Hvordan oppstår jordkjelv? // ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብኸመይ ይለዓል?

Denne teksten om hvordan jordskjelv oppstår finnes på flere språk. Tanken er at teksten skal være et supplement til andre læremidler og andre aktiviteter i opplæringen. Det er altså ikke meningen at disse ressursene skal stå alene, men at de kan brukes i innledning til arbeid med temaet.

Teksten kan, for eksempel, brukes sammen med tospråklig lærer for å aktivere elevenes kunnskaper om temaet, og å bidra til at eleven lærer fagspråk.

Scroll nedover for å finne flere ressurser

እቲ ክራስት ድበሃል ቀጸላ መሬት ኣብ ሸውዓተ ዓበይትን ሓያሎ ንኣሽቱ ፕሌታትን ድተመቕለ ኢዩ። እዞም ፕሌታት ንሓድሕዶም ብድተዛመደ መንገዲ ይንቀሳቐሱ። እዞም ፕሌታት ኣዝዮም ቀስ ኢሎም ኢዮም ድንቀሳቐሱ። ኣብ ዓመት ገለ ቁሩብ ሰንቲ ሜተራት ጥራይ። እዞም ምንቅስቓሳት እዚኣቶም ድማ ፕሌት ድሪፍት ይበሃሉ። እዞም ፕሌታት ተንቀሳቒሶም ካብ ንሓድሕዶም ክረሓሓቑ ፣ ንሓድሕዶም ክጣበቑ ወይ ንሓድሕዶም ብተዛማዲ ንጎኒ ክቀራረቡ ይኽእሉ ኢዮም።

ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ መሬት 

ሓደ ሓደ ግዜ እቶም ንጎኒ ንሓድሕዶም ድቀራረቡ ፕሌታት ንሓድሕዶም ክገጣጠሙ የጋጥም ኢዩ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ኣብ ሓደ ደው ብምባል ንሓድሕዶም ይዳፍኡ። እቲ ድፍኢት ወይ ጸቕጢ እናለዓለ ምስከደ ብዙሕ ሓይሊ ይእከብ። ኣብ መወዳእታ እቶም ፕሌታት ካብቲ ተጋጢሞሞ ድጸንሑ ብሃንደበት ይፍላለዩ’ሞ እቲ ድጸነሐ ሓይሊ ወይ ድፍኢት ድማ ይፍኖ። ገለ ካብ’ቲ ሓይሊ ናብ ዋዒ ክቅየር ከሎ ገለ ካብኡ ድማ ነቶም ፕሌታት ናይ ምድሪ ደንቀሳቕስ ማዕበል ይኸውን። እዞም ማዕበላት እዚኣቶም ሓያላት ምስድኾኑ ፣ መሬት ትንቀሳቐስ ከምደላ ሰብ ክፍለጦ ይኽእል። እዚ ኢዩ ድማ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኢልና ንጽውዖ።

ምንቅጥቃጥ መሬት ኩሉ ግዜ ኣብ መንጎ ጫፋት ናይ ክልተ ፕሌታት ይለዓል። እታ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ድብገሰላ ደሎ ኣብ ውሽጢ ደላ ነቓዕ ናይ’ቲ ክራስት ድበሃል ቀጸላ መሬት ሃይፖሰንተር ወይ ፎከስ ትበሃል። እቲ ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ መሬት ኣብ ልዕሊ ሃይፖሰንተር ድርከብ ነቓዕ ናይ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ድማ ኤፒሰንተር ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ሃይፖሰንተርን ኤፒሰንተርን ደርኢ ስእሊ.

ክንደይ ዓቐን መጠን ሓይሊ ከምድተፈነወ ንምዕቃን ንጥቀመሉ መሳርሒ ሰይስሞግራፍ ኢዩ። ካብ ብዙሓት ሰይስሞግራፋት ድተኣከበ ሓበሬታታት ብምምስሳል ፣ መጠን ዕቤት ናይ ምንቅጥቃጥ ምድሪን ኣበይ ከምድጀመረን ማለት እታ ሃይፖሰንተር ኣበይ ከምደላን ክቕመር ይከኣል ኢዩ። ሓደ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዕብየቱ ክንደይ ኢዩ ንምግላጽ ሪክተር ስካላ ክንጥቀም ይከኣል። እቲ ስካላ ካብ 1-10 ኢዩ ድኸይድ ፣ እቲ ዓቐን ካብ 6 ንላዕሊ ድሓየለ እንተኾይኑ ዓቢ ጉድኣት ከስዕብ ይኽእል። ምንቅጥቃጥ ምድሪ ቅድሚ ምግጣሙ ሓበሬታ ክትህብ ወይ ከተጠንቅቕ ዳርጋ ኣይከኣልን ኢዩ። ስለዚ ኢዩ እቶም ምንቅጥቃጥ ምድሪ ደጋጥሞም ደሎ ህዝቢ ናብ ውሑስ ቦታ ክወጹ ከቢድ ድኸውን።

ፊልም ብዛዕባ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝገልጽ፣፣

ፊልም ብእንግሊሽ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብኸመይ ከምዝለዓል ዘርኢ