Kjærlighet og seksualitet // ፍቕርን ጾታዊነትን
ፍቕሪ ማለት ንገለ ሰብ ክትፈቱ ከለኻ ማለት እዩ። ዝበዝሑ ገለ ድፈትውዎም ሰባት ኣለዉዎም። ወለዲ ፥ የሕዋት ወይ የዕሩኽ ክኾኑ ይኽእሉ። ካልእ ጾታዊ ፍቕሪ ዝበሃል ውን ኣሎ ፥ ሓደ ከም ኣፍቃሪ ወይ በዓል-ቤት ሙዃን ክስምዖ እንከሎ።

ኣረኣእያ ኣብ ጾታዊ ፍቕሪ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ፥ ባህልታትን ይፈላለ እዩ። ገለ ካብኡ ክልተ መጻምዲ ነንሓድሓዶም ብኸመይ ከም ድራኸቡ ዓቢ ፍልልይ ኣሎ። ኣብ ገለ ቦታታት ወለዲ እዮም ንደቆም መጻምዲ ዝረኽቡሎም። እዚ ከኣ ዝተወደበ ምምስራት ሓዳር ( ኣራንሸርት ኤክተ-ስካፕ ) ይበሃል።
ገለ ወለዲ ንደቆም ንመን ከም ዝምርዓዉ ብዙሕ ኣማራጺታት ይህብዎም ፥ ስለዚ እቶም ቆልዑ ንመን ዝያዳ ከም ዝፈትዉ ንኽመርጹ ዕድል ይረኽቡ። ኣብ ገለ ቦታታት ወለዲ ንደቆም ከይሓተቱ ባዕሎም ይውስንሎም ። ኣብ ኖርወይ ንድኾነ ሰብ ኣገዲድካ ምምርዓው ዘይሕጋዊ እዩ ፥ ውላድካ እንተ ደልዩ ግን ርእይቶኻ ክትህብ ሕጋዊ ( ፍቑድ ) እዩ።

ኣብ ኖርወይ ሰብ ነቲ ክምርዓዎ ዝደሊ ባዕሉ ደልዩ ክረክብ ልሙድ ነገር እዩ ። ከም’ኡ ውን ሓደ ሰብ ቅድሚ ምምርዓዉ ብዙሓት ኣፍቀርቲ ክህልውዎ (በብግዝይኡ) ፥ ቅድሚ ንመርዓ ምውሳኑ ልሙድ እዩ። እቶም መብዛሕትኦም ፥ ቅድሚ ምምርዓዎም ብሓባር ይነብሩ (ይጥርነፉ) ። እዚ ኸኣ መናብርቲ ( ሳምቡወረ) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ሓደ ርብዒ ካብቶም መናብርቲ ኣብ ኖርወይ ጠቕላላ ኣይምርዓዉን እዮም ፥ ግን ብሓባር ይነብሩን መብዛሕትኡ ግዜ’ውን ቆልዓ ይወልዱን ።

እንድሕር ሓደ ወዲ ምስ ሓንቲ ጓል ተፋቒሮም ሀትሮፊል ኢልና ንጽውዖም። እንድሕር ክልተ ሓደ ዓይነት ጾታ ዘለዎም ሰባት ተፋቒሮም ድማ ሆሞፊል (ግብረ-ሰዶም) ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ኣብ ገለ ሃገራት ሆሞፊል ወይ ግብረ-ሰዶም ሙዃን ዘይሕጋዊ ኢዩ ግብረ-ሰዶማውያን ብኾምኡ ይነብሩ እንተሃልዮም ይቕጽዑ ወይ’ውን ይቕተሉ። ኣብ ውሽጢ ገለ ገለ ሃይማኖታት ሰባት ግብረ-ሰዶም ጌጋ ኢዩ ይብሉ ኢዮም።
ኣብ ኖርወይ ዝኾነ ሰብ ምስ ዝደለዮ ሓቢሩ ክነብር ይኽእል። ን ሆሞፊል ምንጻል ዘይሕጋዉ እዩ ፥ ከም’ኡ ውን ሆሞፊል ንኣብነት ብማዕረ ከም ሀትሮፊል ክምርዓዉ ይኽእሉ።

ጸታዊ ርክብ ሓደ ተፈጥራዊ ክፋል ናይ ሓደ ጾታዊ ዝምድና እዩ። ክልተ ሰባት ዝካፈልዎ ሓደ ጽቡቕን ውልቃዊን ነገር ኢዩ። ግን ዋላ እኳ ደኣ ኣብ ዝምድና ሃሉ ፥ ኩሉ ግዜ ብዛዕባ ጸታዊ ኩነታትካ ወሳኒ ባዕልኻ ኢኻ። እዚ ማለት ባዕልኻ ጸታዊ ርክብ እንተደሊኻን ምስ መን ከምትደልን ትውስን ባዕልኻ ኢኻ። ዝኾነ ካልእ ሰብ ፥ ወለድኻ ይኹኑ ፣ መጻምድኻን ወይ’ውን ኣፍቃሪኻን ኣብ ልዕሊ ጸታዊ ድሌታትካ ክውስኑ ኣይፍቀደሎምን።

ኣብ እዋን ጸታዊ ርክብ እንድሕር ሕራይ ዘይበልካ ዓመጽ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ ኖርወይ ዘይሕጋዊ ኢዩ ብማእሰርቲ ድማ የቕጽዕ። ከም’ኡውን ንኻልእ ሰብ ከይኣፍቀድካ ምትንካፍን ወይ ካለኦት ብዘይፍቓድካ ክትንክፉኻ ኣይፍቀድን እዩ። ንምትንካፍን ንምትሕቑቛፍን ምስ ካለኦት ፍቑድ ድዩ ኣይኮነን እንተተጠራጢርካ ፥ ክትሓትት ጥራይ እዩ ዘለካ ።

ዝርዝር ቃላት
Arrangert ekteskap – ኣረንሸርት ኤክተ-ስካፕ – ውዱብ መርዓ ስድራ-ቤት ባዕሎም ንደቆም መጻምዲ ይመርጹሎም።
Samboer – ሳምቦወር- ከይተመርዓኻ ብሓንሳብ ምንባር።
Heteroseksuell – ሀትሮ-ሰክሱወል- ክልተ ዝተፈላለየ ዓይነት ጾታ ዘለዎም ክፋቐሩ ከለዉ።
Homoseksuell – ሆሞ-ሰክስወል- ክልተ ሓደ ዓይነት ጾታ ዘለዎም ክፋቐሩ ከለዉ።
Voldtekt – ዓመጽ-ብሓይሊ ዝፍጸም ጾታዎ ርክብ።
Tekst og bilde er gjengitt og oversatt med tiltatelse fra Bergen kommune og zmekk.no