Økosystem // ስነ-ከባቢ

Denne teksten om økosystem finnes på flere språk. Tanken er at teksten skal være et supplement til andre læremidler og andre aktiviteter i opplæringen. Det er altså ikke meningen at disse ressursene skal stå alene, men at de kan brukes i innledning til arbeid med temaet.

Teksten kan, for eksempel, brukes sammen med tospråklig lærer for å aktivere elevenes kunnskaper om temaet, og å bidra til at eleven lærer fagspråk.

Scroll nedover for å finne flere ressurser


ኢኮሲስተም ወይ ስነ-ከባቢ ማለት ኣብ መንጎ ሂወታውያንን እቲ ድነብርሉ ስፍራን ደሎ ምትእስሳር ኢዩ። ኣብ ምድሪ ብዙሓት ድተፈላለዩ ዓይነት ኢኮሲስተማት ይርከቡ። እቲ ዓቐን ናይ’ቶም ኢኮሲስተማት ይፈላለ ኢዩ። ገሊኦም ኢኮስይስተማት ንኣሽቱ ኢዮም ንኣብነት ራህያ ወይ ሓጽቢ። ካለኦት ኢኮሲስተማት ድማ ዓበይቲ ኢዮም ከም ንኣብነት ዓዘቕቲ ፣ ምድረበዳ ፣ ቀላይ ፣ ባሕሪን ዱር ወይ ጫካን


ኣባዮቲክ (ደይሂወታውያን) ረቛሕቲ

ኣብ ሓደ ኢኮሲስተም እቶም ሂወት ደይብሎም ጸለውቲ ባእታታት ኣባዮቲክ ረቛሕቲ ይበሃሉ። ኣብነታት ናይ ኣባዮቲክ ረቛሕቲ ኩነታት ኣየርን ክሊማን ፣ ሓመድ ፣ ናይ ጸሓይ ብርሃን ፣ ትሕዝቶ ጨውን ካለኦት ኣብ’ቲ ስፍራ ድርከቡ ከሚካላዊ ባእታታትን የጠቓልል።

ባዮቲክ (ሂወታዊያን) ረቛሕቲ


እቶም ኣብ ተፈጥሮ ድርከቡ ሂወታውያን ድማ ባዮቲክ ረቛሕቲ ይበሃሉ።ቭ እንስሳ ፣ ኣትክልቲ ፣ ለመምቲ ወይ ሓሸራ ከምኡ’ውን ደቀቕቲ ሂወታውያን ኣብነታት ናይ ባዮቲክ ረቛሕቲ ኢዮም። ኣዚኣቶም ኣብ ክልቲኦም ባዮቲክን ኣባዮቲክን ረቛሕቲ ናይ’ቲ ኢኮሲስተም ድተመርኮሱ ኢዮም።


ሂወታውያን ኣብ ንሓድሕዶም ድተመርኮሱ ኢዮም

ኣብ ሓደ ኢኮሲስተም እቶም ሂወታውያን ንኽነብሩን ክባዝሑን ኣብ ክልቲኡ ኣብ ንሓድሕዶምን ኣብ’ቶም ደይሂወታውያን (ኣባዮቲክ) ረቛሕቲን ድተመርኮሱ ኢዮም። ኣትክልቲ ፣ ድሞተ ሂወታዊ ባእታ ቦኽቢኹ እንደገና ናብ ሓመድ ንኽልወጥ ኣብ ፋንጋይን (ቃንጥሻ) ባክተርያን ይምርኮሱ። ኣትክልቲ ንኽዓብዩ ካብ ሓመድ ወይ ምድሪ መግቢ የድልዮም ኢዩ። ገለ ገለ እንስሳታት ድማ ንኽነብሩ ኣትክልቲ ክምገቡ ኣለዎም። ገሊኦም እንስሳታ’ውን  መግቢ ንምርካብ ንኻለኦት እንስሳታት ኣብ ምብላዕ ይምርኮሱ። ፋንጋይ ወይ ቃንጥሻን ባክተርያን ድማ መግቦም ካብ ድሞቱ እንስሳታትን ኣትክልትን ይረኽቡ። 

ኣፍረይቲ

ገሊኦም ሂወታውያን ካብ’ቲ ሂወት ደይብሉ ንጥረ ነገር ሂወት ደለዎ ንጥረ ነገር ከፍርዩ ይኽእሉ። እዚኦም ኣፍረይቲ ተባሂሎም ይጽውዑ። እዞም ኣፍረይቲ ብመልክዕ ፎቶሲንተሲስ መግቢ የዳልዉ ማለትዩ። ኣትክልቲን ቀጠልያ ሰበባን ኣብ ሓደ ኢኮሲስተም ኣፍረይቲ ኢዮም። እዞም ኣፍረይቲ ኩሉ ደልድዮም መግቢ ባዕሎም ከዳልዉ ይኽእሉ።

Kløvereng
ቀጠልያ ኣትክልቲ ኣፍረይቲ ኢዮም

ተጠቀምቲ

እንስሳታት ናይ ገዛእ ርእሶም መግቢ ከዳልዉ ኣይክእሉን ኢዮም። ስለዚ መግቢ ንምርካብ ንኣትክልትን ወይ ካለኦት እንስሳታትን ኣብ ምብላዕ ይምርኮሱ። ተወሳኺ ቃል ናይ ምብላዕ ምጥቃም ወይ ምህላኽ ኢዩ። ስለዚ ኢና ተጠቀምቲ ንብሎም። ምህላኽ ማለት ሓደ ዓይነት ከም ምጥቃም ማለት ኢዩ። ስለዚ ኢና ከኣ ነዞም እንስሳታት ኣህለኽቲ ኢልና’ውን ንጽውዖም።

En snegle spiser et blad
ኣረነ ካብ ተጠቀምቲ ኢዩ

ሰባበርቲ (ኣመሽመሽቲ)

ኣመሽመሽቲ እቶም ንድሞተ ኣትክልቲን እንስሳታትን እንዳተመገቡ ድነብሩ ሂወታውያን ኢዮም። ባክተርያን ቃንጥሻን ኣብነታት ናይ ኣመሽመሽቲ ኢዮም። እዞም ኣመሽመሽቲ ኣብ ሓደ ኢኮሲስተም ኣገደስቲ ኢዮም። ኣብዚ መስርሕ እዚ እቶም መእዛታት መግቢ ካብቲ ድሞተ ሂወታዊ ይወጹ። እዚ ከኣ ንሓደሽቲ ቡቕሊታት ብመግቢ ድሃብተመ ሓመድ ይቕርብ።

Bilde av en sopp i skogen
ቃንጥሻ ካብ ኣመሽመሽቲ ኢዩ

Alle bilder er hentet fra AdobeStock