሃልደን ድርከብ ታሪኻዊ ዕርዲ ኢዩ። እቲ ዕርዲ ኣብ 1661 ከም ስርሓት መከላኸሊ ኣብ ዶብ ምስ ስዊድን ድተሰርሐ ኢዩ። ሕጂ እዚ ዕርዲ ፍረድሪክስተን ፍሉጥ መስሕብ በጻሕቲ ኢዩ።

ኣውራጃ ኢንንላነት
ኢንላነት ብስፍሓት እቲ ድዓበየ ኣውራጃ ኮይኑ እቲ እንኮ ገማግም ባሕሪ ደይብሉ ኣውራጃ ድማ ኢዩ። ኢንላነት ካብ’ቲ ስቡሕ ናይ ሕርሻ ቦታታት ምብራቕ ናብ’ቲ በረኽቲ ጎቦታት ምዕራብ ይዝርጋሕ። እቲ ኣውራጃ ምስ ስዊድን’ውን ዶብ ኣለዎ። እተን ድዓበያ ከተማታት ድማ ሃማር ፣ ሊለሃመርን ዮቪክን ኢየን። ኩለን እዘን ከተማታት ኣብ’ቲ ናይ ኖርወይ ድዓበየ ቀላይ ከባቢ ሚዮሳ ተደኲነን ይርከባ።

ክልተ ፍሉጣት ኣኽራናዊ ቦታታት (ጎቦታት) ኣብ ኖርወይ ዶቭረፍየልን ዩቱንሃይመንን ኢየን። ክልቲአን ኣብ ኢንላነት ይርከባ። እቶም ክልተ ድበረኹ ጎቦታት ናይ ኖርወይ ጋልድሆፒገንን ግሊትተርቲንድን ኣብ ዮቱንሃይመን ይርከቡ።
ኢንላነት ኣብታ ሃገር ኣቲ ድዓበየ ናይ ኣጉዶታት (መዕረፊ ገዛውቲ) ኣውራጃ ኮይኑ ኣስታት 90000 ኣጉዶታት ወይ ናይ ዕረፍቲ ገዛውቲ ኣለዎ። እቶም ድበዝሑ ናይ ዕረፍቲ ኣጓዱ ምስ ፍሉጣት ናይ ቱሪስት ቦታታት ተታሓሒዞም ድተደኮኑ ኢዮም። ንኣብነት ከም ትሪሲል ፣ ሃፍየልን ክቪትፍየልን ከም ኩሎም ፍሉጣት ቦታታት ኣብ ግዜ ሓጋይ ኣብ በረድ ንምንሽርታት ከምኡ’ውን ኣብ ግዜ ክረምቲ ካልእ ናይ ግዜ ዕረፍቲ ንጥፈታት ንምግባር ድኽየዱ ስፍራታት ኢዮም።
ዞባ ሱርላነት
ኣብ ዞባ ሱርላነት ሓንቲ ኣውራጃ ጥራይ ኢያ ደላ ፣ ኣግደር ማለት ኢዩ። ዞባ ሱርላነት ጽቡቕ እኩባት ናይ ኣኻውሕ ባሕሪ ምስ ደሴታትን ሆልመር (ሪፍ ደለዎ ብተዛማዲ ጽፍሕ ድበለ ንእሽቶ ደሴት ኮይኑ ደይሕረስ) ኣለዎ። ሱርላነት ብዙሓት ናይ መሐንበሲ ገማግም ባሕሪ መዘናግዒ መዓስከራትን ኣብ ናይ ነጻ ግዜ ገዛውቲን ኣብ ገማግም ባሕሪ ስለደለዎ ፣ ንኽረምታዊ ዕረፍቲ ኣዝዩ ፍሉጥ ናይ ጉዕዞ ቦታ።


ሱርላነት ብጸቢብ ጎደናታት ደለዎም ንኣሽቱ ከተማታትን ጻዕዳ ሕብሪ ድተቐብኡ ናይ ዕንጸይቲ ገዛውትን ፍሉጥ ዞባ ኢዩ። ንኣብነት ሪሶርን ግሪምስታድን መብዛሕትኡ ግዜ ምስቲ ጻዕዳ ሕብሪ ድተቐብአ ናይ ዕንጸይቲ ገዛውተን ተኣሳሲረን ድግለጻ። ኣብ ሱርላነት እተን ክልተ ድዓበያ ከተማታት ክርስትያንሳንድን ኣረንዳልን ኢየን።

ሰሜናዊ ጫፍ ናይ ኖርወይ ሊንደንስነስ ኢያ። መብራህቲ ናይ ሊንደንስነስ ብ1656 ኢዩ ተሰሪሑ ኣብ ኖርወይ ድማ ብዕድመ እቲ ድዓበየ ንቑጣ መብራህቲ ኢዩ።
ዞባ ቨስትላነት
ቨስትላነት ብሰለስተ ኣውራጃታት ብሙር ኦግ ሮምስዳል ፣ ቨስትላንን ሮጋላንድን ድቖመ ዞባ ኢዩ። ተፈጥሮ ዞባ ቨስትላነት ብነዋሕትን ዓሞቕትን መጻብቦታት ከምኡ’ውን ጸዳፍ ቁልቁለትን በረኽቲ ኣኽራናትን ኢዩ ድግለጽ። ናይ ኖርወይ እቲ ድዓበየ መጻብቦ ሶግንፍዩርደን ኣብ ቨስትላነት ይርከብ። እዚ 204 ኪሎ ሜተር ቁመት ኣለዎ። እተን ድዓበያ ከተማታት ኣብዚ ክፍሊ ሃገር ድማ በርገን ፣ ስታቫንገር ፣ ኦለሱንድን ሃውገሱንድን ኢየን። ቨስትላነት ብናይ ባሕሪ መግቢ ብፍላይ ከም ላክስን ክሊፕ ዓሳን ከምኡ’ውን ብትካል ዕደና ዘይቲን ፍሉጥ ዞባ ኢዩ።

ኣውራጃ ሮጋላንድ
ኣብ ሮጋላንድ እታ ድዓበየት ከተማ ስታቫንገር ኢያ። ኣብ ምወዳእታ 1960 ክፍለ ዘመን ኣብ ኑርድሹወን ዘይቲ ተረኺቡ። ብድሕሪኡ እቲ ድዓበየ ቤት ጽሕፈት ናይቲ ናይ ዘይቲ ትካል ኣብ ስታቫንገር ክኸውን ተወሲኑ። ኣብ መጀመርታ ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ኣርባዕተ ሰራሕተኛታት ጥራይ ኔሮም። ሓደ ካብኣቶ ካብ ኢራቕ ድመጸ ነበረ ስሙ ድማ ፋሩቕ ኣልቓስም ይበሃል።


ኣውራጃ ቨስትላን
ኣብ ቨስትላን እታ ድዓበየት ከተማ በርገን ኢያ። በርገን ኣብ ኖርወይ መበል ካለኣይቲ ድዓበየት ከተማ ኢያ። እታ ከተማ መብዛሕትኡ ግዜ ርእሲ ከተማ ኣውራጃ ቨስትላን ተባሂላ ትጽዋዕ። ብሪገን ሓደ ፍሉጥ ቦታ ኣብ በርገን ኢዩ።


ኣብ ኖርወይ ብዙሓት ኣኻውሕ በረድ ኣለዉ። ከውሒ በረድ ድበሃል ሓደ ብበረድ ድቖመ ዓቢ ስፍራ ማለት ኢዩ። ኣብ ገለ ገለ ቦታታት ኣዝዩ ዝሑል ስልድኾነ ዋላ ኣብ ግዜ ክረምቲ እቲ ወርጪ ኣይመክኽን ኢዩ። ስለዚ በብዓመቱ ወርጪ እናተወሰኸ ይኸይድ። ድሕሪ ግዜ እምበኣር እቲ ወርጪ ናብ በረድ ይቕየር። እቲ በረድ ደለዎ ስፍራ ገዚፍን ከቢድን ኮይኑ ሸታሕታሕ እናበለ ብጎንታት ናይ’ቲ ጎቦ ንታሕቲ ክወርድ ምስጀመረ ፣ ሽዑ ከውሒ በረድ ኮይኑ ንብል። ዩስተዳልስብረአን እቲ ድዓበየ ከውሒ በረድ ኣብ ኖርወይ ኢዩ። ዩስተዳልስብረአን ኣብ ኣውራጃ ቨስትላን ይርከብ።


ኣውራጃ ሞርን ሩምስዳልን

ኣብ ሞርን ሩምስዳልን እታ ድዓበየት ከተማ ኦለሱንድ ኢያ። ኣብ 1904 ኣብ ኦለሱንድ ዓቢ ናይ ከተማ ባርዕ ኣጋጢሙ ኔሩ። ዳርጋ ብሙልኡ እቲ ማእከል ከተማ ኦለሱንድ ተሃሜኹ ነበረ። እታ ከተማ እንደገና ብዩገንድስቲል (ቅዲ ኣርት ኖቩ) ኢያ ተሃኒጻ። ነቲ ሓድሽ ቅዲ ኣርኪተክት ድማ ጀርመናውያን ኣርኪተክተራት ኢዩም ሃንዲሶሞ።
ናይ ኖርወይ እቲ ድዓበየ መንጫዕጫዕታ ኣብ ሞርን ሩምስዳልን ኢዩ ድርከብ ፣ ቪኑፎሰን ድማ ይበሃል። ኣብ’ቶም ዓበይቲ መንጫዕጫዕታታት ናይ ኖርወይ ብዙሕ ማይ የለን። ሚድሱንትራፐን (ኣስካላ) 2200 ደረጃታት መርገጺ ደለዎ ናይ እምኒ ኣስካላ ኢዩ። ብኔፓላውያን ጸረብቲ ኢዩ ተሰሪሑ።


Se alle bildene
Bilder som ikke er merket er lisensiert fra AdobeStock
Lær mer om Norge på Samfunnskunnskap.no
På Samfunnskunnskap.no finnes filmer, tekster og interaktive oppgaver om Norge på flere språk.