Id al-adha // ዒድ ኣል-ኣድሓ

ዒድ ኣል-ኣድሓ ናይ ኩሎም ኣብ መላእ ዓለም ደለዉ ኣስላም በዓል እዩ። እቲ በዓል እቲ ዓቢ በዓል ወይ ናይ መስዋእቲ በዓል ተባሂሉ’ውን ይጽዋዕ። እቲ በዓል-ዒድ ከም መወዳእታ ንግደት ናብ ሜካ ይበዓል። እቲ ዝበዓለሉ ዕለት ካብ ዓመት ናብ ዓመት ይፈላለ’ዩ ። ሜካ ሓንቲ ከተማ ናይ ስዑዲ-ዓረብያን እታ ቅድስቲ ቦታ ናይ ምስልምናን እያ።

ሓጅ ፥ እቲ መገሻ ናብ ሜካ ፥ ሓደ ካብ እቶም ሓሙሽተ መትከላት ናይ ምስልምና ዝተሃንጸሉ እዩ ። እቶም ዓቕሚ ዘለዎም እስላም ኣብ ናይ ሂወቶም ግዜ ፥ ሓደ ግዜ ናብ ንግደት ይነግዱ ። ዓመታዊ ካብ ሰለስተ-ክሳብ ኣርባዕተ ሚልዮን ኣስላም ናብ ሜካ ይነግዱ ።

ገለ ካብ ኣስላም ናብ ንግደት ምስ ከዱ ዝገብርዎ ንጥፈታት ፥ ንካባ ሸውዓተ ግዜ ምዛር እዩ ፥ ምኽንያቱ ብ መሰረት ምስልምና እቲ እምኒ ናብ ምድሪ ብ መልኣከ ገብርኤል እዩ መጽዩ።

ኣብ በዓል ዒድ-ኣልኣድሓ እቶም ኣስላም መብዛሕትኡ ግዜ ከም ናይ በዓል መግቢ ስጋ ናይ በጊዕ ፡ ጤልን ላምን ይበልዑ። እዚ ከም መዘከርታ ነቲ ኣብ ኣምላኽ ደለዎ እምነት ንኸርኢ ወዱ ንመስዋእቲ ከቕርብ ድሉው ድኾነ ነቢ ኣብርሃም እዩ።

ዒድ-ኣልኣድሓ ክኸውን ከሎ ኣስላም ብ ውቁብ ኣልባሳት ይመላኽዑ። ምስ ስድራ-ቤቶምን ፥ የዕሩኽቶምን ብሓባር መግቢ ይበልዑ። መብዛሕትኦም ካርድ ናይ ዒድን ፥ ህያባትን ይተሓታቱን ይወሃሃቡን ። ኣብ ዒድ-ኣልኣድሓ ዒድ-ሙባረኽ ( ጹቡቕ ዒድ ) ብምባል ሰናይ ምንዮት ይገላለጹ ።

Finn ut mer om Islam