17. mai – Norges nasjonaldag // 17 ግንቦት – ሃገራዊ መዓልቲ ኖርወይ

Denne teksten finnes på flere språk. Tanken er at teksten skal være et supplement til andre læremidler og andre aktiviteter i opplæringen. Det er altså ikke meningen at disse ressursene skal stå alene, men at de kan brukes i innledning til arbeid med temaet.

Teksten kan, for eksempel, brukes sammen med tospråklig lærer for å aktivere elevenes kunnskaper om temaet, og å bidra til at eleven lærer fagspråk.

መበል 17 ግንቦት ሃገራዊ መዓልቲ ኖርወይ ኢዩ። ንሕና ኖርወይ ብ17 ግንቦት 1814 ናይ ገዛእ ርእሳ ቅዋም ስለደጽደቐት ኢና ንጽምብሎ። ቅድሚ 1814 ንልዕሊ ኣርባዕተ ሚእቲ ዓመታት ድኣክል ኣካል ናይ ደኒማርክ ኢያ ኔራ። ኣብቲ እዋን እቲ ድለዓለ ሓላፊ ድነበረ ንጉስ ደኒማርክ ኢዩ። ኖርወጃውያን ድማ ኣብ ደንማርክ ድተወሰኑ ሕግታት ግድን ክኽተሉ ኔርዎም። ኣብ 1814 ኣብ ኤውሮጳ ብዙሕ ነገር ኢዩ ኣጋጢሙ፣ ኖርወጃውያን ድማ ናታ ሕግታት ደለዋ ናይ ገዛእ ርእሶም ሃገር ክትህልዎም ተስፋ ገበሩ።

እቲ ቅዋም ኣብ ኤይድስቮል ተጻሒፉ

ብ 1814 ናይ ኖርወይ ቅዋም ንኽጽሕፉ 112 ሰብኡት ኣብ ኤይድስቮል ተኣከቡ። ካብ ድተፈላለየ ቦታታት ኖርወይ ኢዮም መጺኦም። እታ ንኹሎም እቶም ሰብኡት ድሓቖፈት ጉጅለ ሃገራዊ ባይቶ ተባህለት፣ ነቲ ቅዋም ንምጽሓፍ ድማ ሽዱሽተ ሰሙናት ወሰደሎም። ብ17 ግንቦት እቲ ቅዋም ተወደአ ንጉስ ክርስትያን ፍረደሪክ ከኣ ፈረመሉ ስለዚ ኢዩ ከኣ እታ መዓልቲ ሃገራዊ መዓልቲ ኖርወይ ተባሂላ ትጽዋዕ።

Maleri av 112 menn samlet på Eidsvoll for å skrive Norges grunnlov.
እዛ ቅብኣ ኤይድስቮል 1814 ኢያ ትበሃል ብ ኦስካር ወርገላንድ ድማ ተቐቢኣ ምንጪ ዊኪፒድያ።

17 ግንቦት መዓልቲ ባንዴራ

ንመብዛሕትኦም ዓበይትን ተማሃሮን 17 ግንቦት ነጻ ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ ኢያ። ወግዓዊ መዓልቲ ባንዴራ ኢዩ፣ እዚ ማለት ከኣ ኩሉ እቲ መንግስቲ ወይ ምምሕዳር ድውንኖ ህንጻታት ግድን ባንዴራ ከንበልብል ኣለዎ። ኣብ 17 ግንቦት ብዙሓት ብውልቂ ባንዴራ ደንበልብሉ’ውን ኣለዉ። ባንዴራ ኖርወይ ብ 1821 ተሰሪሓ። ንሳ ናይ ናጽነት ሕብርታት ኣለዉዋ፣ ቀዪሕ፣ ጻዕዳን ሰማያዊን። እታ መስቀል ኖርወይ ሃገረ ክርስትያን ሙዃና ምልክት ኢያ።.

Norske flagg, rød bakgrunn. blått kors og hvit kant rundt korset

ክዳውንቲ ፌስታ

ኣብቲ ሃገራዊ መዓልቲ በቲ ድበለጸ ክዳውንቲ ማዕሪግካ ምውዓል ልሙድ ኢዩ። ብዙሓት’ውን ቡናድ ወይ ካልእ ናይቲ ሃገራዊ መዓልቲ ክዳን ይገብሩ ኢዮም።
ከም ተወሳኺ ኣብ 17 ግንቦት ኣብ ቤት ትምህርታት፣ መናፈሻታትን ማእከል ከተማን መደረን ካልእ ምድላዋትን ይካየዱ ኢዮም።.

ሰልፊ ህጻናት

ኣብ 17 ግንቦት መዓልቲ ህጻናት’ውን ይበሃል ኢዩ። ቆልዑ ኣብ መላእ ሃገር ሰልፊ ይወጹ፣ ባንዴራ የንበልብሉ፣ ብዓውታ ይጭርሑን ይዝምሩን። ማርሺን ባንድ ሙዚቃ ይጻወቱ። ኣብታ መዓልቲ ብዙሓት ሃገራዊ መዝሙር ድዝምሩ ኣለዉ። «እወ ነፍቅራ»። ግጥሚ ናይዛ ሃገራዊ መዝሙር ብ1859 በቲ ፍሉጥ ገጣማይ ቢዮርንስትየርነ ቢዮንሰን ኢዩ ተጻሒፉ። ኣብ 1863 ከኣ ወዲ ሓወብኡ ሪካርድ ኑርድራክ ነታ ሃገራዊ መዝሙር ሜሎዲ ወይ ዜማ ጽሒፉላ።

ሰልፊ ህጻናት ኣብ ፊት ቤተ ንጉስ ኣብ ኦስሎ። ኣብቲ በራንዳ ደለዉ ስድራቢት ንጉስ ይረኣዩኻ ዶ ኣለዉ?
ሰማያዊ ሩስን ቀይሕ ሩስን።

ኣከባብራ ሩስ

ሩስ ካላኣይ ደረጃ ትምህርቲ ምስወድኡ ኢዮም ድጽምብልዎ። ገለ ካብኣቶም ን13 ዓመት ድኣክል ኣብ ትምህርቲ ኢዮም ጸኒሖም። እቲ ሩስ ደኽብር ናይ ሩስ ክዳውንቲ ኢዩ ድኽደን። ኣብ’ቲ ክዳውንቲ መብዛሕትኡ ግዜ ብቻርኮል ንሓድሕዶም ሰላምታ ይጽሕፉሉ። እቲ ሩስ ደኽብር ኣብ ግንቦት ብዙሕ ፌስታታት ኣለዎ። ብዙሓት ሙዚቃ ዓው ኣቢሎም ወሊዖም ድዝውርወን መኻይን ወይ ኣውቶቡስ ኣለወኦም። ብዙሓት ከኣ ምስ መምሃራኖም ይዋዘዩ ይላገጹ ኣብ 17 ግንቦት ከኣ ኣንጊሆም የበራብርዎም። ኣብ ብዙሕ ቦታታት እቶም ሩስ እንዳሳዕስዑ፣ እንዳዘመሩን መስሓቕ ጽሑፋት እንዳርኣዩን ኣብ ናቶም ሰልፊ ኢዮም ዝኸዱ።

ስድራቤት ንጉስ

ንጉስ ኖርወይ ንጉስ ሃራልድ ይበሃል እታ ንግስቲ ከኣ ሶንያ ትበሃል። እቲ ንጉስ፣ እታ ንግስቲን ኩሎም ስድራቤት ንጉስን ኣብ ነብሲ ወከፍ 17 ግንቦት ኣብ በራንዳ ናይ’ቲ ቤተ ንጉስ ብምውጻእ ንሰልፊ ህጻናት ኣብ ኦስሎ ኢዶም የወዛውዙ (ሰላም ይብሉ)።

ሰልፊ ህጻናት በቲ ካርል ዮሃን ድበሃል ዓቢ ጎደና ኣቢሉ ንላዕሊ ይድይብ። እቲ ሰልፊ ብቕድሚ ቤተ ንጉስ ኣቢሉ ይሓልፍ ኩሎም ህጻናትን መምህራንን ድማ ንስድራቤት ንጉስ ኢዶም ብምውዝዋዝ ሰላም ይብሉ። እቶም ስድራቤት ንጉስ ከኣ መሊሶም ሰላም ይብልዎም። ኣብ ኦስሎ ኣብ ሰልፊ ህጻናት ድሳተፋ ልዕሊ ሚእቲ ቤት ትምህርታት ኣለዋ።

ስድራቤት ንጉስ ንሰልፊ ህጻናት ኣብ ኦስሎ ሰላም ይብሉ። ካብ ጸጋም: ልእልቲ ኢንግሪድ ኣለክሳንድራ፣ ልኡል ስቨረ ማግኑስ። ልእልቲ ዘውዲ መተ ማሪት፣ ልኡል ዘውዲ ሃኮን፣ ንግስቲ ሶንያን ንጉስ ሃራልድን።

Bilder i innlegget er hentet fra:

  • Bilde 1: Maleriet heter Eidsvold 1814 og er malt av Oscar Wergeland. Kilde: Wikipedia.
  • Bilde 2: Norges flagg.Vegard Ottervik,Pixabay
  • Bilde 3: Barnetoget i Oslo foran slottet.Morten Johnsen, Wikipedia.
  • Bilde 4: Russetog, Dmitry Valberg, Flicr. CC BY-NC-ND 2.0
  • Bilde 5: Kongefamilien på balkongen på slottet. Shutterstock.