FNs bærekraftsmål
Ressursen er utviklet i samarbeid med FN-sambandet.
ምጽራግ ድኽነት

ኣዝዮም ብዙሓት ሰባት ኣብ ጥርዚ ድኽነት ይነብሩ ኣለዉ። ኣንጻር ድኽነት ንምቅላስ ኩሉ ሰብ ማዕረ ዕድል ትምህርቲ ፣ ስራሕን ሓገዝ ጥዕናን ክህልዎ ይግባእ። ኣብ ርእሲኡ ድማ ኣብ መንጎ ሃብታማትን ድኻታትን ደሎ ፍልልይ ትሑት ክኸውን ኣለዎ – እቲ ገንዘብ ኣብ ክልቲኡ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ መንጎ ሃገራትን ብድሓሸ ክንካፈሎ ይግባእ።
ዋላሓደ ኣይክጠምይን ኢዩ

ብዙሓት ህዝብታት ብዓጸቦ ይጥቅዑ ኢዮም ኣብ ነብሲ ወከፍ ዓመት ድማ እናበዘሐ እናበዘሐ ይኸይድ። ፍርቆም ካብ’ቶም ድሞቱ ህጻናት ብምኽንያት ዋሕዲ መግቢ ወይ ደይሰማምዖም መግቢ ብምብላዕ ኢዮም ድሞቱ። ስለዚ ኩሉ ሰብ እቲ ደድልዮ መግቢ ንኽረክብ ከነረጋግጽ ኣለና።
ምሉእ ጥዕና ንኹሉ

ሎሚ ጥዕና ደቂ ሰባት ኣብ ምሉእ ዓለም ብቐጻሊ ይመሓየሸ ኣሎ። ብዙሓት ክታበት ይረኽቡ ኣለዉ ፣ ሰባት ከኣ ካብ ቅድም ድነወሐ ዕድመ ይነብሩ ኣለዉ። ነቲ ምሉእ ጥዕና ንኹሉ ድብል ዕላማ ንምብጻሕ እምበኣር ኩሉ ሰብ እቲ ድግበኦ ሓገዝ ጥዕናን እቲ ደድልዮ መድሃኒታትን ክረክብ ኣለዎ።
ኩሉ ኣብ ትምህርቲ ጽቡቕ መስርሕ ምስትምሃር ክረክብ ኣለዎ

ጽቡቕ ዕድል ኮይኑ ካብ ቅድም ኣብዚ እዋን እዚ ብዙሓት ቆልዑ ዕድል ትምህርቲ ይረኽቡ ኣለዉ። ይኹን’ምበር ጌና ከንብቡን ክጽሕፉን ደይክእሉ ኣዝዮም ብዙሓት ቆልዑ ኣለዉ። ስለዚ ኩለን ሃገራት ዓለም ኩሎም ህጻናት ጽቡቕን ነጻን ናይ ትምህርቲ ዕድል ንኽረኽቡ ክሰርሓን ጻዕረን ክቕጽላን ይግባእ።
ኣዋልድን ኣወዳትን ማዕረ ዕድል ጽቡቕ ሂወት ክህልዎም ኢዩ

መሰል ደቅሰባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዓለም ንኹሎም ህዝብታት ይምልከት። ይኹን’ምበር ኣብ ዓለም ሎሚ ዝያዳ ደቂ ተባዕትዮ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ድኽነት ይርከባ። ከምኡ’ውን ደቂ ተባዕትዮ ካብ ደቂ ኣንስትዮ ንላዕሊ ድበዝሐ ዕድል ትምህርቲ ይረኽቡ። ዕላማ ማዕርነት ንምህራም ፣ ክልቲኦም ኣወዳትን ኣዋልድን ማዕረ ዕድል ትምህርቲ ፣ ሓገዝ ጥዕናን ደሞዝ ደለዎ ስራሕን ክረኽቡ ይግባእ።
ኩሉ ጽሩይ ድስተ ማይን ውሑስ ዓይኒ ምድርን ክህልዎ ኢዩ

ኣብ’ዛ ፕላኔት እኹል ጽሩይ ማይ ኣሎ ፣ ግን ኩሉ ሰብ ኣይኮነን ጽሩይ ድስተ ማይ ድረክብ። ኣብ ነብሲ ወከፍ ዓመት ሚልዮናት ሰባት ብሕማም ይሞቱ ምኽንያቱ ጽሩይ ማይን ዓይኒ ምድሪን ስለደይብሎም። ስለዚ ኣብ’ቲ ዘድሊ ጽሩይ ማይን ቱቦታት ረሳሕ ማይን ክንሃንጽ ይግበኣና።
ኩሉ ንኣየርን ከባብን ደይጎድእ ሓይሊ ኤለክትሪክ ክጥቀም ኢዩ

ንሕና ደቂሰባት ንከም ብርሃን ፣ ሙቐትን መስርሒ መግብን ጸዓት የድልየና ኢዩ። ኣብ’ዚ ግዜ ብዙሕ ክፋል ናይ ሕብረተሰብ ዓለም ንመስርሒ መግቢ በካሊ ድኾነ ጽዓት ይጥቀም ኣሎ ፣ንሓደገኛ ብከላ ኣየር ከኣ ይቃላዕ ኣሎ። ማይ ፣ ንፋስን ጸሓይን ተሓደስቲ ምንጭታት ጸዓት ኢዮም ነቲ ዘላቒ ዕቤት ድብል ዕላማ ንምውቃዕ ድማ ኣስተዋጽኦ ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም።
ኩሉ ውሑስ ስራሕ ክህልዎን እኹል ክምእርርን ይግባእ

ብዙሓት ሰባት ኣብ ንድሕነትን መሰልን ሰራሕተኛ ሓልዮት ደይብሉን ናይ ስራሕ ቦታ ይሰርሑ ኣለዉ። ህጻናት ንናይ ትሕቲ ዕድመ ስራሕን ግዱድ ስራሕን ተቓሊዖም ኣለዉ። ንድኽነት ንምጽራግን ኣብ ዓለም ደሉ ደይምዕሩይነት ንምቅላስን ፣ ኩሉ ሰብ ውሑስን ፍትሓውን ስራሕ ክህልዎ ይግባእ።
ሓደስቲ ነገራት ክንምህዝን ጽቡቕ ስርዓት ክንሃንጽን ይግበኣና

ሓደ ሕብረተሰብ ብግቡእ መታን ክዓዪ ጽፉፍ ስርዓተ ተሽከርከርቲ ፣ መዓርፎ ነፈርቲ ፣ መንገዲ ባቡር ፣ ሻምብቆታት ማይ ፣ ሻምብቆ ረሳሕ ማይ ፣ መሳለጥያ ጉሓፍ ፣ ጸዓትን መርበብ ኢንተርነትን ክህልውዎ ኣገዳሲ ኢዩ። ነዚ ዕላማ ንምውቃዕ ድማ ኩለን ሃገራት ደለወን ሃብትን ትካላትን ብድበለጸ ብኸመይ ከምድጥቀማሉ ክንርኢ ይግባእና።
ኣብ መንጎ ሃብታማትን ድኻታትን ውሑድ ፍልልይ ክህሉ ይግባእ

ሎሚ ካብ ቀደም ንላዕሊ ኣብ መንጎ ሃብታማትን ድኻታትን ዓቢ ፍልልይ ኣሎ። ኣብ ክልቲኡ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሃገርን ኣብ መንጎ ሃገራትን ዓቢ ደይምዕሩይነት ኣሎ። ነዚ ውሑድ ደይምዕሩይነት ድብል ዕላማ ንምውቃዕ ኩሉ ማዕረ ዕድል ናይ ትምህርትን ሓገዝ ጥዕናን ክህልዎ ይግባእ። ከም ተወሳኺ’ውን እቲ ሃብቲ ብፍትሓዊ መንገዲ ክመቓራሕ ኣለዎ።
ከተማታት ዓለም ንኽልቲኡ ንደቂሰባትን መሬትን ክከናኸኑ ይግባእ

ልዕሊ ፍርቂ ካብ ህዝቢ ዓለም ኣብ ከተማታት ይነብር። ብዙሓት ከተማታት ከኣ ንኹሉ ድኣክል ስራሕን መንበሪ ገዛን ክሳብ ድሰኣን ቀልጢፈን ይዓብያ። ንድሌታት ነበርቲ ድከናኸን ከምኡ’ውን ክሊማ ደይጎድእን ዘላቒ ከተማታት ክንሃንጽ ይግበኣና።
ካብ’ቲ ደድልየና ንላዕሊ ክንሰርሕን ክንጥቀምን ኣይግባኣናን

ሎሚ ንሕና ኣዝዩ እዛ ምድሪ ካብ ትጻወሮ ንላዕሊ ኢና ነህልኽ። ሓደ ሲሶ ካብ’ቲ ድሰራሕናዮ መግቢ ንጉሕፎ። ሕጂን ንመጻእን ብጽቡቕ ክንነብር መታን ክንክእል ፣ ቅዲ ኣነባብራ ክንቅይርን ውሑድ ከነህልኽን ኣለና። ኩሎም ነብሲ ወከፍ ሰብን ትካላትን ውሑድ ከህልኽን ንክሊማ ክከናኸንን ከኣ ኣድላዪ ኢዩ።
ለውጢ ክሊማ ደው ንምባል ኩለን ሃገራት ብሓባር ክሰርሓ ኣለወን

ኣገባብ ኣነባብራ ናትና ናይ ደቅሰባት ንክሊማ የበላሽዎ ኣሎ። ኩነታት ኣየር እናወዓየ ይኸይድ ኣሎ ፣ ዋልታታት ምድሪ ይመክኽ ኣሎ ፣ ጽፍሒ ባሕሪ ይብርኽ ከምኡ’ውን ባህርያዊ ሓደጋታትን ደይንቡር ኩነታት ኣየርን ልሙድ እናኾነ መጽዩ። እቶም ዝያዳ በዚ ድጥቅዑ እተን ዝደኸያ ሃገራት ኢየን። ኩለን ሃገራት ውሑድ መጠን ክሊማዊ ጋዛት ንምትፋእ ብሓባር ክሰርሓ ኣለወን። ኣብ ርእሲኡ ድማ ነተን ብለውጢ ክሊማ ድተጎድኣ ሃገራት ክንሕግዘን ኣለና።
ትሕተ ማያዊ ሂወት ብጽቡቕ ኣገባብ ክተሓዝ ኣለዎ

ምድራዊ ሂወት ኣብ ባሕሪ ድተመርኮሰ ኢዩ። ዋዒ ፣ ውቅያኖሳዊ ማዕበላትን ኣብ ባሕሪ ደሎ ሂወትን ነዓና ንደቂሰባት ኣብ መሬት ክንነብር ከምንኽእል ይገብሩ። ስለዚ ማያዊ ሂወት ኣብ ክንዲ ኣብኡ ምጉሓፍን ንዕኡ ምብካልን ክንከላኸለሉ ይግበኣና።
ምድራዊ ሂወት ብጽቡቕ ኣገባብ ክተሓዝ ኣለዎ

ዓቢ ክፋል ካብ ጽፍሒ መሬት ኣግራብ ወይ ጣሻ ኢዩ። እቲ ኣግራብ መንበሪ ገዛ ናይ ብዙሓት እንስሳታትን ምንጪ መግቢ ናይ ክልቲኦም ንእንስሳታትን ደቅሰባትን ኢዩ። ነዚ ናይ ምድሪ ሂወት ንምዕቃብ ፣ ንቅናትምድራዊ ኣግራብ ምክንኻን ፣ ተወሰኽቲ ኣግራብ ምትካልን ምስፍሕፋሕ ምድረበዳነት ኣብ መሬት ምክልኻልን ክንገብር ይግበኣና። በተወሳኺ ድማ ሓደጋ ምጽናት ደንጸላልዎም ደሎ ዓሌታት ኣዝርእቲ ክንከናኸኖምን ክንከላኸለሎምን ኣለና።
ኣብ ምሉእ ዓለም ሰላምን ፍትሓውነትን ክህሉ ኣለዎ

ብዘይ ሰላምን ፍትሕን ዘላቒ ዕቤት ምፍጣር ኣይከኣልን ኢዩ። ሎሚ ካብ ቀደም ብድበዝሐ ደቅሰባት ይስደዱ ኣለዉ። ነዚ ሰላምን ፍትሓውነትን ድብል ዕላማ ንምውቃዕ ፣ እዛ ዓለም ንኹሉ ድሓቁፍ ድከናኸን ሰላማዊ ሕብረተሰብ ክትፈጥር ኣለዋ።
ሃብታማትን ድኻታትን ሃገራት ክተሓባበራ ኣለወን

ኩለን ሃገራት ዘላቒ ዕቤት ከመዝግባ መታን ክኽእላ ፣ ምትሕብባር ኣገዳሲ ኢዩ። ሰብ መዚ ፣ ትካላትን ኩሎም ነበርትን ኣብ ውሽጢ ሃገሮምን ምስ ካልኦት ሃገራትን ክተሓባበሩ ኣለዎም። ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንጹር ዕላማ ደለዎ ከምዚ ዓይነት ጻዕሪ ውጽኢታዊ ኢዩ ኢሉ ይኣምን።
