Valg og politiske partier // ምርጫን ፖለቲካውያን ውድባትን

Denne teksten om Valg og Politiske partier finnes på flere språk. Teksten er hentet fra Zmekk.no og oversatt til flere språk av morsmål.no etter avtale med Bergen kommune. Tanken er at teksten skal være et supplement til andre læremidler og andre aktiviteter i opplæringen. Det er altså ikke meningen at disse ressursene skal stå alene, men at de kan brukes i innledning til arbeid med temaet.

Teksten kan, for eksempel, brukes sammen med tospråklig lærer for å aktivere elevenes kunnskaper om temaet, og å bidra til at eleven lærer fagspråk.

Scroll nedover for å finne flere ressurser.

ኑራ ኣቐድም ኣቢላ 18 ዓመት መሊኣ ኣላ ኣብ’ቲ ምርጫ ከኣ ከተድመጽ ትኽእል ኢያ። ኣየነይቲ ውድብ ንዓኣ ብዝበለጸ ከምትሰማማዓ ግን ርግጸኛ ኣይኮነትን።

ብዙሓት ዝተፈላለያ ፖለቲካውያን ውድባት ኣለዋ። ኑራ ነየነይቲ ውድብ ከምተድምጽ ንምፍላጥ፣ ነቲ መደባት ውድብ ተንብብ። መደባት ውድብ በተን ውድባት ዝዳሎ ንዘለወን ስነ-ሓሳብ ንምዕዋትን ፣ እንታይ ከምዝሰርሓን ዘርኢ ሓፈሻዊ ትዕዝብቲ ኢዩ። ከም ተወሳኺ ኑራ ቅድሚ እቲ ምርጫ ኣብ ጋዜጣታትን ተለቭጅንን ትከታተል ኢያ። ኣብ’ኡ ሓለፍቲ እተን ዝተፈላለያ ውድባት ብመልክዕ ክትዕ ይራኸቡን ኣብ ኣገደስቲ ፖለቲካዊ ጉዳያት ድማ ይዛተዩን። ነብሲ ወከፍ ውድብ ከኣ እቲ ሕብረተሰብ ንዓኣ ክመርጽ ከምዘለዎ ከተእምን ኢያ ትፍትን።

ኣብ ኖርወይ ኣብ ነብሲ ወከፍ ክልተ ዓመት ምርጫ ኣሎ፣ ክልተ ዝተፈላለየ ዓይነት ምርጫ ድማ ኣሎ። ኣብ ነብሲ ወከፍ ካልኣይ ዓመት ባይቶኣዊ ምርጫ ከምኡ’ውን ኣብ ነብሲ ወከፍ ካልኣይ ዓመት ዞባዊ ምርጫ ይካየድ። ኩሉ ናይ ኖርወይ ዜግነት ዘለዎ ልዕሊ 18 ዓመት ዝመልአ ኣብ ባይቶኣዊ ምርጫ ከድምጽ ይኽእል፣ ኣብ ዞባዊ ምርጫ ከኣ ኩሉ ኣብ ኖርወይ እንተወሓደ 3 ዓመት ዝተቐመጠ ልዕሊ 18 ዓመት ዕድመ ከድምጽ ይኽእል።

ኣብ ባይቶኣዊ ምርጫ እቲ ሰብ ኣብ’ቲ ባይቶ ኣየነይቲ ውድብ ዝበዝሑ ወከልቲ ከምትረክብ ንምፍላጥ ኢዩ ዘድምጽ። እተን ዝበዝሐ ድምጺ ዝረኸባ ውድባት መንግስቲ የቑማ ብዛዕባ ምምራጽ ቀዳማይ ምኒስተር ድማ ይሰማምዓ። ባይቶን መንግስትን ብዛዕባ ነታ ምልእቲ ሃገር ዝምልከቱ ኣገደስቲ ጉዳያት ውሳነ ይህቡ።

ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ጉዳያት ናይ ኑራ ኣብ’ቲ ንሳ ትነብረሉ ከባቢ ብዙሕ ናይ ብሽክለታ መንገድታት ክህነጹ እዩም። ባይቶን መንግስትን ከኣ ኣብ ከምዚኦም ዓይነት ከባብያዊ ጉዳያት ኣይሰርሑን ኢዮም። ስለዚ ኢዩ ኖርወይ ከባብያዊ ዲሞክራሲ ዘለዋ። እቶም ናይ’ቲ ከባቢ ፖለቲከኛታት ምስ’ቶም ነበርቲ ናይ ቀረባ ርክብ ኣለዎም ስለዚ ክሰምዕዎምን ነቲ ፖሊሲ ከኣ ምስ’ቲ ነቲ ህዝቢ ዘድልዮ ከመዓራርይዎን ይኽእሉ።

Illustasjon av en jente på sykkel foran lokalpotitikere
ከባብያዊ ዲሞክራሲ

ኣብ ውሽጣዊ (ዞባዊ) ምርጫ ሰባት ምምሕዳር ዞባን ምምሕዳር ከባብን ይመርጹ። ምምሕዳር ዞባታት ነተን ዞባታት የማሓድር ከምኡ’ውን ኩለን እተን ምምሕዳራት ከባቢ ንኽተሓባበራ ይሕግዝ። ብተወሳኺ ቤት ትምህርታት ካልኣይ ደረጃን፣ ቤተ መዘክራትን፣ ማእከል ጥዕና ስኒን ንኹሎም ነበርቲ እቲ ዞባን ገለ ካብ ሓላፍነታት ምምሕዳር ዞባ ኢዮም።

ምምሕዳር ከባቢታት ኣብተን ከባቢታት ኢየን ዝውስና። እተን ዝበዝሐ ድምጺ ዝረኸባ ውድባት ኣብ’ቲ ምምሕዳር ከባቢ ቦታታት ይረኽባ። ነብሲ ወከፍ ምምሕዳር ከባቢ ብሓደ ከንቲባ ትምራሕ። ገለ ካብ ሓላፍነታት እቲ ምምሕዳር ከኣ ቤት ትምህርታት፣ ሕክምና፣ ማሕበራዊ ሓገዝ፣ መዋእለ ህጻናትን፣ መንገዲታትን ይርከብዎም። ከም’ቲ ኑራ ትምነዮ እምበኣር ብዙሓት መንገድታት ብሽክለታ ክህነጹን ዘይክህነጹን ዝውስን ምምሕዳር ከባቢ ኢዩ።

ኑራ እታ ብዝያዳ ኣብ ምህናጽ መንገድታት ብሽክለታ ትነጥፍ ውድብ ረኺባታ ኢያ ኣብቲ ከባብያዊ ምርጫ ከኣ ንዓኣ ክትመርጽ ኢያ። እኹል ድምጺ እንተረኺቦም ድማ ኣብቲ ከባቢ ሓደስቲ መንገድታት ብሽክለታ ክሃንጹ ይኽእሉ ኢዮም።

Bilde viser en ordfører med kommunestyret
ከንቲባ ምምሕዳር ከባቢ

መዝገበ ቃላት

Partiprogram መደብ ውድብ
Oversikt over hva et politisk parti mener og vil jobbe for ሓንቲ ውድብ ዘለዋ ስነ-ሓሳብን እንታይ ንምዕዋት ከምትሰርሕን ዘርኢ ሓፈሻዊ ትዕዝብቲ
Stortingsvalg ባይቶኣዊ ምርጫ
Valg av hvilke politiske partier som skal få plass på stortinget og danne regjering ኣየኖት ውድባት ኣብቲ ባይቶ ቦታ ከምዝረኽባን መንግስቲ ከምዘቑማን ዝውስን ምርጫ
Lokalvalg ከባብያዊ/ውሽጣዊ ምርጫ
Valg av Fylkesting og kommunestyreምርጫ ምምሕዳራት ዞባን ከባቢን
Fylke ዞባ
Et geografisk område. Norge har 19 fylker. Fylkene er delt opp i kommuner ሓደ ጂኦግራፍያዊ ስፍራ። ኖርወይ 19 ዞባታት ኣለዋ። እተን ዞባታት ብ ምምሕዳራት ከባቢ ዝተመቓቐላ ኢየን።
Kommune ከባቢ
Et geografisk område. Norge har mange hundre kommuner ሓደ ጂኦግራፍያዊ ስፍራ። ኖርወይ ብዙሕ ኣማኢት ምምሕዳር ከባቢታት ኣለዋ።