Demokrati og diktatur // ዲሞክራሲን ምልካዊ ስርዓትን
ዲሞክራሲ – ብሓባር ምውሳን
ዲሞክራሲ፣ ህዝባዊ ኣመሓድራ እውን ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ፡ ህዝቢ ኣብ ኣገደስቲ ውሳነታት ክሳተፉ ዕድል ንዚህብ ስርዓት ኣመሓድራ ዝተዋህበ መጸዋዕታ እዩ። እቲ ህዝቢ፡ ኣብ ምርጫ ብምድማጽ ነቲ ናይ ምጽላው ዕድል ይረክብ። ዲሞክራሲ ካብቲ ሓደ ሰብ ጥራይ ዘምሓድረሉ ምልካዊ ስርዓት ይፍለ እዩ። ኣብ ኖርወይ ዘሎ ስርዓት ኣመሓድራ ዲሞክራሲያዊ ኣመሓድራ እዩ። እዚ ማለት ድማ: ኩሉ ኣብ ኖርወይ ዝነብር ኖርወጂያውን ኣብ ኖርወይ ክነብር ፍቓድ ዝረከበን ሰለስተ ዓመት ዝገበረን ኩሉ ሰብን: ሕብረተሰብ ኖርወይ ብኸመይ ክመሓደር ከምዘለዎ ናይ ምውሳን መሰል ኣለዎ ማለት እዩ። ቆልዑትን መንእሰያትን እውን ንኣታቶም ዝምልከት ነገር ክህሉ ከሎ፡ ርእይቶታቶም ከቕርቡን፣ ብኻልኦት ክስምዑን መሰል ይረኽቡ።
እቲ ዲሞክራሲ ዝብል ቃል ብክልተ ዝተፈላለዩ ናይ ግርኽኛ ቃል ዝቆመ ጥሙር ቃል እዩ። ዴሞስ (Demos) ህዝቢ ማለት ክኸውን ከሎ፣ ክራቲን (Kratein)ማለት ድማ ምግዛእ ወይ ምምራሕ ማለት እዩ። እቲ ብህዝባዊ ኣመሓድራ ምምሕዳር ዝብል ሓሳብ፣ ቅድሚ ከባቢ 2500 ዓመት እዩ ኣብ ከተማ ኣቴና ጀሚሩ። ኣብ ኖርወይ፡ ማሕበረሰብ ብኸመይ ክምሓደር ከምዘለዎ ዝተፈላለየ ርእይቶ ዘለወን ዝተፈላለያ ናይ ፖለቲካ ውድባት ይርከባ። ናይ ባይቶ ምርጫ ኣብ ዚህልወሉ እዋን፡ ኩላቶም ልዕሊ 18 ዓመት ዝኾኑ ኖርወጃውያን፡ ነቲ ዝያዳ ዝሰማምዑሉ ውድብ ብምምራጽ ድምጾም ይህቡ።

ናይ ምዝራብ ናጽነት
ኣብ ዲሞክራሲ፡ ናይ ምዝራብ ነጻነት ኣሎ። እዚ ማለት ድማ ኩሉ ሰብ ነቲ ዘለዎ ርእይቶ ክነግርን ክጽሕፍን ይኽእል እዩ። ዝኾነ መቕጻዕቲ ድማ ኣየጋጥሞን። ገና ካብ ብንእሽቴና ጀሚርና፡ ንሓሳባት፣ ስምዒታትን ርእይቶን ክንገልጽ ንምሃር። ተኾነ ግን ካልኦት ካብ ናትና ዝተፈለየ ርእይቶ ክህልዎም ከምዝኽእል ኣፍልጦ ብምሃብ ኣኽብሮት ክነርኢ ክንመሃር ኣገዳሲ እዩ። እንዳዓበኻ ምስትመጽእ፡ ርእይቶታትካ ዝያዳ ትኩረት እናተዋሃቦ ይመጽእ።
ዲሞክራሲ – ናጻ ሚድያ
ኣብ ዲሞክራሲ፡ ማዕከናት ዜና ንዝተፈላለዩ ሓሳባት ንምቅላሕ የገልግላ። ኣብ ኖርወይ ዝርከባ ናይ ፖለቲካ ውድባት ርእይቶታተን ናብ ህዝቢ ከቅርባ መታን ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ይጥቀማ። ነዚ ድማ ብፍላይ ምርጫ ክቀርብ ከሎ ይገብሮኦ። ፖለቲከኛታት፡ ሕብረተሰብና ብኸመይ ክምሓደር ከምዘለዎ ክማያየጡ ከለዉ፡ ብተለቭዥን፣ ብጋዜጣታት፣ ብራድዮን ብኢንተርኔትን ኣቢልና ክንካታተሎም ንኽእል።

ምልካዊ ስርዓት – ውሕዳት ሰባት ይውስኑ
ገለ ሃገራት ምልካዊ ስርዓት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ስርዓት ኣመሃድራ ኣለወን። ኣብ ሓደ ምልካዊ ስርዓት፡ እታ ሃገር ብኸመይ ከምትምሓደር ዝውስኑ ሓደ ወይ ዝተወሰኑ ሰባት ጥራይ እዮም። ምስቶም ነታ ሃገር ዝመርሑ ሰባት ዘይምስምማዕ ፍቁድ ኣይኮነን። መንግስቲ ዘይፈትዎ ነገር ዝተዛረበ ወይ ዝጸሓፈ ሰብ ስቅያትን ማእሰርትን ከጋጥሞ ይኽእል። ገለ ሰባት እውን ብሰንኪ ዘለዎም ርእይቶ ክቅተሉ ይኽእሉ እዮም።
ዝተፈላለየ ዓይነት ምልካዊ ኣመሓድራ ኣሎ። እቲ ምልካዊ ስርዓት ከመይ ዓይነት ከምዝኾነ ዝውስኖ፡ ክንደይ ይመርሑ ከምዘለዉ ወይ መን ይመርሕ ከምዘሎን፡ እቲ ኣብቲ ሃገር ዘሎ ናጽነት ክንድምንታይ ዝተሓተ ከምዝኾነን እዩ:
- እቲ ስልጣን ኣብ ኢድ ሓደ ሰብ ጥራይ ተኮይኑ፡ እቲ ስርዓት ውልቀ መላኺ ዝመርሖ ስርዓት ይብሃል። ኣዶልፍ ሂትለር ናይ ጀርመን፣ ጆሴፍ ስታሊን ናይ ሶቭየት ህብረትን ፍራንሲስኮ ፍራንኮ ናይ ስፓይንን ኣብነታት ናይ ውልቀ መላኺ እዮም።
- እቲ ሓይሊ ኣብ ኢድ ብዙሓት ሰባት ተኾይኑ ድማ፡ ምልካዊ ጉጅለ ወይ ምልከ ውህዳን ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ድማ ኣብ ገለ ብወተሃደራዊ ጁንታን ብእንኮ ውድብን ዝምሓደራ ሃገራት ይርከብ።
ምልካዊ ስርዓት – ሓደ ድምጺ ጥራይ ይስማዕ
ኣብ ምልካዊ ስርዓት ዘለወን ሃገራት፡ ሚድያታት ብመንግስቲ ይውነን ወይ ቁጽጽር ይግበረሉ። ጋዜጣታት፣ ራድዮን ቴለቭዥንን፣ ነቲ መንግስቲ እቲ ህዝቢ ክሰምዖ ንዝደልዮ ነገር ጥራይ ይነግሩ። እቲ መንግስቲ ነቲ ሰባት ዝዛረቡዎን ዝጽሕፉዎን ነገር ዝቋጻጸረሉ ኣገባብ ምምያ ይባሃል።