Rettsstaten // ልዕልና ሕጊ

Denne teksten om Rettsstaten finnes på flere språk. Teksten er hentet fra Zmekk.no og oversatt til flere språk av morsmål.no eter avtale med Bergen kommune. Tanken er at teksten skal være et supplement til andre læremidler og andre aktiviteter i opplæringen. Det er altså ikke meningen at disse ressursene skal stå alene, men at de kan brukes i innledning til arbeid med temaet.

Teksten kan, for eksempel, brukes sammen med tospråklig lærer for å aktivere elevenes kunnskaper om temaet, og å bidra til at eleven lærer fagspråk.

Scroll nedover for å finne flere ressurser.

Zmekk.no

Lyd1

ኩለን ሃገራት ኩሉ ሰብ ድኽተሎ ሕግታትን መምርሒታትን ኣለወን። ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ግን እቲ መምርሒ ንኹሎም ነቶም ኣብኡ ድነብሩ ብማዕረ ኣይምልከትን ኢዩ። ኣብ’ዚ ገሊኦም ብደይ ገለ ምኽንያት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክኣትዉ ከለዉ ገሊኦም ድማ ብደይ ገለ መቕጻዕቲ ሕግታት ይጥሕሱ።

ኣብ ኖርወይ ከምዚ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ድማ ኖርወይ ልዕልና ሕጊ እተኽብር ሃገር ስለድኾነት ኢዩ። እዚ ማለት ኩሎም ነቲ ሓደ ዓይነት ሕጊ ክኽተልዎ ኣለዎም፣ እተን ኣብያተ ፍርዲ ድማ ነቶም ሕጊ ድጠሓሱ መቕጻዕቲ ከምድረኽቡ ይገብራ።

En lesetest om hva en rettsstat er. Teksten er oversatt med tillatelse fra zmekk.no
እተን ኣብያተ ፍርዲ ነቶም ሕጊ ድጠሓሱ መቕጻዕቲ ከምድረኽቡ ይገብራ።

lyd2

ኣብ ሓንቲ ልዕልና ሕጊ ደይክበረላ ሃገር ነቲ ሕጊ ብማዕረ ኣገባብ ኣይክተልዎን ኢዮም። ኣብኡ ንኣብነት ሃብታማት ወይ ስልጣን ደለዎም ሰባት ንፖሊስ ወይ ፈራዳይ ጉቦ ብምኽፋል ካብ መቕጻዕቲ ከምልጡ ይኽእሉ።

ገሊኦም ልዕሊ’ቲ ፍቑድ ደረት ፍጥነት ክዝውሩ እንተተታሒዞም እሞ ፖሊስ ደው እንተኣቢልዎም፣ እቲ ጉዳይ መታን ናብ ቤት ፍርዲ ከይሓልፍ ነቲ ፖሊስ ክኸፍልዎ ይኽእሉ። እዚ ከኣ ጉቦ ምሃብ ይብሃል። ወይ’ውን ነቲ ነቲ ጉዳይ ሒዝዎ ደሎ ፈራዲ ድፈልጥዎ ይኾኑ እሞ ብኡ መጠን ፍኹስ ድበለ መቕጻዕቲ ይወሃቡ።

ሓደ መራሒ መኪና ንሓደ ወሃቢ ኣገልግሎት ፖሊስ ጉቦ ክህቦ ይፍትን።

Lyd3

ኣብ ሓንቲ ልዕልና ሕጊ ደይክበረላ ሃገር ፖሊስ’ውን ንሰባት ሕጊ ከይጠሓሱ ከለዉ ኣብ ቤት ማሕቡስ ከእትውዎም ይኽእሉ። እዚ እቲ ሰብ ፍልይ ድበለ ፖሊቲካዊ ኣረኣእያ ምስድህልዎ ወይ ካብቶም ኣብ ስልጣን ደለዉ ድተፈልየ ሃይማኖት ምስ ድህልዎ ከጋጥም ይኽእል።

ብደይምኽንያት ኣብ ቤት ማሕቡስ ድተዳጎነት።

Lyd4

ኣብ ኖርወይ ከምዚ ኣይኮነን። ኣብ’ዚ ድኾነ ሰብ ሕጊ ብምጥሓሱ ገበነኛ ኮይኑ እንተድኣተረኺቡ ኩሉ ፍትሓዊ ፍርዲ ይረክብ፣ ፖሊስ ከኣ ክሳብ ክንደይ ገንዘብ ወይ ስልጣን ኣለዎም ብደየገድስ እቲ ሕጊ ንኹሉ ብማዕረ ከምድምልከት የረጋግጹ።

እንተደኣ ቀዳማይ ሚንስተር ኖርወይ ካብ ግቡእ ፍጥነት ንላዕሊ መኪና ዘዊሩ፣ ልክዕ ከም ኩሎም እቶም ካለኦት ብማዕረ ኣገባብ ይቕጻዕ ወይ ትቕጻዕ። ኣብ ሓንቲ ልዕልና ሕጊ ደለዋ ሃገር ምንባር ማለት እምበኣር ከምኡ ኢዩ።

እቲ ሕጊ ንኹሉ ማዕረ ኢዩ።


ዕዮታት

  1. ኣብ ሓደ ጨቋኒ መንግስቲ ምንባር ስለምንታይ ኢዩ ደይውሑስ ክኸውን ድኽእል?
  2. ካብቲ ንስኻ ድመጻእካሉ ዓዲ ህዝቢ ምስ ፖሊስ እንታይ ዓይነት ርክብ ኣለዎ?

መዝገበ ቃላት

Rettsstat – ልዕልና ሕጊ – ንኹሉ ብማዕረ ድምልከቶ ሕጊ ደለዋ ሃገር።
Rettssak – ጉዳይ – ኣብ ቤት ፍርዲ ብፈራዶ ውሳነ ድተዋህቦ ደይምስምማዕ።
Politistat – ጨቋኒ – ሓለፍትን ፖላይስን ንዝደለይዎ ክኣስርላን ክቐጽዑላን ድኽእሉ ሃገር።
Bestikkelse – ጉቦ – ንኽሕግዙኻ ኢልካ ንሓደ ሰራሕተኛ መንግስቲ ድወሃብ ደይሕጋዊ ክፍሊት።

Tekst og bilder er oversatt og publisert etter avtale med Zmekk.no