ኣብ ቁሪ ሓጋይ ቆልዑ ክደኖም

ቆልዑ መታን ብምቖትን ድሩቕን ክተሓዙ ብሰለሰተ ክፋላት ክዳውንቲ ምኽዳን ድበለጸ ኢዩ። ነብሲ ወከፍ ክፋል ካብ’ቲ ውሽጣዊ ክሳብ’ቲ ግዳማዊ ውሱን ስራሕ ኣለዎ። እዞም ሰለስተ ክፋላት ብሓባር ከኣ ንኣካላት ብደረቕ ይሕዝዎ ፣ ይሽፍንዎን ካብ ንፋስን ወርጪን ይከላኸልሉን።

Illustrasjon av ei jente med ullundertøy

ውሽጣዊ ክፋል

እቲ ውሽጣዊ ክፋል ኣካላት ብደይጠሊ/ድሩቕ ንኽዕቀብ ኣስተዋጽኦ ይገብር።

ረቂቕን ብቐጥታ ናብ ቆርበት ጥብቕ ድብልን ጡጥ ናይ ውሽጢ ክዳን ወይ ሱፐር ኣንደርቶይ (ብሉጽ ክዳን ውሽጢ) ተጠቐም። ጡጥ ብዙሕ ጠሊ ካብ ቆርበት ስሒቡ የርሕቖን ዋላ ጠልቅዩ ከሎ ድማ የከላኸሎን። ሱፐር ኣንደርቶይ (ብሉጽ ክዳን ውሽጢ) ካብ ጡጥ ናይ ውሽጢ ክዳን ንላዕሊ ጠሊ ስሒቡ የርሕቕ እንተድኣ ጠልቅዩ ግን ኣይከላኸልን ኢዩ። ቡም ኡል ብውሽጢ ምጥቃም ኣወግድ ምኽንያቱ ምስጠልቀየ ሙቐት ናይ ምዕቃብ ክእለቱ ስለደጥፍእ።

Illustrasjon av ei jente med ullegenser og bukse

ማእከላይ ክፋል

እዚ ማእከላይ ክፋል ቅድም ቀዳድም ቁሪ ኢዩ ድከላኸል።

እቲ ኣብ መንጎ ውሽጣዊን ግዳማዊን ክፋላት ድርከብ ኣየር ኢዩ ነቲ ሙቐት ድዕቅቦ። ስለዚ እቶም ኣብ ማእከላይ ክፋል ድኾኑ ክዳውንቲ ካብ ኣካላት ቁሩብ ዝልቕ ድበሉ ኣዝዮም ዓበይቲ ክኾኑ ማለት ግን ኣይኮነን። ጡጥ ወይ ከኣ ፍሊስ ተመራጺ ኢዩ። ርጉዲ ንመጠን ናይ’ቲ ደሎ ዋዒ ድሰማማዕ ግበር።

ኣእጋር መታን ምዉቕን ድሩቕን/ጠሊ ደይብሉን ክኸውን ናይ ጡጥ ካልሲ ተጠቐም።

illustrasjoon som viser jente i en gul vinter dress med blå lue og blåe votter. Hun har også på brune vintersko

እቲ ግዳማዊ ክፋል ንንፋስ ፣ ዝናብን ወርጪን ይከላኸል።

ካብ ምሉእ ኮምብላስዮነን ወይ ስረን ጃኬትን ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። እቲ ግዳማዊ ስረ ወይ ኮምብላስዮነ ንላዕሊ ምስብሳብ ከወግድን ከምኡውን ማይን ወርጪን ዘሪቑ ናብ ሳእኒ ከይኣቱ ድዓጹን ምስ ሳእኒ ብታሕቲ ድእሰር ገመድ ክህልዎ ይግባእ።

ሓደ ጽቡቕ ሙቐት ድዕቅብ ናይ ጎልፎ ቆቢዕ ምሉእ ኣካላት ንኽመውቕ ኣገዳሲ ኢዩ ምኽንያቱ ብዙሕ ሙቐት ብርእሲ ኣቢሉ ስለወጽእ። እቲ ጎልፎ ቆቢዕ ኣእዛን ፣ ገንበርን ምዕጉርትን ከምድሽፍን ኣረጋግጽ። ክሳድ ንምክልኻል ድማ ሻርባ ወይ ናይ ክሳድ ሃልስ ተጠቐም። ምዉቕን ማይ ደየሕልፍን ጓንቲ ተጠቐም ፣ ማይን ወርጪን ከይኣትዎ ድማ ጽቡቕ ከምደሎ ተኸታተል። ቆልዑ እግሮም መታን ክሞቑ ብዓባይ ዓባይቶ እግሮም ክንቀሳቐሱ ክኽእሉ ኣለዎም። ስለዚ እቲ ሳእኒ እንከላይ ንረጒድ ናይ ጡጥ ካልሲ ድኸውን እኹል ቦታ ክህልዎ ኣገዳሲ ኢዩ።

ዘክር

  • ይነፍስ እንተሃልዩ ዝያዳ ቁሪ ኢዩ ድስመዓካ።
  • ህጻናት ካብ ዓበይቲ ዝያዳ ብቐሊሉ ይቖሩ።
  • ኣብ ታሕቲ/ምድሪ መጠን ዋዒ ድተሓተ ኢዩ።
  • ነቲ ቆልዓ ተኸታተሎ ምቹእ ሙቐት ከምደለዎ ከኣ ኣብ ክሳዱ ዳህሲስካ ኣረጋግጽ።

Denne siden er også utskriftsvennlig. Trykk på “skriv ut” knappen øverst i innlegget.

Les mer om klær og påkledning i vinterkulda på flere språk her

ቆልዑ መታን ምብቖትን ድሩቕን ክተሓዙ ብሰለሰተ ክፋላት ክዳውንቲ ምኽዳን ድበለጸ ኢዩ። ነብሲ ወከፍ ክፋል ካብ’ቲ ውሽጣዊ ክሳብ’ቲ ግዳማዊ ውሱን ስራሕ ኣለዎ። እዞም ሰለስተ ክፋላት ብሓባር ከኣ ንኣካላት ብደረቕ ይሕዝዎ ፣ ይሽፍንዎን ካብ ንፋስን ወርጪን ይከላኸልሉን።

Illustrasjon av ei jente med ullundertøy

እቲ ውሽጣዊ ክፋል ኣካላት ብደይጠሊ/ድሩቕ ንኽዕቀብ ኣስተዋጽኦ ይገብር።

ረቂቕን ብቐጥታ ናብ ቆርበት ጥብቕ ድብልን ጡጥ ናይ ውሽጢ ክዳን ወይ ሱፐር ኣንደርቶይ (ብሉጽ ክዳን ውሽጢ) ተጠቐም። ጡጥ ብዙሕ ጠሊ ካብ ቆርበት ስሒቡ የርሕቖን ዋላ ጠልቅዩ ከሎ ድማ የከላኸሎን። ሱፐር ኣንደርቶይ (ብሉጽ ክዳን ውሽጢ) ካብ ጡጥ ናይ ውሽጢ ክዳን ንላዕሊ ጠሊ ስሒቡ የርሕቕ እንተድኣ ጠልቅዩ ግን ኣይከላኸልን ኢዩ። ቡም ኡል ብውሽጢ ምጥቃም ኣወግድ ምኽንያቱ ምስጠልቀየ ሙቐት ናይ ምዕቃብ ክእለቱ ስለደጥፍእ።

Illustrasjon av ei jente med ullegenser og bukse

እዚ ማእከላይ ክፋል ቅድም ቀዳድም ቁሪ ኢዩ ድከላኸል።

እቲ ኣብ መንጎ ውሽጣዊን ግዳማዊን ክፋላት ድርከብ ኣየር ኢዩ ነቲ ሙቐት ድዕቅቦ። ስለዚ እቶም ኣብ ማእከላይ ክፋል ድኾኑ ክዳውንቲ ካብ ኣካላት ቁሩብ ዝልቕ ድበሉ ኣዝዮም ዓበይቲ ክኾኑ ማለት ግን ኣይኮነን። ጡጥ ወይ ከኣ ፍሊስ ተመራጺ ኢዩ። ርጉዲ ንመጠን ናይ’ቲ ደሎ ዋዒ ድሰማማዕ ግበር።

ኣእጋር መታን ምዉቕን ድሩቕን/ጠሊ ደይብሉን ክኸውን ናኣይ ጡጥ ካልሲ ተጠቐም።

illustrasjoon som viser jente i en gul vinter dress med blå lue og blåe votter. Hun har også på brune vintersko

እቲ ግዳማዊ ክፋል ንንፋስ ፣ ዝናብን ወርጪን ይከላኸል።

ካብ ምሉእ ኮምብላስዮነን ወይ ስረን ጃኬትን ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። እቲ ግዳማዊ ስረ ወይ ኮምብላስዮነ ንላዕሊ ምስብሳብ ከወግድን ከምኡውን ማይን ወርጪን ዘሪቑ ናብ ሳእኒ ከይኣቱ ድዓጹን ምስ ሳእኒ ብታሕቲ ድእሰር ገመድ ክህልዎ ይግባእ።

ሓደ ጽቡቕ ሙቐት ድዕቅብ ናይ ጎልፎ ቆቢዕ ምሉእ ኣካላት ንኽመውቕ ኣገዳሲ ኢዩ ምኽንያቱ ብዙሕ ሙቐት ብርእሲ ኣቢሉ ስለዝወጽእ። እቲ ጎልፎ ቆቢዕ ኣእዛን ፣ ገንበርን ምዕጉርትን ከምድሽፍን ኣረጋግጽ። ክሳድ ንምክልኻል ድማ ሻርባ ወይ ናይ ክሳድ ሃልስ ተጠቐም። ምዉቕን ማይ ደየሕልፍን ጓንቲ ተጠቐም ፣ ማይን ወርጪን ከይኣትዎ ድማ ጽቡቕ ከምደሎ ተኸታተል። ቆልዑ እግሮም መታን ክሞቑ ብዓባይ ዓባይቶ እግሮም ክንቀሳቐሱ ክኽእሉ ኣለዎም። ስለዚ እቲ ሳእኒ እንከላይ ንረጒድ ናይ ጡጥ ካልሲ ድኸውን እኹል ቦታ ክህልዎ ኣገዳሲ ኢዩ።

ዘክር

  • ይነፍስ እንተሃልዩ ዝያዳ ቁሪ ኢዩ ድስመዓካ።
  • ህጻናት ካብ ዓበይቲ ዝያዳ ብቐሊሉ ይቖሩ።
  • ኣብ ታሕቲ/ምድሪ መጠን ዋዒ ድተሓተ ኢዩ።
  • ነቲ ቆልዓ ተኸታተሎ ምቹእ ሙቐት ከምደለዎ ከኣ ኣብ ክሳዱ ዳህሲስካ ኣረጋግጽ።

Les mer om klær og påkledning på flere språk ved å scanne QR-koden

morsmal.no

Vil du ha en brosjyre om vinterklær på mange språk?