Lucia // ሉቺያ

 መዓልቲ ሉቺያ 13 ታሕሳስ ይኽበር። ኣብ ኖርወይ እዛ መዓልቲ ምስ ክልተ ዛንታታት ዝተኣሳሰረት እያ። ዛንታ ናይታ ተፍርሕ ሉሲን ዛንታ ቅድስቲ ሉቺያን ።

እታ ተፍርሕ ሉሲ

ቀደም ሰባት ኣብ መንጎ 12ን 13ን ታሕሳስ እትርከብ ለይቲ ኣብ ዓመት ዝነውሐት ለይቲ ምዃና ይኣምኑ ነበሩ። እዛ ለይቲ እዚኣ ድማ ሉሲ ላንግናት (ነዋሕ ለይቲ ሉሲ) ወይ ሉሲናት ተባሂላ ትጽዋዕ ነበረት። ሕጂ ኣብ ዓመት ዝነውሐ ለይቲ ከባቢ 21 ታሕሳስ ምዃኑ ፈሊጥና ኣለና።

Lyd3

ሰባት ነዋሕ​​ ለይቲ ሉሲ ጥንቆላዊ ኢዩ ኢሎም ይኣምኑ ነበሩ። ገለ ካብኡ ሰባት ኣብዛ ለይቲ እንስሳታት ነንሕድሕዶም ክዛረቡ ከምዝኽእሉ ይኣምኑ ነበሩ። ሉሲ ላንግናት መጀመርታ ናይ ግዜ ልደት እዩ ነይሩ። ብዛዕባ ሉሲ ድማ ጥንቆላዊትን ጸላም ቅርጺን ዝነበራ ምስሊ ምዃና ይንገር ነይሩ። ሉሲ ኩሉ ሰብ ምድላዋት በዓል ልደት ጽቡቕ ይኸይድ ድዩ ኣይከይድን ትከታተል ነበረት። እቶም ዕማማት እንተዘይተፈጺሞም ድማ መጺኣ ነቲ ህዝቢ ተፍርሖ ነበረት። ኣብ ነዊሕ ​​ለይቲ ሉሲ ሰብ ደገ እንተወጺኡ ሉሲ ምስኣ ትወስድ ትኽእል ነበረት። ስለዚ ኣብ እዋን ነዊሕ ለይቲ ሉሲ ህዝቢ ምሉእ ለይቲ ኣብ ውሽጢ ገዛ ኮይኑ ንበዓል ልደት ዝኸውን ስራሕ ከምዘካይድ የረጋግጽ ነበረ። ሓደ ካብቲ ዕማማት ምስንካት ሕብስቲ እዩ ነይሩ። ስለዚ መታን እቲ ዝተሰንከተ ብጫን ጽቡቕን ሕብሪ ክህልዎ እቲ ሳፍራን ወይጉርከሚ ድበሃል ቀመም ይጥቀሙ ነበሩ። እቲ ብጫ ሕብሪ መዘከርታ ነተን ኣብዛ ጸልማት ነዊሕ ​​ለይቲ ሉሲ ዝተወልዓ ሽምዓታት ኢዩ። ከም ተወሳኺ እቲ ብጫ ሕብሪ እቲ ናይ ጸልማት እዋን ኣብ ሓጺር ግዜ ከም ዝውዳእን መዓልታት እንደገና ክበርሃ ቁሩብ ግዜ ከም ዝተረፈንን ከም መዘኻኸሪ ይውሰድ ነበረ።

ሎሚ’ውን ንዕለት 13 ታሕሳስ መዓልቲ ሉችያ ድኸውን ባኒ ብቀመማት ሳፍራን ወይ ጉርከሚ ኢዩ ድስንከት። እዞም ሕብስትታት ብዘቢብ ዝተሰለሙ ኮይኖም “ሉሰካት” ድማ ይበሃሉ።

Maleriet «Julereia» (1922) av Nils Bergslien viser et følge av underjordiske, vetter, nisser, trollkjerringer, drukkenbolter, drapsmenn og annet pakk gjennom et norsk gårdstun julenatta.
እዛ ብኒልስ በርግስሊን ዝተሰርሐት “ጁለሬያ” ትበሃል ቅብኣ (1922)፡ ኣብ ናይ ልደት ምሸት ኣብ ሓደ ናይ ኖርወይ ናይ ሕርሻ ቦታ ትሕተ መሬታዊ ፍጥረታት፣ ባባ ናታለ፡ ሰኽራማት፡ ጠንቆልቲ ፡ ቀተልትን ካልኦት ዕስለታትን ተርኢ።Nils Bergslien [Public domain or Public domain], via Wikimedia Commons

መዝሙር ሉቺያ

Sang om lys og mørket i anledning Luciadagen መዝሙር ብዛዕባ ብርሃንን ጸልማትን ብምኽንያት መዓልቲ ሉቺያ

ሕቶታት ንጽሑፍ ብዛዕባ ሉሲ

Lyd4

  1.  ሉሲ ላንግናት እንታይ ምዃኑ ግለጽ ?
  2.  ሉሲ መን ምዃኑ ንገር?
  3.  ሰባት ስለምንታይ ንሉሲ ይፈርሕዋ ኔሮም?
  4.  ሉሲ ከመይ ትመስል ኢልካ ትኣምን ስኣላ?
  5. ኣብ ሃገራት ኖርዲክ ዝነውሐ ለይቲ መዓስ እዩ?
  6. ንሉቺያ ድስንከት ባኒ እንታይ ተባሂሉ ይጽዋዕ?
  7. ሕብሪ ናይቲ ባኒ ብሒቕ እንታይ እዩ ዘመልክት?

ቅድስቲ ሉቺያ

13 ታሕሳስ መዓልቲ ሉችያ ንዝኽሪ ቅድስቲ ሉቺያ ወይ ሳንክታ ሉቺያ ይኽበር። ሉቺያ ዝብል ስም ካብ “ሉክስ” ዝብል ናይ ላቲን ቃል ዝመጸ ኮይኑ ትርጉሙ ድማ ብርሃን ማለት እዩ።

ሉቺያ ኣብ ከባቢ 300 ክፍለ ዘመን ኣብ ሲሲሊ ኣብ ኢጣልያ ትነብር ነይራ። ክርስትያን ብምንባራ ብኢየሱስ ክርስቶስ ትኣምን ነይራ። ኣብዚ ግዜ እዚ እቶም ክርስትያን ዝነበሩ ብሮማውያን ይህደኑ ነበሩ። ሉቺያ ምስ ሓደ ሃብታም ሮማዊ ሰብኣይ ተሓጽያ ነበረት፡ ንሳ ግን ምምርዓው ኣበየት። እቲ ሃብታም ሮማዊ ሰብኣይ ተቖጠዐን ተጎድአን። ነቶም ኣብታ ሃገር ሓለፍቲ ድነበሩ ድማ ሉቺያ ክርስትያን ምዃና ነገረላ። ስለዚ ብሮማውያን ተቐጺዓ ብሞት ሰማእትነት ሞተት። ሰማዕት ማለት ሓደ ንእምነቱ ዝመውት ሰብ ማለት እዩ። ብዛዕባ ሕያውነት ሉቺያ ብዙሕ ዛንታታት ኣሎ። ሉቺያ ኣብ መወዳእታ ቅድስቲ ክርስትያን ኰነት። ሉቺያ ኣብ እትነብረሉ ዝነበረት እዋን፡ ክርስትያን ዝኾኑ ሰባት ተሓቢኦም ይነብሩ ነበሩ። ገሊኦም ኣብ ትሕቲ መሬት ኣብ ዝነበረ ጸልማት ገለርያ ተሓቢኦም ነበሩ። ኣብ ውሽጢ እቶም ገለርያታት ንኽበርሁ ሽምዓታት ኣብ ርእሶም ይኣስሩ ነበሩ። እቶም ክርስትያናት ንሉቺያ ከም ኣብቲ ጸልማት እዋን መንገዲ እምነት ዘርኣየት ጓል ገይሮም ይሓስብዋ ነበሩ።

Barn som bærer lys og som går luciatog.
Illustrasjon: AdobeStock

ኣብ ገለ ቦታታት መዓልቲ ሉቺያ ኣብ ኣብያተ ትምህርትን መዋእለ ህጻናትን ይበዓል። እቶም ቆልዑ ኣብ ሰልፊ ሉቺያ ይኸዱን ጻዓዱ ክዳውንቲ ድማ ይኽደኑን። ሓደ ሰብ ኣብ ርእሱ መብራህቲ ደለዎ ዘውዲ ጌሩ ኣብ ሰልፊ ቅድሚት ክኸይድ ልሙድ እዩ። እቶም ካልኦት ድማ ሽምዓ ወይ ከዋኽብቲ ኣብ ኢዶም ሒዞም መዝሙር ሉቺያ እናዘመሩ ይስዕቡ። መብዛሕትኡ ግዜ ወለድን ካልኦት ኣጋይሽን ሰልፊ ሉቺያ ክዕዘቡ ይዕደሙ። ብድሕሪኡ ምስቶም ቆልዑ ሉሰካት ይበልዑ።

ሰልፊ ሉችያ ደርኢ ቪድዮ

ብተማሃሮ ቆልዑ ድዝመር ሰልፊ ሉችያ ምስ መዝሙር ሉችያ ብቋንቋ ሽወደን

ዕዮታት ንጽሑፍ ብዛዕባ ቅድስቲ ሉቺያ

  1. ኣብ 13 ታሕሳስ እንታይ ከም ዝኽበር ንገሩና?
  2.  ኣብ መዓልቲ ሉቺያ መን ይዝከር?
  3.  እዛ መዓልቲ ኣብ ኖርወይ ብኸመይ ትኽበር?
  4.  ሉቺያ ዝብል ስም እንታይ ማለት እዩ?
  5.  ቀደም ዝነበረ ሓደ ሰብ ድዝከረሉ ካልእ መዓልታት ትፈልጥ ዶ?
Picture: Adobe Stock