Samenes nasjonaldag // 6 ለካቲት መዓልቲ ህዝቢ ሳመ
ኣብ መንጎ 60 000 – 70 000 ድኣኽሉ ሳመውያን ይርከቡ። ኣብ ስዊድን ኣስታት 17 000 ሳመውያን ይነብሩ፣ ኣብ ፊንላንድ ኣስታት 7500 ሳመውያን ከምኡ’ውን ኣብ ሩስያ ኣስታት 2000 ሳመውያን ይነብሩ። ኣብ ኖርወይ ኣስታት 40 000 ሳመውያን ይነብሩ። መብዛሕትኦም ብሰሜናዊ ሸነኽ ናይ ጨዋም ጎቦ (Saltfjellet) ወይ ከኣ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ከም ኣብነት ኦስሎ ይቕመጡ።

ሳመውያን ደቀባት ኢዮም
ሳመውያን ደቀባት ኢዮም። እዚ ማለት ሳመውያን ንነዊሕ እዋን ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ናይ ኖርወይ፣ ፊንላንድ፣ ስዊድንን ሩስያን ይነብሩ ነበሩ። ቅድሚ ኣብ መንጎ እዘን ሃገራት ደሎ ዶብ ምሕንጻጹ ንሶም ኣብኡ ይነብሩ ኔሮም።
ደቀባት ወይ ቀዳሞት ነበርቲ መብዛሕትኡ ግዜ ካብቲ ካልእ ናይቲ ድነብሩሉ ሃገር ፍልይ ድበለ ባህሊ ኣለዎም። ኣብ ዓለም ብዙሓት ደቀባት ኣለዉ። ንኣብነት ኩርዳውያን ደቀባት ናይ ኢራን፣ ኢራቕ፣ ሶርያን ቱርኪን ኢዮም።
ውድድር ዓጋዜን
ብዓጋዜን ምውድዳር ፍቱው ዓይነት ስፖርት ኢዩ ኣብ እቶም ዓጋዜን ደለዎም ሳመውያን። ኣብ ገለ ገለ ውድድራት እቲ ተወዳዳራይ ኣብ እግሩ መንሸራተቲ ብምግባር ደድሕሪ እቲ ዓጋዜን ብገመድ ሒዙ ይውጠጥ። ኣብ ካልእ ውድድራት ከኣ እቲ ተወዳዳራይ ኣብታ እቲ ዓጋዜን ድስሕባ ዓረብያ በረድ ኮፍ ይብል። እቶም ድቐልጠፉ ዓጋዜን ኣብ ሰዓት 60 ኪሎሜተር ይጎዩ።
ኣብ ውድድር ዓጋዜን ናይ ክልቲኡ ሻሞፕዮና ኖርወይን ሻምፕዮና ሃገራት ኖርዲክን ይዳሎ።

ሃገራዊ መዓልቲ ሳመውያን
ሃገራዊ መዓልቲ ሳመውያን 6 የካቲት ኢዩ። እዚ ሃገራዊ መዓልቲ ንኹሎም ነቶም ኣብ ኖርወይ፣ ስዊድን፣ ፊንላንድን ሩስያን ድርከቡ ሳመውያን ናይ ሓባር ሃገራዊ መዓልቲ ኢዩ። እዛ መዓልቲ ነቲ ብ6 የካቲት 1917 ኣብ ትሮንድሀይም ድተኻየደ ቀዳማይ ናይ ሳመውያን ሃገራዊ ኣኼባ ንምዝካር ኢያ ትጽምበል። ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ ካብ ኖርወይን ስዊድንን ድመጹ ሳመውያን ንመጀመርያ ጊዜ ብሓባር ኣብ ናይ ሳመ ጉዳያት ክሰርሑ ተራኺቦም ነበሩ።
ሃገራዊ መዓልቲ ናይ ሳመውያን ኣብ ኖርወይ ወግዓዊ ናይ ባንዴራ መዓልቲ ኢዩ። እታ መዓልቲ ከኣ ብናይ ኖርወይን ናይ ሳመውያን ባንዴራ ትዝከርን ትጽምበልን። እዛ መዓልቲ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ኖርወይ ትጽምበል። ኣብ ትሮምሶ እዛ መዓልቲ ብድተፈላለየ ንጥፈታት ከም ኣብነት፣ ምርኢታትን ውድድር ዓጋዜንን ትበዓል ወይ ትጽምበል።
ሃገራዊ መዝሙር ናይ ሳመውያን “ሳሚ ሶጋ ላቭላ” (Sámi soga lávlla) ኢዩ ድበሃል። ትርጉሙ ድማ መዝሙር ህዝቢ ሳመ ማለት ኢዩ። ኣብ ሃገራዊ መዓልቲ ሳመውያን «ሊህኩ በይቪን!» ንብል፣ ትርጉሙ ድማ «ርሑስ በዓል ወይ ርሑስ መዓልቲ!» ማለት ኢዩ።
ባንዴራ ሳመውያን

መበገሲ ናይዛ ባንዴራ ካብ ኣፋዊ ግጥምታት ናይ ሳመውያን ጽልዋ ዘሕደረ ኢዩ፣ ሳመውያን ከኣ ከም ደቂ ጸሓይ ተባሂሎም ኢዮም ድቐርቡ። እታ ኣብታ ባንዴራ ደላ ክቢ ንጸሓይን ወርሕን ተመልክት። ንኣጠቓቕማ ባንዴራ ሳመውያን ድውስን ቤት ፍርዲ ሳመውያን ኢዩ። መበል 6ይ የካቲት «ሊህኩ በይቪን!» ንብል፣ ትርጉሙ ድማ «ርሑስ በዓል ወይ ርሑስ መዓልቲ!» ማለት ኢዩ።

ቋንቋ ሳመውያን
ቋንቋ ሳመውያን ሓደ ቋንቋ ኣይኮነን፣ ግን ብዓሰርተ ሓደ ድተፈላለዩ ቋንቋታት ድቖመ ጉጅለ ቋንቋታት ኢዩ። ቋንቋ ሳመውያን ምስ ቋንቋ ፊንላንድ፣ አስቶኒያን ሁንጋሪን ዝምድና ኣለዎ።
ሰሜንሳመዊ (nordsamisk) እቲ ድዓበየ ሳመዊ ጉጅለ ቋንቋ ኢዩ። ኣብ ኩሉ ኖርወይ፣ ስዊድንን ፊንላንድን ድርከቡ ሳመውያን ሰሜንሳመዊ ቋንቋ ይጥቀሙ። ደቡብሳመዊ (Sørsamisk) ሎሚ እቲ ዝደኸመ ኢዩ ምኽንያቱ ኣብ ብዙሓት ስድራቤታት ከም መዓልታዊ ቋንቋ ስለደይጥቀምሉ። እቲ ሉለሳመዊ ድበሃል ጉጅለ ይሓይሽ ምኽንያቱ ብዙሓት ቆልዑ ኣብ ገዛኦምን ቤት ትምርትን ሉለሳመዊ ስለድመሃሩ ደለዉ።
ቡረስ (Bures ) ትርጉሙ ከኣ ሰላም ማለት ኢዩ ብሰሜንሳመዊ።
ላቩን ፑልክን (Lavvo og pulk) ኣብ ቋንቋ ኖርወይ ንጥቀመሎም ሳመዊ ቃላት ኢዮም።
