Hinduismen //ሂንድዩዝም
ሂንድዩዝም ሓደ ካብቶም ጥንታውያን ሃይማኖታት ዓለምና ኢዩ። ኣብ ሂንድዩዝመን ድኣምን ሰብ ከኣ ሂንዱ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ሂንድዩዝም ካብ ዓለም መበል ሳልሳይ ድዓበየ ሃይማኖት ኢዩ።

እምነት
ሂንዱ ኩሉ ኣብ ጠፈር ደሎ ድተተሓሓዘን ብሓደ ውሱን ሕጊ ከኣ ይመሓደር ኢሎም ይኣምኑ። ደቅሰባት ፣ እንስሳታትን ኣትክልትን ነናቶም ውሱን ዕዮ ኣለዎም ፣ እዚ ከኣ ዳርማ ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ሂንዱ ኩሉ ድተወልደ ይመውት ከም ብሓድሽ ከኣ ይውለድ ኢሎም ይኣምኑ። እዚ ከኣ ዳግመ ምውላድ ይበሃል። እዚ ከም ሳምሳራ ተባሂሉ ይጥቀስ። ጽቡቕ ሂወት ትነበር እንተ ሃሊኻ ፣ እቲ ዳግመ ምውላድ ከተወግዶ ትኽእል ኢኻ። ሽዑ ካብ ናይዛ ምድሪ ሂወት ነጻ ትኸውን ወይ ትማሓር ምስቶም ኣማልኽቲ ድማ ክትነብር ትኽእል። እዚ ከኣ ሞክሻ ይበሂሉ ይጥቀስ።
ኣማልኽቲ
ኣብ ሂንድዩዝም ብዙሓት ሚልዮናት ኣማልኽቲን ብዙሓት ድተፈላለዩ ባህሊን ታሪኽን ኣለዉ። ገለ ገለ ኣማልኽቲ ፍልይ ብድበለ መልክዕ ኣገደስቲ ኢዮም ንኣብነት ኣማልኽቲ ብራህማ ፣ ቪሽኑን ሺቫን። ብራህማ ንዓለም ድፈጠረን ኣብ ልዕሊ ኩሉ እቲ ድተፈጥረ ድማ ስልጣን ደለዎ ኣምላኽ ኢዩ። ቪሽኑ ንዓለም ድከናኸን ከምኡውን ጽሕፍቶ ወይ ትዕድልቲ ደቂሰባት ድቆጻጸር ኣምላኽ ኢዩ። ኣምላኽ ሺቫ ከኣ ንኹሉ ሂወት የበላሹ የዕኑ ግን ከኣ እቲ ሓድሽ ሂወት ደጊሙ ድፈጥር ንሱ ኢዩ። ሓደ ሂንዱ ፣ ዋላኳ ብዙሓት ኣማላኽቲ ይሃልዉ ፣ ከም ሓቂ ኩሎም ኣማልኽቲ ህያብ ናይቲ መንፈስ ዓለም ድኾነ ብራህማን ኢዮም ይብል። እዚ ኣብ ኩሉ ድነብር ፍጡር ድርከብ ሓይሊ ኢዩ።

ኣማልኽቲ ብራህማን ሺዛን ቪሽኑን
ቤት ጸሎታት ሂንድዩዝም
ቤት ጸሎታት ንሂንዱ መንፈሳዊ ገዛውቲ ኢዮም። ኣብ ድተፈላለየ ቦታታት ናይ ዓለም ፣ ኣቀራርጻን ኣቀባብኣን ወይ ኣሰላልማን ናይ ቤት ጸሎታት በበይኑ ኢዩ። እንተኾነ ስእልታትን ሓወልትታትን ኣማልኽቲ ግን ኣብ ኩሉ ልሙድ ወይ ተመሳሳሊ ኢዩ። ነብሲ ወከፍ ቤተ ጸሎት ሂንዱ ንሓደ ካብ ኣማልኽቲ ንምኽባር ድተሃንጸ ኢዩ። እንተኾነ ግን ናይ ብዙሓት ኣማልኽቲ ሓወልቲታት ወይ ስእልታት ክህልዎ ይኽእል ኢዩ።


እዚ ስእሊ ሓንቲ ክፍሊ ኣብ ቤት ጸሎት ጄይን ብሃንዳሳር ወይ ላጽሚ ናዝ ኣብ ቢካነር የርኢ። ኣብ ማእከል እቲ ስእሊ ሓደ ደቂቕ ተሕዝቶ ወርቂ ደለዎ መሰውያ ወይ ጣውላ ቑርባን ብሕብራዊ ቅዲ ይረአ። እዚኣ ክፍሊ እዚኣ ነቶም ኣማልኽቲ ከገልግሉ ከለዉ ይጥቀሙላ።
ቅዱሳት ጽሑፋት
ኣብ ሂንድዩዝም ብዙሓት ቅዱሳት ጽሑፋት ይርከቡ። ንሳቶም ኣብ ሂወት ክትገብሮ ደለካ ኣየናይ ኢዩ ቅኑዕ ወይ ጌጋ ከምኡ’ውን ሂንዱ ብኸመይ ሃይማኖቶም ከምደካይዱን የስተምህሩ። ብዙሓት ካብቶም ጽሑፋት ልዕሊ ብዙሓት ኣሻሓት ዓመታት ዕድመ ኣለዎም። ብዙሓት ሂንዱ ድማ ናብ ቤተ ጸሎት ክኸዱ ከለዉ ነዞም ቅዱሳት ጽሑፋት ይሰምዑ። ኣብዚ እቶም ብራህሚናት ኢዮም ነቶም ጽሑፋት ደንብቡሎም። ብራህሚን ማለት ቀሺ ማለት ኢዩ።


ፑጃ (ኣምልኾ)
ፑጃ ማለት ንእምላኽ ምምላኽ ማለት ኢዩ። ሂንዱ ኣብ ቤተ ጸሎት ፣ ኣብ ገዛኦም ፣ ኣብ ናይ ገዛ መሰውያ ወይ ኣብ ግዳም ንኣማልኽቶም ከምልኹ ይኽእሉ። ኣምልኾ ኣብ ቅድሚ ሓወልቲታት ወይ ስእልታት ኣማልኽቲ ይፍጸም። ሂንዱ ነቶም ሓወልቲታት ይሓጽብዎምን ዕንባባ ፣ መግብን ጸባን የንብሩሎምን። ሰብ ሽምዓ ፣ ጥዋፍ ይውልዕ ከምኡ’ውን ይጽልን ይዝምርን።

መዓልታዊ ሂወት
ኣብ ሂንድዩዝም ሓልዮት ንኹሎም ዝነብሩ ፍጡራት ኣገዳሲ ኢዩ። ስለዚ ኢዩ ከኣ ድኾነ ሰብ ነቶም ድነብሩ ፍጡራት ከይጎድኦም ድብል መምርሒ ኣገዳሲ። ላም ከም ሓንቲ ቅድስቲ ወይ ድተባረኸት ኢያ ትውሰድ። እታ ላም ንሰብ ደድልዮ ጸባ ትህብ። ደቅሰባት ከኣ ህጻናት ከለና ናይ ኣዴና ጸባ ንሰቲ ፣ ናይ ላም ጸባ ግን ምሉእ ዕድመና። ሂንዱ ንላም ከም ኣደ ኹሉ ኢዮም ድሪኡዋ። እታ ላም ብዙሓት ኣገደስቲ ዕዮታት ኣለዋ ፣ ስለዚ ኢዮም ከኣ ብዙሓት ሂንዱ ምስ ላም ጥቡቕ ምትእስሳር ደለዎምን ስጋ ድማ ደይበልዑን።
ሂንድዩዝም ሓደ ኣገባብ ኣነባብራ ኢዩ። እቲ ሰብ ድኣምኖ ደይኮነስ እቲ ሰብ ድገብሮ ኢዩ ወሳኒ ነገር። ክብሪ ምርኣይ ኣገዳሲ ኢዩ። ንኣብነት ኣብ ልዕሊ ብዕድመ ዝደፍኡ ወይ ዓበይቲ ክብረት ምርኣይ ኣገዳሲ ኢዩ። ቆልዑ ዓበይቲ ወይ ኣባላት ስድራቤት ክረኽቡ ከለዉ ክልቲኡ ግናዕ ኢዶም ብምግጣም ሰላም ብምባል ክብረት የርእዩ። እቶም ቆልዑ ከኣ ከም ገብረ መልሲ በረኸት ይረኽቡ።

በዓላትን ወግዕን (ልምዲን) ሂንዱ
ሂንዱ ብዙሓት ድተፈላለዩ ብዓላት ኣለዎም። ክንደይ በዓላት ከምደለዉ ቆጺርካ ክትውስኖም ከቢድ ኢዩ። ኣብ ድተፈላለየ ቦታታት ድኽበሩ ነኣሽቱ በዓላትን ኣብ መላእ እቲ ናይ ሂንዱ ዓለም ድጽምበሉ ዓበይቲ በዓላትን ኣለዉ። እቶም በዓላት ብዛዕባ ስነ-ጽንጽዋያውን ዕለታዊ ኣጋጣሚታትን ወይ ክልቲኡ ክኾኑ ይኽእሉ። ዲቫሊን ሆሊን ክልተ ዓበይቲ በዓላት ሂንድዩዝም ኢዮም። ዲቫሊ ናይ ሽምዓ ፌስታ ኢዩ። እቲ ብርሃን ነቶም ኣማልኽቲ ጸልማት ንኸሳጉጉ ይሕግዝ ከምኡ’ውን እቲ ጽቡቕ ኣብ ልዕሊ ርኹስ ይዕወት። ሆሊ ናይ ሕብሪ ወይ ቀለም ፌስታ ኢዩ። ሆሊ ምጅማር ቀውዒ የመልክት ፣ ኩሎም እቶም ሕብርታት ከኣ ትምኒት ናይ ጥዑይ ወይ ሕጉስ ዓመት ምስ ብዙሕነት ደለዎም ሕብራውያን ኣትክልትን ይውክል።


ኣብ ሂንድዩዝም መሰጋገሪ ልምድታት ወይ ወግዕታት ኣገደስቲ ኢዮም። ጽምብላት ወይ ድተፈላለዩ ፍጻሜታት ፣ ምስግጋር ናይ ሂንዱ ካብ ሓደ ደረጃ ሂወት ናብ ካልእ ንኣብነት ኣብ ሓዳር ምእታው ወይ ካብ ቁልዕነት ናብ ብጽሕነት የመልክቱ። ሓደ ካልእ መሰጋገሪ ድማ ኣብ’ቲ ልምዲ ጽኑዕ ቅድስና ይጽምበል። ኣብዚ ልምዲ እዚ ሓደ ወዲ ቆልዓ ኣብ ጉምቦ ኢዱ ቀዪሕ ፈትሊ ይእሰረሉ። ናብቲ ሃይማኖት እንኳዕ ብደሓን መጻእኩም ይበሃሉ ድሕርዚ ነቲ ቅዱስ ጽሑፋት ክመሃሩ ድሉዋት ይኾኑ። በዓላትን ልምድታትን ኣብ በበይኑ ሃገራትን ከባቢታትን ከምኡ’ውን ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብድተፈላለየ መልክዕ ይጽምበሉን ይኽበሩን።

ቅዱሳት ቦታታት ሂንዱ
ኣብ ህንዲ ብዙሓት ሂንዱ ይነብሩ። ስለዚ ኢዩ ብዙሕ ቦታታት ኣብ ህንዲ ነቶም ሂንዱ ቅዱስ ቦታ ድኾነ። ሂንዱ ኣብ ቅዱሳት ቦታታት ሙዃን ምሕረት ይህብ ኢዩ ኢሎም ይኣምኑ። ሩባ ጋንጀስን ሰንሰለት ኣኽራን ሂማላያን ከም ኣምላኻዊ ቦታታት ይቑጸሩ። ሂንዱ ፣ ኣምላኽ ሺቫ ምስ ሂማላያን ሩባ ጋንጀስን ድተተሓሓዘ ኢዩ ኢሎም ይኣምኑ። ኣብ ሩባ ጋንጀስ ምሕጻብ ሓደ ልምዳዊ ፍጻሜ ኢዩ። ኣንጻሂን መሓሪን ኢዩ። ብዙሓት ናብ ጋንጀስን ናብታ ቅድስቲ ከተማ ቫራናሲን ነቲ ልምዲ ንምፍጻም ከም ሃይማኖታውያን ተጓዓዝቲ ኮይኖም ይገሹ።

ኣብ ሩባ ጋንጀስ ምሕጻብ ልምዳዊ ፍጻሜ ኢዩ.
ሓደ ሰብኣይ ኣብ ሩባ ጋንጀስ ቫራናሲ ኣብ ጃልብኡ ኮፍ ኢሉ እንከሎ።
Lær mer om hinduismen

Bildekort: Divali // ዲቫሊ
Bildekort med ord, bilde og lyd som handler om høytiden Divali

Divali // ዲቫሊ
En kort lesetekst med bilder og lyd om lysfesten Divali

Høytidskalender: Divali (ekstern lenke)
Les om Divali. Veilederkorpset i Stavanger kommune har publisert en flerkulturell kalender som viser ulike høytider.

Høytidskalender: Holi (ekstern lenke)
Les om Holi. Veilederkorpset i Stavanger kommune har publisert en flerkulturell kalender som viser ulike høytider.