Buddhismen // ቡድሂዝም
ቡድሂዝም ኣብ ህንዲ ቅድሚ 2500 ዓ.ም ተጀሚሩ።
እቲ ሃይማኖት ብ ሓደ ሲድሃርታ ጋውታማ ዝበሃል ዝነበረ ሰብኣይ ተጀሚሩ።

ቡድሃ
ሲድሃርታ ጋውታማ ልኡል እዩ ነይሩ። ንሱ ካብ ሓደ ሃብታማት ስድራ እዩ መጺኡን ፣ ኣብ ቤተ ንጉስ ጽቡቕ ዝኾነ ሂወት’ውን ይነብር ነይሩን። ሓደ መዓልቲ ንሱ ካብቲ ቤተ ንጉስ ወጽዩሉ እብ ዝነበረ ግዜ ፡ ሓደ ዝሓመመ፡ ሓደ ኣርጊት ፡ ሓደ ዝሞተ ሰብን ፡ ተሃድሶን ( ኣስከ) ረኣየ ።
ኣስከ (ተሃድሶ) ማለት ሓደ ቀሊል ሂወት ንኽነብር ዝመረጸ ሰብ ማለት እዩ። እቲ ልኡል ካብቲ ቤተ መንግስቲ ወጽዩ ዝረኣዮ ነገር ፡ ካብ’ቲ ቤተ ንጉስ ፣ ካብ ሰብይቱን ህጻን ውላዱን ገዲፉ ካብ እቲ ቤተ- ንጉስ ንኽግዕዝ ኣወሲንዎ ። ከም ሓደ ተሃድሶ( ኣስከት ) ኮይኑ ክነብር ደለየ። ተሃድሶኣውያን ( ኣስከተነ) ቀሊል ሂወት ምስ ዝነብሩ በላሕቲ ክኾኑን ዝያዳ ክርድኡ ከምድኽእሉን ይኣምኑ ነበሩ ። ሲድሃርታ ንብዙሓት ተሃድሶኣውያን (ኣከተር) በጺሑን ካብኦም ብዙሕ ተማሂሩን እዩ። ብዙሕ ጸይሙን ኣስተንትኖ ገይሩን ድማ እዩ።
ኣስተንትኖ ማለት ጸጥ ኢልካ ኮፍ ምባልን ዝኾነ ክትሓስብ ዘይምፍታንን ማለት እዩ። ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት ከም ተሃድሶ ( ኣስከት) ኮይኑ ምንባር ጌና ሲድሃርታ ዝኾነ መልሲ ኣይረኸበንን ኣዝዩ በሊሕ ኣይኮነን። ሽዑ ንሱ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ገረብ ኮፍ ክብልን በሊሕ ከይኮነ’ውን ካብኣ ንኸይትስእን ወሰነ ። ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ኣብ ትሕቲ ገረብ ሲድሃርታ ሃንደበት ዓለም ከመይ ከም ዝኾነት ተረድኦ። ” ናጽነተይ ረኺበ ” ሓሰበ ንሱ ። ብድሕርዚ ቡድሃ ኮነ። ቡድሃ ናይ ህንዲ ቃል ኮይኑ ” እቲ ዝርዳእ ” ማለት እዩ።

እምነት
ቡድሃ ኣምላኽ ኣይኮነን ነይሩ , ግን ሓደ ብዙሕ ዝርዳእ በሊሕ ሰብ። ቡድሃ ን ሰባት ብዛዕባ ኣገዳስነት ሕያዋይን ቅኑዕን ሙዃን ኣብ ሂወት ይምህሮም ነበረ። ድሕሪ ሞት ቡድሃ ናቱ ትምህርቲ ነባሪ ኮይኑ ቀጸለ። እዚ ሎሚ ቡድሂዝም ኢልና ንፈልጦ ትምህርቲ እዩ። እዚ ትምህርቲ ከኣ ድሃርማ ተባሂሉ’ውን ይጽዋዕ ኢዩ።

ቡድሃውያን ኣብ ዳግማይ ምውላድ ይኣምኑ። ሓደ ቡድሃ ድሕሪ ሞትካ ከም ብሓድሽ ከም ትውለድ ይኣምን። እቲ ብሂወት ከለኻ እትገብሮ ን መጻኢ ሂወትካ ይውስኖ። እንድሕር ኣብዚ ናይ ሕጂ ሂወት ጽቡቕ ተዘይኮንካ ፡ ኣብ ናይ መጻኢ ሂወትካ ጸገም ክትረክብ ኢኻ። እዚ ትምህርቲ እዚ ካርማ ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ቡድሃ ንደቂ-ሰባት ኣብ ዓለም ብዙሕ ጸገማት ከምደሎ የስተምህር ። ብዙሕ ስቓይን ከምኡ’ውን ብዙሓት ጽቡቕ ከም ዘየለዉን ይነግር። ቡድሃ ብዛዕባ እዚ ብዙሕ ስቅያት’ውን ገለ ክግበር ከም ዝከኣል ይሕብር። ደቂ-ሰባት ብዙሕ ንክርድኡ ፡ ሕያዎት ንክኾኑ ፡ ጽልኢ ምቁራጽ ፡ ንሕማቕ ነገራት ዘይምሕሳብ፡ ስሱዓት ንኸይኮኑን ኩሉ ግዜ ዝያዳ ንኸይምነዩን፡ ክሰርሑ ይኽእሉ። ደቂ-ሰባት ነዚ እንተ ኽኢሎም ፡ ጽቡቅ ክህልዉን ናጻ ክኾኑን ይኽእሉን። እዚ ነጻነት እዚ ኸኣ ኒርቫና ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኒርቫና ካብ ስቓይን ምሉእ ብምሉእ ምልቓቕን ዳግማይ ምውላድን እዩ። እዚ ኸኣ ናይ ሓጎስን፡ ስኒትን ፡ ጠቕላላ ናጽነትን ክግለጽ ዘይክኣል ንጹርነትን ዘለዎ ኩነታት እዩ።

እተን 4 ክቡራት ሓቅታት
ትምህርቲ ቡድሃ ኣብ ኣርባዕተ ትምህርትታት ክጠቓለል ይከኣል። እዚኦም ንምንታይ ኣብ መንጎ ሰባት ብዙሕ መከራ ከምዘሎን እዚ ብኸመይ ክቕየር ከምዝኽእልን ዝብሉ እዮም።
- ኩሉ ነገር ምስኡ ገለ ቃንዛ ወይ መከራ ኣለዎ።
- ሰባት ስሱዓት ስለ ዝኾኑ ወይ ፈጺሞም ስለ ዘይጸገቡ ኢዩ መከራ ደሎ። ሰባት ኩሉ ግዜ ካብቲ ደለዎም ዝያዳ ይደልዩ።
- ሰባት ስስዐ ኣቋሪጾም ኣብ ህይወቶም ካልእ ዝያዳ ነገር እንተዘይደልዮም እቲ ቃንዛን ስቓይን ክጠፍእ እዩ።
- ሓደ ሰብ ንኹሉ ዝጎድእ ነገር ከብቅዕ እንተደልዩ እቲ ሰብ 8-ዕጻፍ መንገዲ ክኽተል ኣለዎ።
ንሕና ደቂ ሰባት ዝያዳ ንምርዳእ እንተሰሪሕና ዝሓሸ ህይወት ክህልወና እዩ መከራ ድማ ከብቅዕ ይኽእል እዩ።
እታ 8-ዕጻፍ መንገዲ
ቡድሃ ከምዚ ኢሉ: ሰባት ቅድሚ ንህይወቶም “ምጽጋኖም” ኣብ ህይወቶም እንታይ ጌጋ ከምዘሎ ክርድኡ ኣለዎም። ቡድሃ ብተወሳኺ ደቂ ሰባት ናብ ኒርቫና ንምብጻሕ እታ 8-ዕጻፍ መንገዲ ክኽተሉ ከምዝነበሮም ገሊጹ።
1. ቅኑዕ ርድኢት ይሃልኻ፣ ነቶም 4 ክቡራት ሓቅታት ሕጊ ካርማን ዳግማይ ምውላድን ተረዳእ።
2. ቅኑዕ ሓሳብ ይሃልኻ፣ ብዛዕባ ካልኦት ሰባት ብፍቕሪ ሕሰብ፡ ክምለሰኒ እዩ ኢልካ ከይሓሰብካ ሃብ።
3. ቅኑዕ ዘረባ ይሃልኻ፣ ሓቂ ተዛረብን ብድሕሪት ኣይትዛረብ ፡ ኣይትሕሱ ወይ ኣይትሕመን።
4. ቅኑዕ ስጉምቲ ምውሳድ፣ ኣብ ቡድሂዝም እተን ሓሙሽተ ሕግታት ህይወት ተኸተል
- • ካብ ምቕታል ምቑጣብ
- • ካብ ስርቂ ምቑጣብ።
- • ካብ ጾታዊ ዝሙት ምቑጣብ።
- • ካብ ሓሶት ምቑጣብ።
- • ካብ ምስካር ምቑጣብ።
1. ቅኑዕ መንገዲ ሂወት ይሃልኻ፣ ቅንዕና ዘለዎ ስራሕ ይሃልኻ፡ ብሕማቕ መንገዲ ገንዘብ ኣይትእቱ፡ ንኣብነት ከም ምስራቕ፡ ምቕታል ወይ ካልኦት ሰባት ብምትላል።
2. ቅኑዕ ጻዕሪ ይሃልኻ፣ ኣበርቲዕካ ስራሕን ዝሓሸን ለባምን ሰብ ክትከውን ድማ ጽዓር።
3. ቅኑዕ ኣቓልቦ ይሃልኻ፣ ሓደ ነገር ክትገብር ከለኻ ብዛዕባ ካልእ ነገራት ዘይምሕሳብ ተለማመድ፡ እንታይ ደኣ ሕጂ እትገብሮ ዘለኻ ሕሰብ።
4. ቅኑዕ ኣድህቦ ይሃልኻ፣ ኣብ ርእስኻን ልብኻን ሰላም ክህልወካን ኣብ ርእስኻን ልብኻን ሓያል ክትከውንን ንነብስኻ ኣለማምድ።

ጽሑፋትን ምልክታትን
ኣብ ቡድሂዝም ብዙሓት ቅዱሳት ጽሑፋት ወይ ምልክታት ይርከቡ። እቶም ጽሑፋት ትሕዝቶኦም ብዛዕባ ህይወት ቡድሃን ትምህርቱን እዮም ። ትምህርቲ ቡድሃ መጀመርያ ካብ መምህር ናብ ተማሃራይ ብኣፍ ይንገር እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ድሕሪ ግዜ ግን እቲ ትምህርቲ ምእንቲ ከይጠፍእ ነቲ ጽሑፋት ምጽሓፍ ኣድላዪ ኰነ።

ኣብ ቤተ-መቕደስ ቡድሃ መብዛሕትኡ ግዜ ዓበይቲ ሓወልትታት ቡድሃ ይርከቡ፣ ብዙሓት ካብዚኦም ድማ ኣዝዮም ክብሪ ደለዎም ስነ-ጥበባዊ ስርሓት እዮም።

ኣብ ብዙሓት መቕደሳት ሓወልትታት ቡድሃ ዘለዎም መሰውኢታት ኣለዉ። እቲ ናይ ፑጃ ስርዓት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብኡ እዩ ዝፍጸም፣ እዚ ድማ ብመልክዕ መዝሙር፣ ኣስተንትኖን ምቕራብ ዕምባባን ዕጣንን ንኣምልኾ ቡድሃታት እዩ።

መብዛሕትኦም ቡድሃውያን ኣብ ገዝኦም ናይ ቡድሃ ቅርጺ ኣለዎም። ሽምዓ ምውላዕን ኣብ ቅድሚ ስእሊ ቡዳ ዕምባባ ምቕማጥን ይፈትዉ። ገሊኦም ቡድሃውያን ድማ መዓልታዊ የስተንትኑ ።

መነኮሳትን ፈለስትን
መነኮሳትን ፈለስትን ክኢላታት ቡድሃ እዮም። ኣብቲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብዙሕ የንብቡ። የስተንትኑ፣ ትምህርቲ ቡድሃ ድማ ይምህሩ። ብዙሕ ነገራት የብሎምን፡ ዘድልዮም ጥራይ። ካብ ሰባት ብዝረኽብዎ መግብን ህያባትን እዮም ዝነብሩ።

ብዛዕባ ቡድሂዝም ዝያዳ ተማሃር




- Tekstene er utviklet av Veilederkorpset i Stavanger og etter avtale tilrettelagt, bearbeidet og oversatt av morsmål.no
- Alle bilder er hentet fra Adobe Stock