እስልምና

Denne teksten om Islam finnes på flere språk. Tanken er at teksten skal være et supplement til andre læremidler og andre aktiviteter i opplæringen. Det er altså ikke meningen at disse ressursene skal stå alene, men at de kan brukes i innledning til arbeid med temaet.

Teksten kan, for eksempel, brukes sammen med tospråklig lærer for å aktivere elevenes kunnskaper om temaet, og å bidra til at eleven lærer fagspråk.

Scroll nedover for å finne flere ressurser.

እስልምና ካብቶም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ድተመስረቱ ሰለስተ ሃይማኖታት ናይ ዓለም እቲ ድነኣሰ ኢዩ። ኣይሁድነትን ክርስትናን ድማ እቶም ክልተ ካለኦት ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ድተመስረቱ ሃይማኖታት ኢዮም። ብተመሳሳሊ ከም ኣይሁዳውያንን ክርስትያንን እስላም ከኣ ሓደ ኣምላኽ ጥራይ ከምደሎ ይኣምኑ። ስለዚ ኢዮም ከኣ «ሓደ ኣምላኽ ድኣምኑ ሃይማኖታት» ተባሂሎም ድጽውዑ።

A metal islamic crescent moon and star on a green textured background
Halvmåne og stjerne er symbol for islam. Illustrasjon: Adobe Stock

ኣስልምና ካብቶም ዓበይቲ ናይ ዓለም ሃይማኖታት መበል ካለኣይ ድዓበየ ኢዩ ድሕሪ ክርስትና። ኣብ ዓለም ዳርጋ 1,7 ሚልያርድ ኣመንቲ እስልምና ኣለዉ። ኣብ እስልምና ድኣምኑ ሰባት ኣስላም ተባሂሎም ይጽውዑ። እቲ እስላማዊ ማሕበር ከኣ ኡማ ተባሂሉ ይጽዋዕ ብዓረብ። ኡማ ኣብ ክልተ ዓበይቲ ክፋላት ክምቀል ይከኣል። ንሳቶም ከኣ ሱኒ እስላምን  ሺዓ እስላምን ኢዮም። ሃይማኖት እስልምና ኣብ ከባቢ 610 ዓ.ም ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ብነቢ መሓመድ ተመስሪቱ። እዚ ኣብታ ንሱ ድተወልደላ ከተማ ሜካ ተፈጸመ። ሜካ ኣብ ስዑዲ-ዓረብ ትርከብ። መሓመድ ብ 632 ዓ.ም ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ሞይቱ።

ቁርኣንን ሓዲስን

ቁርኣን ኣብ እስልምና እቲ ኣገዳሲ ቅዱስ መጽሓፍ ኢዩ። ብመሰረት እስልምና ድማ ቁርኣን ትሕዝትኡ ነቢ መሓመድ ካብ ኣምላኽ ግሉጽነት ድተቐበለሉ (ኣምላኽ ንነቢ መሓመድ ድተገልጸሉ) ኢዩ። እቲ ናይ መጀመርታ ቁርኣን ብዓረብ ኢዩ ተጻሒፉ።

Bilde av koranen og andre bøker som er oppslått på et bord.
Bilde av Koranen. Foto: Adobe Stock

ቁርኣን ብ114 ምዕራፋት ድቖመ ኢዩ። እቲ ምዕራፋት ብኸፊል ከከም ንውሓቱ ኢዩ ተሰሪዑ ድርከብ። እቲ ድነወሐ ቅድሚት ክኸውን ከሎ እቲ ድሓጸረ ድማ ኣብ መወዳእታ። እታ ቀዳመይቲ ምዕራፍ ድተፈልየት ኢያ በታ ሓጻር ናይ መኽፈቲ ጸሎት ኣል-ፋቲሓ ድቖመት ኢያ። ኣስላም ቅድሚ ምንባብ ምጅማሮም ነቲ ቁርኣን ይስዕምዎ።

ኣብቶም ድሕሪ ሞት ነቢ መሓመድ ድሰዓቡ ክፍለ-ዘመናት ፣  ዛንታታት ብዛዕባ ንሱ ድበሎምን ወይ ድፈጸሞምን ኣብ ሓዲስ ተባሂሎም ድጽውዑ መጻሕፍቲ ተጻሕፉ። ቁርኣንን ሓዲስን ብሓባር እምበኣር እንታይ ቅኑዕ ከምድኾነን እቲ ጽቡቕ ኣገባብ ኣነባብራን ንኣመንቲ እስልምና የርእዩ (ይመርሑ)።

እተን ሓሙሽተ ኣዕኑድ (መትከላት)

እስልምና ናይ ሕጊ ሃይማኖት ኢዩ። እዚ ማለት ከኣ ንጌጋን ቅኑዕን ከምኡውን ኣመንቲ እስልምና እንታይ ክገብሩ ከምደለዎም ድውስኑ እቶም ሕግን መምርሒታትን ኢዮም። እዚ ኣብቲ ሓሙሽተ መትከላት ተገሊጹ ይርከብ።

እቲ እምነት

እታ እምነት ወይ ከኣ ሻሃዳ እታ ቀዳመይቲ ካብተን ኣዕኑድ እስልምና ኢያ። ብቋንቋ ዓረብ ድማ ከምዚ ትድመጽ: «ኣልሻዱ ኣና ላ ኢላ ኣላህ ወ ኣሻዱቭ ኣና ሞሓመድ ሩሱል ኣላህ »። ብትግርኛ ድማ ከምዚ ማለት ኢዩ : «ብጀካ ሓደ ኣምላኽ ካልእ ኣምላኽ የለን ፣ መሓመድ ድማ ናቱ ነቢ ኢዩ»።

Illustrasjon av trosbekjennelsen i Islam. Skrevet med arabisk kalligrafi
Trosbekjennelsen skrevet med arabisk kalligrafi. Illustrasjon: Adobe Stock

ጸሎት

እታ ካለኣይቲ ዓንዲ ወይ መትከል ከኣ ሳላት ወይ ጸሎት ኢያ። ኣስላም ኣብ መዓልቲ ሓሙሽተ ሳዕ ናብ ኣምላክ ይጽልዩ ወይ ይሰግዱ። ኣስላም ኣካላቶም ናብ ሜካ ገጹ ንክኸውን ኣብ ትሕግዞም ናይ ጸሎት ምንጻፍ ኮይኖም ይሰግዱ።

Bilde av to jenter som sitter på kne med hendende foldet. De sitter på en bønneteppe.
To jenter som ber. Bilde: Adobestock

ቅድሚ ጸሎት ምሕጻብ ኣገዳሲ ኢዩ።.እቲ ጸሎት ከኣ ብዓረብ ኮይኑ ትሕዝትኡ ድማ ካብ ጽሑፋት ናይቲ ቁርኣን ኢዩ። ኣብ ግዜ ጸሎት ወይ ስግዳን ኣካላት ናብ ሓደ ዓይነት መኣዝን ይንቀሳቐስ። ሓደ ሰብ ደው ይብል ፣ ይደንን ፣ ተምበርኪኹ ጫፍ እግሩን ኣእዳዉን ኣብ መሬት ብምትካል ይድፋእ ከምኡ’ውን ኮፍ ይብል። ናይ ዓርቢ ጸሎት ነብሲ ወከፍ ዓርቢ ኣብ እዋን ምሳሕ ድግበር ናይ ሓባር ስግዳን ኢዩ። ዓርቢ ኣብ ልዕሊ እቲ ስግዳን ስብከት ድማ ይስማዕ ኢዩ። እቲ ነቲ ስግዳን ድመርሕን ድሰብኽን ሰብ ድማ ኢማም ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ኣበርክቶ (ኣስተውጽኦ) ድሕነት

እቲ ሳልሳይ መትከል ከኣ ኣስተዋጽኦ ድሕነት ወይ ዛካት ኢዩ። ዛካት ሓደ ሰብ ክንደይ ገንዘብ ፣ ኣዋርቕን ካልእ ትሕዝቶን ከምደለዎ ምርኩስ ብምግባር ድኽፈል ዓይነት ክፍሊት ኢዩ። እቲ ገንዘብ ነቶም ሓገዝ ደድልዮም ሰባት ይወሃብ።

ጾም

ጾም እቲ ራብዓይ መትከል እስልምና ኢዩ። እቲ ጾም ኣብ ወርሒ ሮሞዳን ይጽወም ፣ እዚ ማለት ድኾነ ሰብ ጸሓይ በሪቓ ክሳብ ትዓርብ ኣይበልዕን ኣይሰትይን ማለትዩ። ቆልዑ ክጾሙ ኣየድልዮምን ኢዩ። ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ እቲ ስድራ ንድራር ይእከብ እዚ ከኣ ይፍጠር ይበሃል። ኣብ ግዜ ሮሞዳን ነቲ ደለካ ምምስጋን ከምእውን ነቶም ብዙሕ ደይብሎም ተደናጋጺ ሙዃን ኣገዳሲ ኢዩ።

ምሕጃጅ (ሓጂ)

እቲ ሓምሻይ መትከል እስልምና ድማ ናብ ሜካ ምኻድ ኢዩ። ዕላምኡ ድማ ምሕጃጅ ወይ ሓጂ ሙዃን ኢዩ። ምስ ምሕጃጅ ድተተሓሓዙ ብዙሓት ስርዓታት ኣለዉ። እቲ ጉዕዞ ከም ቅቡል ምሕጃጅ ክውሰድ እንተኾይኑ እምበኣር ኩሎም እቶም ኣገባባት ክፍጸሙ ኣለዎም። ሓደ ስርዓት ፣ ንኣብነት ኣብ ዙርያ ካባ ሸውዓተ ሳዕ ምኹላል። ካባ ቅዱስ ኢዩ ምኽንያቱ ነቲ ምሩጽ እምኒ ሒዙ ስለድርከብ። ብመሰረት እምነት ኣስልምና እታ እምኒ መበቆላ ካብ ሰማይ ኮይና ብቕዱስ ገብርኤል መልኣኽ ናብ ምድሪ ድመጸት ኢያ።

ኣስላም ኣብ ሂወቶም ሓደ መዓልቲ ናይ ምሕጃጅ ጉዕዞ ይገብሩ ተኽእሎታት እንተደኣ ሃልዩዎም። ዓመታዊ ካብ ስለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ሚልዮን ኣስላም ናብ ሜካ ይጓዓዙ።

Kaba ligger inne i hovedmoskeen i Mekka. Bilde: Pixabay, Konevi