ፍርድን መቕጻዕትን

Denne teksten om dom og straff partier finnes på flere språk. Teksten er hentet fra Zmekk.no og oversatt til flere språk av morsmål.no etter avtale med Bergen kommune. Tanken er at teksten skal være et supplement til andre læremidler og andre aktiviteter i opplæringen. Det er altså ikke meningen at disse ressursene skal stå alene, men at de kan brukes i innledning til arbeid med temaet.

Teksten kan, for eksempel, brukes sammen med tospråklig lærer for å aktivere elevenes kunnskaper om temaet, og å bidra til at eleven lærer fagspråk.

Scroll nedover for å finne flere ressurser.

ሓደ ንግሆ ኤሪክ ገለ ሰባት መኪንኡ ከምድሰረቕዋ ፈለጠ :: እቲ ሰራቒ ዮናስ ከምድኾነ ድማ ሓበሬታ ረኸበ::

እንድሕር ገለ ሰባት ሕጊ ጥሒሶም ፣ ነቲ ጉዳይ ናይ ምምርማር ስራሕ ናይ ፖሊስ ኢዩ። እዚ ማለት ከኣ ፣ እንታይ ከም ዘጋጠመ ክፈልጡ ይፍትኑ። ምስ ነቲ ጉዳይ ዝረኣዩን ዝሰምዑን ሰባት ከኣ ይዘራረቡ ከምኡ’ውን ነቲ ናይ ፍጻመ ቦታ ፥ እቲ ገበን ዝተፈጸመሉ ቦታ ከኣ ይምርምሩ።

ፖሊስ ነታ መኪና ዮናስ ከም ዝሰረቓ ከነረጋግጽ ንኽእል ኢና ኢሎም ይኣምኑ። ስለዚ እዚ ጉዳይ ቅኑዕ ምዃኑን ደይምዃኑን ንምውሳን ሕጋዊ መስርሕ ፍርዲ ይካየድ። እቲ ጉዳይ ኣብ ቤት-ፍርዲ እዩ ዝፍጸም። ኣብ ኖርወይ ዝተፈላለያ ዓይነት ቤት-ፍርድታት ኣለዋ። እቲ ዝተሓተ ቤት-ፍርዲ ቲንግረት (ዞባዊ ቤት ፍርዲ) ይበሃል። ኣብዚ ኣኽባር ሕጊ ፥ማለት ወኪል ፖሊስ ኣብቲ ጉዳይ ፥ ዮናስ ገበነኛ ምዃኑ ከእምን ይፍትን። ዮናስ ውን ብወገኑ ነቲ ጉዳዩ ዝከላኸለሉ ጠባቓ ይህልዎ። ክልቲኦም ጠበቓን ኣኽባር ሕግን ኣብቲ ጉዳይ እንታይ ከም ዘጋጠመ ሓበሬታ ክሕግዝዎም ዝኽእሉ መሰኻኽር የቕርቡ።

ዮናስ ገበነኛ ሙዃኑን ዘይሙዃኑን ከምኡ ውን እንታይ ዓይነት መቕጻዕቲ ክብየነሉ ከምደለዎ ዝውስኑ ፈራዶ እዮም። ፈራዶ ክኢላታት ናይ ሕግታትን ስርዓታትን እዮም።

እንድሕር ዮናስን ተኸላኻሊ ናቱን በቲ ውጽኢት እንተ ዘይዓጊቦም ፣ ካብ ቲንግረተ ናብ ላግማንስረት ይግባይ ክብሉ ይኽእሉ። ኣኽባር ሕጊ ውን ከም’ኡ ክገብር ይኽእል ኢዩ። ሽዑ ሓድሽ ጉዳይ ይኸውን። ኣብ ላግማንስረት ብዘይካ ፈራዶ ዳኛ ይህሉ። እዚኣቶም ተራ ሰባት ኮይኖም እቲ ክሱስ ገበነኛ ምዃኑን ፣ እቲ መቕጻዕቲ ንውሓቱ ክንደይ ክኸውን ይግብኦን ኣብ ምውሳን ተራ ይህልዎም።

ኣብ ኖርገ ተወሳኺ ካልእ ቤት ፍርዲ ውን ኣሎ ፥ ንሱ ከኣ ሆየስተረት ይበሃል። እዚኣ ሓንቲ ጥራይ እያ ዘላ፥ ኣብዚ ኣብ ፍሉይ ጉዳያት ጥራይ ሰብ ይግባይ ክብል ይኽእል። ንኣብነት እንድሕር ዓንደ-ሕጊን ( ቅዋምን ) ወይ መሰል ሰብኣዊ መሰላትን ምስ ዝግሃስ ።


ሕጊ ምስድጠሓስ ዝተፈላለዩ ዓይነት መቕጻዕትታት ኣለዉ። ንናይ ንኣሽቱ ጥሕሰት ሕግታት ቡት (መቕጻዕቲ ብምኽፋል ገንዘብ) ልሙድ ኢዩ። እቲ ሰብ ናብ መንግስቲ ገንዘብ ይኸፍል ከም መቕጻዕቲ። ገለ ውን ናብ ናይ ሕብረተ-ሰብ ዝውዕል ናይ ነጻ ስራሕ መቕጻዕቲ ንውሱን ግዜ ክፍረድ ይኽእል። እዚ ኸኣ ኣገልግሎት ሕብረተ-ሰብ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣዝዩ ከቢድ ዝኾነ ሕጊ ምጥሓስ ብማእሰርቲ ከቕጽዕ ይኽእል።

ኣብ ኖርወይ ናይ ሞት ወይ ናይ ሕልፈት ፍርዲ የለን። እቲ ዝጸንዐ ብይን ሰብ ክፍረዶ ድኽእል ፍርዲ ክሳብ 21 ዓመት እዩ። ግን ገለ እሱራት ድሕሪ 21 ዓመት ኣውጺኻ ናብቲ ሕብረተ-ሰብ ምሕዋሶም ኣዝዮም ሓደገኛታት ክኾኑ ይኽእሉ ኢዮም። ስለዚ ንናይ ነዊሕ ግዜ ፍርዲ ይፍረዱን ክሳብ ነቲ ሕብረተ-ሰብ ውሑሳት ድኾኑ ውን ኣይወጹን።

ኣብ ኖርወይ ቆልዑ ትሕቲ 15 ዓመት ዝዕድሚኦም ናይ ማእሰርቲ ክፍረዱ ኣይክእሉን ኢዮም።

መዝገበ ቃላት

መርመራ
እንታይ ከም ዘጋጠመ ክትፈልጥ ምፍታን
ናይ ፍጻመ ቦታ
ዘይሕጋዊ ተግባር ዝተፈጸመሉ ስፍራ
ፈራዶ
ኣብ ጉዳይ ሕጊ ከም ዝተጣሕሰን ደይተጣሕሰን ዝውስኑ
ይግባይ
ጉዳይካ ከም ብሓዱሽ ክርኣየልካ ምሕታት

Tekst og bilde er gjengitt og oversatt med tiltatelse fra Bergen kommune og zmekk.no