Id al- fitr // ዒድ ኣል-ፈጥር

ዒድ ኣልፈጥር መብዛሕትኡ ግዜ ዒድ ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ። ከም መዕጸዊ ነቲ ዓመታዊ ናይ ጾም ግዜ እዩ ኸኣ ዝበዓል። እቲ ናይ ጾም ወርሒ  ሮሞዳን ተባሂሉ ይጽዋዕ ፣ ኩሎም ክንዲ ሰብ ዝኣኸሉ ኣስላም ከኣ ክጸሙ ይኽእሉ። እቶም ዝጸሙ ጸሓይ በሪቓ ክሳብ ትዓርብ መግቢ ኣይበልዑን ። ኣብ ሮሞዳን ብዛዕባ ንሓድሕድና ከመይ ጌርና ትሑታትን ጥዑማትን ከምንኸውን ምሕሳብ ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ዒድ  ጾምና ንኽንፍጽም ሓይሊ ን ዝሃበና ፈጣሪ ነመስግን። እቲ በዓል ብ  መደብ ሓበራዊ ጸሎት ኣብ መስጊድ ይጅምር።

ኣብ ዒድ ምስ ስድራ-ቤትካን የዕሩኽትኻን ብ ሓባር ሙዃን ልሙድ እዩ። በዓል ዒድ መዓልቲ ቆልዑ እዩ ። ቆልዑ መብዛሕትኡ ግዜ ህያባትን ገንዘብን ካብ ስድራ-ቤቶም ይረኽቡ። እቲ ህያባት ዒዲ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ብ ውቁብ ኣልባሳት ምምልኻዕ ከኣ ልሙድ እዩ። ብዙሓት ውን የእዳዎም ብ ሒና ይሕነኑ ።

ቅድሚ በዓል ዒድ እቶም ዓቕሚ ዘለዎም ከም ልሙድ ናይ በዓል ክፍሊት ዛኻት ኣል-ፈጥር ዝበሃል ይኸፍሉ።  እቲ ገንዘብ  ከኣ ናብ እቶም ን ናይ ኣውደኣመት መግቢን ፥ህያባትን ከም’ኡውን ን ሓደሽቲ ክዳውንቲን ፥ ነቲ ዓብይ በዓል ዝኸውን መግዝኢ ዝደልዩ  ይወሃብ።

መግቢ ሓደ ኣገዳሲ ክፋል ናይ በዓል ዒድ እዩ። የዕሩኽን ስድራ-ቤትን ኣብ’ቲ  ጽቡቕ መግብን ሙቁር ነገራትን ደለዎ መኣዲ ኣውድኣመት ይእከቡ። እቲ ዝቕረብ መኣዲታት ካብ ስድራ-ቤት ናብ ስድራ-ቤት ይፈላለ እዩ ።

ንሓድሕድካ ” ዒድ ሙባረኽ ” ብምባል ሰላምታ ምልውዋጥን ጽቡቕ  በዓል ክኾነሎም ምምናይን  ልሙድ እዩ።   ብዙሓት  ንሓድሓዶም ናይ ዒድ ካርዲ ይወሃሃቡ ወይ ይሳደዱን ።