Mesopotamia // መሰፖታምያ

Denne teksten Mespoptamia finnes på flere språk. Teksten er hentet fra Zmekk.no. Den er tilpasset og oversatt til flere språk av morsmål.no etter avtale med Bergen kommune. Tanken er at teksten skal være et supplement til andre læremidler og andre aktiviteter i opplæringen. Det er altså ikke meningen at disse ressursene skal stå alene, men at de kan brukes i innledning til arbeid med temaet.

Teksten kan, for eksempel, brukes sammen med tospråklig lærer for å aktivere elevenes kunnskaper om temaet, og å bidra til at eleven lærer fagspråk.

Scroll nedover for å finne flere ressurser.

ሩባታት ጢግሪስን ኢፍራጢስን ሎሚ ኣብ ሃገራት ቱርኪ ፣ ዒራቕን ሶርያን ይርከቡ። ቅድሚ 6000 ሽሕ ዓመታት ገለ ክፋል ናይዞም ስፍራታት እዚኣቶም መሰፖታምያ ማለት “እታ ኣብ መንጎ ሩባታት ደላ ሃገር” ጥራይ ይበሃል ኔሩ።

እዚ ካርታ ምስዚ ናይ ሎሚ ኣቀማምጣ መሬት ሃገራት ብምትሕሓዝ መሶፖታምያ ኣበይ ከምድነበረት የርኢ።

ኣብ’ቲ ከባቢ እቲ ክሊማ ኩሉ ግዜ ውዑይን ጽቡቕን ኢዩ ግን ከኣ ኣዝዩ ድሩቕ ኢዩ። ይኹን’ምበር መብዛሕትኡ እቲ ኣብዚ ኖርወይ ድሽየጥ ፍረታት ካብዚ ከባቢ እዚ ኢዩ ድመጽእ። እቲ ከባብ ፈራዪ ኢዩ።

ከመይ ጌሩ ኣዝዩ ድሩቕን እሞ ኸኣ ፍርያም ክኸውን ክኢሉ?

ከምቲ ብርግጽ ገሚትካዮ ደለኻ ፣ እቲ መግለጺ እቶም ሩባታት ኢዮም። ብደይ እዞም ክልተ ዓበይቲ ሩባታት ፣ እቲ ከባቢ ዝያዳ ምድረበዳ ምሃለዎ ብኡ ኣቢሉ ድማ ዳርጋ ዋላሓንቲ ነገር ኣብኡ ኣይምበቖለን።

Illuastrasjon som viser det en bygning, ørken og dyrket området ved eb elv. Skal illustrere en bygning og dets plassering i datidens mesopotomia
እቶም ሩባታት ነቲ መሬት ንምልማዕን ጽቡቕ ምህርቲ ንምሕፋስን ዕድል ሂቦም።

ኣብ ጽድያ እቲ ኣብቶም ጎቦታት ደሎ ወርጪ ምስመኸኸ ፣ እቶም ሩባታት የዕለቕልቑ ፣ መጠን ማይ ንላዕሊ ደይቡ ብልዕሊ ስፍሓቱ ይውሕዝ ነበረ። እቲ ማይ ምስጎደለ እሞ እቶም ሩባታት ናብ’ቲ ንቡር ስፍሓቶም ምስተመልሱ ፣ ኣብ’ቲ ግራውቲ ወይ መሬት ፍርያም ጭቃ (ድኹዒ) ይተርፍ። እዚ ጭቃ ጽቡቕን ስቡሕን ሓመድ ድሓዘ ኢዩ።

ህዝቢ መሶፖታምያ ነቲ ማይ ብድተኻእለ መጠን ብድበለጸ ኣገባብ ንምምዝማዝ ብዙሓት ድተፈላለዩ መሳርሒታትን ጽቡቓት ሜላታትን ኣማዕበሉ። ምስቲ ኩሉ ድነበረ መጠን ማይ ነቲ መሬት ፍርያም ክገብርዎን ዳርጋ ዝደለይዎ ከልምዕሉን ክኢሎም ኢዮም። ኣብ ርእሲኡ ድማ ኣብቶም ሩባታት ብዙሓት ዓሳታት ነበሩ።

እቶም ቀዳሞት ሓረስቶት

እቶም ኣብ መሶፖታምያ ድነበሩ ህዝቢ እቶም ቀዳሞት ተጠቀምቲ መሬት ኢዮም። እቶም ቀዳሞት ስርናይ ከልምዑ ድጀመሩ ኢዮም። ነቲ መሬት ብምሕራስ ፣ ማይ ብምስታይን ብምድኳዕን እዚ መሬት ኣዝዩ ፍርያም ምዃኑ ፈሊጦም። እዚ ድማ ንሳቶም እኽሊ ስርናይ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ብዙሕ ግዜ ክዓጽዱ ከምድኽእሉ ምግባር ኣኸቲሉ። ድዓበየ ዘራእቲን ብዙሕ መግብን ብዙሕ ምህርቲ ክእክቡን ጸኒሖም ድጥቀምሉ ከቐምጡን ኣኽኢልዎም ኢዩ። ኣቢ ስራሕ ንኽሕግዞም ፣ ከም ከም ብዕራይን ፈረስን ይጥቀሙ ነበሩ። ኣብ መሰፖታምያ ድነበሩ ህዝቢ እቶም ቀዳሞት እንስሳ ዘቤት ድጀመሩ ኢዮም።

ኣብ መሶፖታምያ ብዙሕ ክትነብረሉ ትኽእል ኔሩ ኢዩ ፣ እዝ ድማ ብዙሓት ናብኡ ምግዓዝ ንኽመርጹ ጌሩ ኢዩ። እተን ቀዳሞት ከተማታት ዓለም ብኸምዚ ኢየን ቆይመን። እዚ ቅድሚ ብዙሕ ኣሽሓት ዓመታት ኢዩ። ቀስ ብቐስ ከኣ እተን ከተማታት ብጽቡቕ ተወዲበን። ቤት ትምህርቲታትን ወተሃደራዊ ኣገልግሎትን እውን ኔርወን ኢዩ። መሶፖታምያ ብ ዚጉራታት ተባሂሉ ድጽዋዕ ቤተ ጸሎትን ካለኦት ኣደነቕቲ ስረሓት ህንጻን ፍልጥቲ ኢያ። እቶም ህዝቢ ብዙሕ ድተፈላለየ ስራሕ ነይርዎም። ገሊኦም ንመሶፖታምያ እቶም ቀዳሞት ባህላውያን ህዝቢ ኢሎም ይጽውዕዎም።

ርኽበታት

ኣብ ደቡብ መሶፖታምያ ሱመር ትበሃል ሃገር ትርከብ። ሱመራውያን ብዙሓት ኣገደስቲ ርኽበታት ጌሮም ኢዮም ገለ ካብኡ ኣብ ቁጽርን ጂኦሜትሪን። 60 ከም መበገሲ ቁጽሪ ብምግባር ሓደ ሜላ ኣቆጻጽራ ሰሪሖም። ገለ ካብኡ ሎሚ ንጥቀመሉ ኣለና። ሓደ ሰዓት 60 ደቓይቕ ኣለዎ ሓደ ደቒቕ ድማ 60 ካልኢታት ኣለዎ። ንሓንቲ ክቢ ድማ ኣብ 360 ዲግሪ ንመቕላ።

ኣብ መንጎ 3500 – 3000 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ኪለስክሪፍት ድበሃል ሜላ ኣጸሓሕፋ ኣማዕቢሎም። ኣብ መጀመርታ እዚ ኪለስክሪፍት ስእላዊ ጽሑፍ ኢዩ ኔሩ። ድሕሪ ቁሩብ ድማ ኣቕልል ኣቢሎም ነቲ ድነበረ ስእሊ ብምልክታት ተኪኦሞ። ሱመራውያን ኣብ ጸብሪ (ጭቃ) ሰሌዳን እምኒን ይጽሕፉ ነበሩ። እቲ ጥበብ ጽሕፈት ናብ ምብራቕን ምዕራብን ኣስፋሕፈሐ ገለ ካብኡ ናብ ግብጺ ኣተወ። ካልእ ርኽበታት ድማ ንኣብነት ማሕረሻን መንኮርኮር (ካሮሳ) ኢዮም። ብተወሳኺ ድማ ኣብ ጃላቡኦም ብቐሊሉ መታን ሸተት ከይብላ ወይ ከይግምጠላ ኪል ከእትዉለን ጀመሩ ከምኡ’ውን ጋንጽላ ምጥቃም ብምጅማር ካብ ኩሉ ግዜ ቢኢድካ ምጅላብ ኣምለጡ።

ከተማታት

ሱመራውያን ጽቡቓት ከተማታት ሃኒጾም ኢዮም። ኣብ ሱመር እታ ዝዓበየት ከተማ ኡሩክ ትበሃል። ከተማ ኡር ድማ ምስ ባሕሪ ርክብ ደለዋ ካልእ ኣገዳሲት ናይ ንግዲ ከተማ ኢያ። ነብሲ ወከፍ ከተማ መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ገዛእ ርእሰን ንግስነትን ንጉስን ኢዩ ኔሩወን። እቶም ንጉሳት ሃይማኖታውያን መራሕቲ እውን ስለድነበሩ ሓያል ስልጣን ነይርዎም ። ኣብተን ከተማታት ንጉስ ፣ ኣገልገልቱን ፣ ኣቕሽሽቲን ሰራሕተኛ ኢደ ስርሓትን ይነብሩ ነበሩ።

ስእላዊ መግለጺ ከተማ ኡር።

ኣብ ዙርያ እተን ከተማታት ኩሉ ግዜ ካብ ጸላኢ ንምክልኻል መንደቕ ነበረ። እቶም ኣብ ከባቢ እተን ከተማታት ድነብሩ ድነበሩ ሓረስቶት ከኣ ብመልክዕ እኽሊ ፣ ስጋ ፣ ዓሳን ኣሕምልትን ነቲ ንጉስ ቀረጽ ይኸፍሉ ነበሩ። ሱመራውያን ዘድልዮም እቑሑ ንኽረኽቡ ገንዘብ ይጥቀሙ ኣይነበሩን። ንሶም እቲ ዘድልዮም ኣቑሑ ንሓድሕዶም ይቀያየሩ (ይባደሉ) ነበሩ። ነጋዶ ናብ ወጻኢ ሃገራት ብምኻድ ወርቅን ነሓስን ይባደሉ ነበሩ። እቶም ሰብ ሞያ ኢደ ስርሓት ድማ መግቢ ምስ ከም ሴራሚክስ ፣ መጋየጺታትን ክዳንን ዝተፈላለዩ ናይ ኣገልግሎት ነገራትን ይባደሉ ነበሩ።

ኣገደስቲ ቃላት ኣብዚ ጽሑፍ


ምውዳብ

ማለት ንሓደ ነገር ምድላው ብምሉእነት ውህደት ንኽህልዎ ምግባር ማለት ኢዩ።

ምእካብ

ማለት ብሓደ ምግባር፣ ምውህላል ፣ ንድተወሰነ ዕላማ ምእራይ።

ምዕቃብ

ማለት ንሓደ ነገር ጸኒሕካ ንኽትጥቀመሉ መታን ምቕማጥ ማለት ኢዩ።

ምቅላል

ማለት ንሓደ ነገር ድቐለለ ምግባር ማለት ኢዩ።

ምልዓል/ምድኳን

ማለት ገለ ነገር ተፈጢሩ ፣ ተጀሚሩ ወይ ተላዒሉ ማለት ኢዩ።

ምምዝማዝ

ማለት ንሓደ ነገር ኣብ ጥቕሚ ምውዓል ፣ ኣብ ሓደ ጽቡቕ ውጽኢት ድህበካ ነገር ምጥቃም።

ምልማዕ

ማለት ገለ ነገር ምፍራይ ንኣብነት ኣትክልቲ።

በደላ/ምልውዋጥ

ማለት ገለ ሂብካ ቅያሩ ካልእ ነገር ምቕባል ማለት ኢዩ።

ምዕጻድ/ምሕፋስ

ማለት ነቲ ኣዝርእቲ ዓጺድካ ምእታው (ምህርቲ) ፣ ነቲ ዝለመዐ ማለት ኢዩ።

ምዕልቕላቕ

ማለት ብማይ ምዕልቕላቕ ፣ ማይ ብልዕሊኡ ምውሓዝ ማለት ኢዩ።

ምብራኽ/ለጠቕ ምባል

ምብራኽ ማለት ገለ ነገር ንላዕሊ ምድያብ ወይ ምምላእ ማለት ኢዩ።ምቕናስ ማለት ሓደ ነገር እንዳነከየ ወይ እንዳ ተሓተ ምኻድ ማለት እዩ ።

ምድኳዕ

እቶም ኣትክልቲ ብጽቡቕ ንኽዓብዩ ነቲ ግራት ብልዑል ማዕድናዊ ትሕዝቶ ደለዎ ድኹዒ ምንስናስ ማለት ኢዩ።


ብዛዕባ ሂወት ኣብ መሶፖታምያ ተርኢ ፊልም ብእንግሊዝ።

Ilustrasjon1: Karl Musser, translated labels by User:Mathias-S, CC BY-SA 2.5, via Wikimedia Commons