Hinduismen //ሂንድዩዝም

Denne teksten finnes på flere språk. Tanken er at teksten skal være et supplement til andre læremidler og andre aktiviteter i opplæringen. Det er altså ikke meningen at disse ressursene skal stå alene, men at de kan brukes i innledning til arbeid med temaet.

Teksten kan, for eksempel, brukes sammen med tospråklig lærer for å aktivere elevenes kunnskaper om temaet, og å bidra til at eleven lærer fagspråk.

ሂንድዩዝም ሓደ ካብቶም ጥንታውያን ሃይማኖታት ዓለምና ኢዩ። ኣብ ሂንድዩዝመን ድኣምን ሰብ ከኣ ሂንዱ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ሂንድዩዝም ካብ ዓለም መበል ሳልሳይ ድዓበየ ሃይማኖት ኢዩ።

En eldre mann i en robåt på elven Ganges ved byen Varanasi i India
ሓደ ሰብኣይ ኣብ ኣብቲ ኣብ ከባቢ ከተማ ቫራናሲ ድርከብ ሩባ ጋንጀስ ኣብ ጃልባኡ ኮፍ ኢሉ ከሎ።

እምነት

ሂንዱ ኩሉ ኣብ ጠፈር ደሎ ድተተሓሓዘን ብሓደ ውሱን ሕጊ ከኣ ይመሓደር ኢሎም ይኣምኑ። ደቅሰባት ፣ እንስሳታትን ኣትክልትን ነናቶም ውሱን ዕዮ ኣለዎም ፣ እዚ ከኣ ዳርማ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ሂንዱ ኩሉ ድተወልደ ይመውት ከም ብሓድሽ ከኣ ይውለድ ኢሎም ይኣምኑ። እዚ ከኣ ዳግመ ምውላድ ይበሃል። እዚ ከም ሳምሳራ ተባሂሉ ይጥቀስ። ጽቡቕ ሂወት ትነበር እንተ ሃሊኻ ፣ እቲ ዳግመ ምውላድ ከተወግዶ ትኽእል ኢኻ። ሽዑ ካብ ናይዛ ምድሪ ሂወት ነጻ ትኸውን ወይ ትማሓር ምስቶም ኣማልኽቲ ድማ ክትነብር ትኽእል። እዚ ከኣ ሞክሻ ይበሂሉ ይጥቀስ።

ኣማልኽቲ

ኣብ ሂንድዩዝም ብዙሓት ሚልዮናት ኣማልኽቲን ብዙሓት ድተፈላለዩ ባህሊን ታሪኽን ኣለዉ። ገለ ገለ ኣማልኽቲ ፍልይ ብድበለ መልክዕ ኣገደስቲ ኢዮም ንኣብነት ኣማልኽቲ ብራህማ ፣ ቪሽኑን ሺቫን። ብራህማ ንዓለም ድፈጠረን ኣብ ልዕሊ ኩሉ እቲ ድተፈጥረ ድማ ስልጣን ደለዎ ኣምላኽ ኢዩ። ቪሽኑ ንዓለም ድከናኸን ከምኡውን ጽሕፍቶ ወይ ትዕድልቲ ደቂሰባት ድቆጻጸር ኣምላኽ ኢዩ። ኣምላኽ ሺቫ ከኣ ንኹሉ ሂወት የበላሹ የዕኑ ግን ከኣ እቲ ሓድሽ ሂወት ደጊሙ ድፈጥር ንሱ ኢዩ። ሓደ ሂንዱ ፣ ዋላኳ ብዙሓት ኣማላኽቲ ይሃልዉ ፣ ከም ሓቂ ኩሎም ኣማልኽቲ ህያብ ናይቲ መንፈስ ዓለም ድኾነ ብራህማን ኢዮም ይብል። እዚ ኣብ ኩሉ ድነብር ፍጡር ድርከብ ሓይሊ ኢዩ።

Illustrasjon som viser gudene Brahma, Shiva og Vishnu

ኣማልኽቲ ብራህማን ሺዛን ቪሽኑን

ቤት ጸሎታት ሂንድዩዝም

ቤት ጸሎታት ንሂንዱ መንፈሳዊ ገዛውቲ ኢዮም። ኣብ ድተፈላለየ ቦታታት ናይ ዓለም ፣ ኣቀራርጻን ኣቀባብኣን ወይ ኣሰላልማን ናይ ቤት ጸሎታት በበይኑ ኢዩ። እንተኾነ ስእልታትን ሓወልትታትን ኣማልኽቲ ግን ኣብ ኩሉ ልሙድ ወይ ተመሳሳሊ ኢዩ። ነብሲ ወከፍ ቤተ ጸሎት ሂንዱ ንሓደ ካብ ኣማልኽቲ ንምኽባር ድተሃንጸ ኢዩ። እንተኾነ ግን ናይ ብዙሓት ኣማልኽቲ ሓወልቲታት ወይ ስእልታት ክህልዎ ይኽእል ኢዩ።

Bilde som viser Jain Bhandasar tempel i India.
ስእሊ ናይ ቤተ ጸሎት ጄይን ብሃንዳሳር ወይ ላጽሚ ናዝ ኣብ ከተማ ቢካነር ህንዲ.
Bildet viser et rom i det hinduistiske tempelet Jain Bhandasar som brukes til å tjene gudene.

እዚ ስእሊ ሓንቲ ክፍሊ ኣብ ቤት ጸሎት ጄይን ብሃንዳሳር ወይ ላጽሚ ናዝ ኣብ ቢካነር የርኢ። ኣብ ማእከል እቲ ስእሊ ሓደ ደቂቕ ተሕዝቶ ወርቂ ደለዎ መሰውያ ወይ ጣውላ ቑርባን ብሕብራዊ ቅዲ ይረአ። እዚኣ ክፍሊ እዚኣ ነቶም ኣማልኽቲ ከገልግሉ ከለዉ ይጥቀሙላ።

ቅዱሳት ጽሑፋት

ኣብ ሂንድዩዝም ብዙሓት ቅዱሳት ጽሑፋት ይርከቡ። ንሳቶም ኣብ ሂወት ክትገብሮ ደለካ ኣየናይ ኢዩ ቅኑዕ ወይ ጌጋ ከምኡ’ውን ሂንዱ ብኸመይ ሃይማኖቶም ከምደካይዱን የስተምህሩ። ብዙሓት ካብቶም ጽሑፋት ልዕሊ ብዙሓት ኣሻሓት ዓመታት ዕድመ ኣለዎም። ብዙሓት ሂንዱ ድማ ናብ ቤተ ጸሎት ክኸዱ ከለዉ ነዞም ቅዱሳት ጽሑፋት ይሰምዑ። ኣብዚ እቶም ብራህሚናት ኢዮም ነቶም ጽሑፋት ደንብቡሎም። ብራህሚን ማለት ቀሺ ማለት ኢዩ።

ፑጃ (ኣምልኾ)

ፑጃ ማለት ንእምላኽ ምምላኽ ማለት ኢዩ። ሂንዱ ኣብ ቤተ ጸሎት ፣ ኣብ ገዛኦም ፣ ኣብ ናይ ገዛ መሰውያ ወይ ኣብ ግዳም ንኣማልኽቶም ከምልኹ ይኽእሉ። ኣምልኾ ኣብ ቅድሚ ሓወልቲታት ወይ ስእልታት ኣማልኽቲ ይፍጸም። ሂንዱ ነቶም ሓወልቲታት ይሓጽብዎምን ዕንባባ ፣ መግብን ጸባን የንብሩሎምን። ሰብ ሽምዓ ፣ ጥዋፍ ይውልዕ ከምኡ’ውን ይጽልን ይዝምርን።

Bildet viser hele familien som tilber guden Ganesha via statuen som de har hjemme.  De setter frem frukt og blomster.
ሓንቲ ምልእቲ ስድራ ቤት ኣብ ገዛኦም ብደሎ ሓወልቲ ኣቢሎም ንኣምላኽ ጋነሻ እንዳምለኹ ከለዉ። ንሳቶም ፍረታትን ዕምበባን የንብሩሉ ኣለዉ።

መዓልታዊ ሂወት

ኣብ ሂንድዩዝም ሓልዮት ንኹሎም ዝነብሩ ፍጡራት ኣገዳሲ ኢዩ። ስለዚ ኢዩ ከኣ ድኾነ ሰብ ነቶም ድነብሩ ፍጡራት ከይጎድኦም ድብል መምርሒ ኣገዳሲ። ላም ከም ሓንቲ ቅድስቲ ወይ ድተባረኸት ኢያ ትውሰድ። እታ ላም ንሰብ ደድልዮ ጸባ ትህብ። ደቅሰባት ከኣ ህጻናት ከለና ናይ ኣዴና ጸባ ንሰቲ ፣ ናይ ላም ጸባ ግን ምሉእ ዕድመና። ሂንዱ ንላም ከም ኣደ ኹሉ ኢዮም ድሪኡዋ። እታ ላም ብዙሓት ኣገደስቲ ዕዮታት ኣለዋ ፣ ስለዚ ኢዮም ከኣ ብዙሓት ሂንዱ ምስ ላም ጥቡቕ ምትእስሳር ደለዎምን ስጋ ድማ ደይበልዑን።

ሂንድዩዝም ሓደ ኣገባብ ኣነባብራ ኢዩ። እቲ ሰብ ድኣምኖ ደይኮነስ እቲ ሰብ ድገብሮ ኢዩ ወሳኒ ነገር። ክብሪ ምርኣይ ኣገዳሲ ኢዩ። ንኣብነት ኣብ ልዕሊ ብዕድመ ዝደፍኡ ወይ ዓበይቲ ክብረት ምርኣይ ኣገዳሲ ኢዩ። ቆልዑ ዓበይቲ ወይ ኣባላት ስድራቤት ክረኽቡ ከለዉ ክልቲኡ ግናዕ ኢዶም ብምግጣም ሰላም ብምባል ክብረት የርእዩ። እቶም ቆልዑ ከኣ ከም ገብረ መልሲ በረኸት ይረኽቡ።

Bildet viser en hinduistisk dekorert hellig ku. Kua har hodepryd og malte mønstre på hele kroppen.
ናይ ህንዲ ዝተሸላለመት ቅድስቲ ላም። እዛ ላም ኣብ ርእሳ ዝተሸላለመትን ኣብ መላእ ኣካላታ ዝተፈልለየ ቅርጺ ሕብሪ ዝተለኽየትን።

በዓላትን ወግዕን (ልምዲን) ሂንዱ

ሂንዱ ብዙሓት ድተፈላለዩ ብዓላት ኣለዎም። ክንደይ በዓላት ከምደለዉ ቆጺርካ ክትውስኖም ከቢድ ኢዩ። ኣብ ድተፈላለየ ቦታታት ድኽበሩ ነኣሽቱ በዓላትን ኣብ መላእ እቲ ናይ ሂንዱ ዓለም ድጽምበሉ ዓበይቲ በዓላትን ኣለዉ። እቶም በዓላት ብዛዕባ ስነ-ጽንጽዋያውን ዕለታዊ ኣጋጣሚታትን ወይ ክልቲኡ ክኾኑ ይኽእሉ። ዲቫሊን ሆሊን ክልተ ዓበይቲ በዓላት ሂንድዩዝም ኢዮም። ዲቫሊ ናይ ሽምዓ ፌስታ ኢዩ። እቲ ብርሃን ነቶም ኣማልኽቲ ጸልማት ንኸሳጉጉ ይሕግዝ ከምኡ’ውን እቲ ጽቡቕ ኣብ ልዕሊ ርኹስ ይዕወት። ሆሊ ናይ ሕብሪ ወይ ቀለም ፌስታ ኢዩ። ሆሊ ምጅማር ቀውዒ የመልክት ፣ ኩሎም እቶም ሕብርታት ከኣ ትምኒት ናይ ጥዑይ ወይ ሕጉስ ዓመት ምስ ብዙሕነት ደለዎም ሕብራውያን ኣትክልትን ይውክል።

ኣብ ሂንድዩዝም መሰጋገሪ ልምድታት ወይ ወግዕታት ኣገደስቲ ኢዮም። ጽምብላት ወይ ድተፈላለዩ ፍጻሜታት ፣ ምስግጋር ናይ ሂንዱ ካብ ሓደ ደረጃ ሂወት ናብ ካልእ ንኣብነት ኣብ ሓዳር ምእታው ወይ ካብ ቁልዕነት ናብ ብጽሕነት የመልክቱ። ሓደ ካልእ መሰጋገሪ ድማ ኣብ’ቲ ልምዲ ጽኑዕ ቅድስና ይጽምበል። ኣብዚ ልምዲ እዚ ሓደ ወዲ ቆልዓ ኣብ ጉምቦ ኢዱ ቀዪሕ ፈትሊ ይእሰረሉ። ናብቲ ሃይማኖት እንኳዕ ብደሓን መጻእኩም ይበሃሉ ድሕርዚ ነቲ ቅዱስ ጽሑፋት ክመሃሩ ድሉዋት ይኾኑ። በዓላትን ልምድታትን ኣብ በበይኑ ሃገራትን ከባቢታትን ከምኡ’ውን ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብድተፈላለየ መልክዕ ይጽምበሉን ይኽበሩን።

Bildet som viser gutt med  en rød tråd rundt håndleddet
ኣብ ግዜ ጽኑዕ ልምዲ ቅድስና ሓደ ወዲ ኣብ ከባቢ ጉንቦ ኢዱ ቀይሕ ፈትሊ ይእሰረሉ።

ቅዱሳት ቦታታት ሂንዱ

ኣብ ህንዲ ብዙሓት ሂንዱ ይነብሩ። ስለዚ ኢዩ ብዙሕ ቦታታት ኣብ ህንዲ ነቶም ሂንዱ ቅዱስ ቦታ ድኾነ። ሂንዱ ኣብ ቅዱሳት ቦታታት ሙዃን ምሕረት ይህብ ኢዩ ኢሎም ይኣምኑ። ሩባ ጋንጀስን ሰንሰለት ኣኽራን ሂማላያን ከም ኣምላኻዊ ቦታታት ይቑጸሩ። ሂንዱ ፣ ኣምላኽ ሺቫ ምስ ሂማላያን ሩባ ጋንጀስን ድተተሓሓዘ ኢዩ ኢሎም ይኣምኑ። ኣብ ሩባ ጋንጀስ ምሕጻብ ሓደ ልምዳዊ ፍጻሜ ኢዩ። ኣንጻሂን መሓሪን ኢዩ። ብዙሓት ናብ ጋንጀስን ናብታ ቅድስቲ ከተማ ቫራናሲን ነቲ ልምዲ ንምፍጻም ከም ሃይማኖታውያን ተጓዓዝቲ ኮይኖም ይገሹ።

Bilde av fjellkjeden Himalya. Hvitkledde fjelltopper og skyer i varme farger
እዚ ስእሊ ንጎቦታት ሂማላያ ከም ሓደ ካብቲ ቅዱስ ቦታ ሂንዱ የርኢ። ሂንዱ ንኣምላኽ ሺቫ ምስ ጎቦታት ሂማላያ ድተኣሳሰረ ኢዩ ኢሎም ይኣምኑ።

Lær mer om hinduismen