Informasjon om norsk grunnskole // መሰረታዊ ትምህርቲ ኣብ ኖርዌይ

መሰረታዊ ትምህርቲ ኣብ ኖርዌይ

መሰረታዊ ትምህርቲ ዓሰርተ ዓመታት ይውድእ፣ መባእታዊ ትምህርትን ማእከላይ ትምህርትን ተባሂሉ ከኣ ኣብ ክልተ ይምቀል። መባእታዊ ትምህርቲ ኣብ ሸውዓተ ደረጃ ይምቀል፣ ካብ 1ይ-7ይ ክፍሊ። ማእከላይ ትምህርቲ ከኣ ኣብ ሰለስተ ደረጃ ይምቀል፣ ካብ 8ይ-10ይ ክፍሊ። ቆልዑ ኣብታ ሽዱሽተ ዓመት ዕድመ ድመልኡላ ቀዳማይ ክፍሊ ይጅምሩ። ብድሕሪኡ ኣብ ድሕሪ ነብሲ ወከፍ ክረምታዊ ዕረፍቲ ሓደ ክፍሊ ንላዕሊ ክብ ይብሉ።
ሓደ ዓመተ ትምህርቲ ካብ መፋርቕ ነሃሰ ክሳብ ከባቢ 20 ሰነ ይዝርጋሕ። ኣብቲ ዓመታዊ ውጥን ምህሮ እቶም ቆልዑ ኣብታ ዓመት ኣየኖት መዓልታት ኢዮም ነጻ ከምኡውን በዓላት ደለዎም ሓበሬታ ትረክብ። ውጥን ምህሮ ካብቲ ቤት ትምህርቲ ክትረክብ ትኽእል። ኮምኡውን ኣብቲ ናይቲ መምሕዳር ገጽ መርበብ ሓበሬታውን ክርከብ ይከኣል።

ህዝባዊ (መንግስታዊ) መሰረታዊ ትህርቲ ብነጻ ኢዩ

መንግስታዊን (ህዝባዊ) ናይ ብሕቲን መሰረታዊ ቤት ትምህርታት ኣለዉ። እቲ መንግስታዊ ቤት ትምህርታት ምምሕዳር ይውንኖ። ህዝባዊ ቤት ትምህርታት ብነጻ ኢዩ። እዚ ማለት ከኣ ክልቲኡ ማለት መስርሕ ምስትምሃርን መሳርሒታትን፡ ኮምኡውን ካልእ ኣካል ናይቲ መስርሕ ምስትምሃር ድኾኑ ንጥፈታት ብነጻ ኢዮም። ኩሎም ንትምህርቲ ዕድሚኦም ድኣኸለ ቆልዑ ኣብ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ክመሃሩ መሰል ኣለዎም። ንትምህርቲ ድበጸሐ ዕድመ ድበሃል ካብ 6 ክሳብ 16 ኢዩ።

ብኩራትን ፍቓድን

ኣብ ኖርዌይ፡ መሰረታዊ ትምህርቲ ንኹሎም ዕድሚኦም ንትምህርቲ ድኣኸለ ቆልዑ ግዴታ ኢዩ። እዚ ማለት ከኣ እቲ ተማሃራይ ኩለን ናይ ትምህርቲ መዓልታትን ኩለን ናይ ትምህርቲ ክፍለጊዜን ናይ ነብሲ ወከፍ መዓልትን ኣብ ቤት ትምህርቲ ክህሉ ኣለዎ። ወለዲ እቲ ተማሃራይ መዓስ ካብ ትምህርቲ ነጻ ክኸውን ኣለዎ ባዕሎም ክውስኑ ኣይክእሉን ኢዮም።
እቲ ቤት ትምህርቲ መዓልታዊ ብዛዕባ ህላወ ተማሃሮ ይምዝግብ። ሓደ ተማሃራይ እንተድኣ ኣዝዩ ሓሚሙ ወይ ሓሚማ እሞ ትምህርቲ ክኸይድ ተዘይክኢሉ፡ ወለዲ ኣብ ገዛ ከውዕልዎ ይኽእሉ ኢዮም። እቲ ተማሃራይ ክሓምም ከሎ ወለዲ ንቤት ትምህርቲ ሓበሬታ ናይ ምሃብ ሓላፍነት ኣለዎም። እቲ ቤት ትምህርቲ ንግሆ ቅድሚ ትምህርቲ ምጅማሩ ሓበሬታ ክረክብ ኣለዎ። እቲ ተማሃራይ ንሓያሎ መዓልታት እንተደኣ ሓሚሙ ወይ ሓሚማ ከኣ ካብ ሓኪሙ ናይ ሕክምና ወረቐት ከምጽእ ኣለዎ።
እቲ ተማሃራይ ካብቲ ኣብ ዓመታዊ ውጥን ደለው ፌስታትን በዓላትን ወጻኢ ተወሳኺ ነጻ መዓልታት ዘድልዮ እንተኾይኑ፡ እቶም ወለዲ ኣቐዲሞም ፍቓድ ክሓቱ ኣለዎም። ኣብቲ ቅጥዒ መሕተቲ ፍቓድ እቲ ተማሃራይ ስለምንታይ ተወሳኺ ነጻ መዓልታት ክወሃቦ ኣገዳሲ ከዝኾነ ክግለጽ ኣለዎ። እቲ ምምሕዳር እቲ ጉዳይ ቅኑዕ ኢዩ ኢሉ እንተኣሚኑ ክሳብ ናይ ክልተ ሰሙን ፍቓድ ክህብ ይኽእል። እቶም ካብ ኣባላት ናይ ኖርዌይ ቤተክርስቲያን ወጻኢ እምነት ደለዎም ሕብረተሰብ ድኾኑ ተማሃሮ ከኣ እቲ ሕብረተሰቦም ቅዱስ መዓልታት ወይ ባዓላት ክህልዎ ከሎ ንሶም ካብ ትምህርቲ ነጻ ናይ ሙኻን መሰል ኣለዎም።

ኣገደስቲ ክብርታት ኣብ ቤት ትምህርቲ ኖርዌይ

ክብርታት ቤት ትምህርቲ ኖርዌይ ኣብቶም ሰብኣዊ መሰላት ድተሃንጸ ኢዩ። ካብቲ ኩሉ ኣብ ቤት ትምህርቲ ደጋጥም፡ ዘይተጋሃስነት ክብሪ ወድሰብ እቲ ክሰዓብ ደለዎ ኣገዳሲ ክብሪ ኢዩ።

ኩሎም ተማሃሮ ኣብ ትምህርቲ ጽቡቕን ዉሑሳትን ክኾኑ

እታ ቤት ትምህርቲ ነቶም ተማሃሮ ብኽብርን ምትእምማንን ትቕበሎም። ዋላሓደ ተማሃራይ ንምፍልላይ ወይ ዝኾነ ዓይነት ስክፍታን ኣይቃላዕን። ኩሎም ተማሃሮ ኣካል ናይቲ ክፍልን ቤት ትምህርትን ሙዃኖም ክስመዖም ኣለዎ። ኩሎም ሰራሕተኛታት ቤት ትምህርቲ እቶም ተማሃሮ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ጽቡቕ ከምደለዉ ይከታተሉ። ሓደ እኹል ሰብ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ሓደ ተማሃራይ ይደሃል፣ ይስከፍ ወይ ብኻልእ ኣገባብ ጽቡቕ ከምደየሎ እንተፈሊጡ ወይ ኢሉ እንተሓሲቡ፡ ኩሉ ግዜ ንሱ ወይ ንሳ፥

  • ጣልቃ ብምእታው፡ ድከኣል እንተኾይኑ ነቲ ግህሰት ብቑጡፍ ደው ምባል
  • ንርእሰ መምህር ይሕብር
  • ነቲ ደጋጠመ ምምርማር

እንተደኣ ሓደ ተማሃራይ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ጽቡቕን ዉሕስነትን ዘይተሰሚዕዎ፡ እቲ ርእሰ መምህር እቲ ተማሃራይ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ እንደገና ጽቡቕን ውሑስን መታን ክኸውን መደብ ናይ ምውጻእን ስጉምቲ ናይ ምውሳድን ሓላፍነት ኣለዎ። እዚ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ናይ ንጥፈታት ግዴታ ተባሂሉ ይጽዋዕ።

ስርዓትን ጠባይን

እተን ቤት ትምህርታት ተማሃሮ ክኽተልዎ ደለዎም ሕጊ ስርዓትን ጠባያትን ኣለወን። ኣብ ትምህርታት ኖርዌይ ሰባት ኣብ ስርዓትን ጠባይን ብዘተ ይሰርሑ። እቲ ቤት ትምህርቲ ሓደ ተማሃራይ ሕጊ ኣይክተልን ኢዩ ኢሉ እንተኣሚኑ፡ ብዛዕባ እዚ እቲ ቤት ትምህርቲ መጀመርያ ምስቲ ተማሃራይ ይዛረብ። እቲ ተማሃራይ ድሕሪ ዘተውን ሕጊ ምጥሓስ እንተቐጺልዎ ምስ ወለዲ ርክብ ይግበር መታን እንታይ ከምደጋጠመ ክፈልጡን ኣብ ገዛ ምስ ውላዶም ክዛረቡን። ብተወሳኺ ነብሲ ወከፍ ክፍሊ ናይ ገዛእ ርእሳ ተማሃሮን መምህርን ብሓባር ደዳልውዎ ናይ ደስታሕጊ ድበሃል ክህልዋ ይኽእል ኢዩ። እቲ ሕጊ ነቲ ክፍሊ መታን ክፈትውዎን ብድበለጸ መታን ክመሃሩን ከመይ ክኸውን ከምዝደልይዎ ይገልጽ።

ኩሎም ተማሃሮ ማዕረ ዕድል ትምህርቲ ይህልዎም

እታ ቤት ትምህርቲ ብዘይቅድመኹነትን ድሕረባይታ ብዘየገድስን ንኹሎም ተማሃሮ ማዕረ ዕድል ትምህርትን ዕብየትን ትህብ። ቤት ትምህርቲ ተማሃሮ ድተፈላለዩ ሙዃኖምን ኩሎም ኣብ ቤት ትምህርትን ሕብረተሰብን ከም ገዝኦም ክስመዖምን ሓልዮትን ኣስተዋጸኦን ትገብር። እቲ መስርሕ ምስትምሃር ንተማሃሮ ፍልጠትን ምሉእ ሂወቶም ክማሃሩ ድሌት ዘሕድርን ይኸውን። ቤት ትምህርቲ ተማሃሮ እዚ ድስዕብ ንክኾኑ ኣስተዋጽኦ ትገብር

  • ከም ሰብ ክምዕብሉ ክዓብዩ
  • ኣብ ዓይነታት ትምህርቲ ዓቕሞም ከዕብዩ
  • ማሕበራውነት ከስተማቕሩ
Bilde av en dame som møter elever med åpne armer

ድሳነ ትምህርቲ

ኩሎም ተማሃሮ ምሰኦም ድሳነ ትምህርቲ ይርኽቡ። ተማሃሮ ድተፈላለዩ ኢዮም ብድተፈላለየ ኣገባብ ከኣ ይመሃሩ። ስለዚ እታ ቤት ትምህርቲ ብዝተኻእለ መጠን ኩሎም ተማሃሮ ብዝበለጸ ትምህርቲ ንኽረኽቡ ተቐያያሪ ኣገባብ ኣመሃህራ ተቕርብ።

ፍሉይ ትምህርቲ

ገለ ገለ ተማሃሮ ንፍሉይ ትምህርቲ መሰል ኣለዎም። እንተደኣ ወለዲ ወይ እቲ ቤት ትምህርቲ ንሓደ ተማሃራይ እኹል ናይ ትምህርቲ ውጽኢት የብሉን ኢሎም ኣሚኖም፡ እታ ቤት ትምህርቲ ነቲ ተማሃርይ ምስኡ ድሳነ ትምህርቲ ብምግባር ተጣጥሓሉ። እዚ ምስኡ ድሳነ ትምህርቲ ክሕግዝ እንተደይክኢሉ እታ ቤት ትምህርትን ስነ-ምምህርናውን ስነኣእምሮኣውን ኣገልግሎታት ብሓባር ምስ ወለዲ እቲ ተማሃራይ ጽቡቕ ናይ ትምህርቲ ዕድል መታን ክህልዎ ተወሳኺ ስጉምቲ ከምዘድልዮን ዘየድልዮን ክግምግሙ ኣለዎም። ኸምዚኦም ድኣመሰሉ ተወሰኽቲ ንጥፈታት ከኣ ፍሉይ ትምህርቲ ይበሃሉ። እዚ ፍሉይ ትምህርቲ ማለት ንኣብነት እቲ ተማሃራይ ካብቲ ናይቲ ክፍሉ ፍልይ ድበለ ዕላማ ሒዙ ክሰርሕ ከሎ፡ ፍሉይ መሳርሒ ወይ ከኣ እቲ ተማሃራይ ብሓደ እኹል ሰብ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ተወሳኺ ሓገዝ ክረክብ ከሎ (ኣብ ግዜ ምስትምሃር ወይ ኣብ ዕረፍቲ) ክኸውን ይኽእል።

ምትሕብባር ኣብ መንጎ ገዛን ቤት ትምህርትን

ሕጊ ምስትምሃር ቤት ትምህርትን ወለድን ኣብ መስርሕ ምስትምሃር መሰረታዊ ትምህርቲ ሓባራዊ ሓላፍነት ኣለዎም ይብል። ቤት ትምርቲ ምስቶም ወለዲ ክትተሓባበር ግዴታ ኣለዋ። እቲ ምትሕብባር ካብ ንጽል ቤት ትምህርቲ ክሳብ ብሃገር ደረጃ ይካየድ።

ብሃገር ደረጃ ድግበር ምትሕብባር

እቶም ሰብመዚ ንመሰረታዊ ትምህርትን ካለኣይ ደረጃ ትምህርትን ድኸውን ሃገራዊ ምርጫ ወለዲ (FUG) መስሪቶም ኣለዉ። እዚ FUG ንኽልቲኦም ወለድን ቤት ትምህርትን ምኽርን መምርሕን ይህብ። እዚ FUG ብተወሳኺ ነቶም ሰብ መዚ ብዛዕባ ምትሕብባር ኣብ መንጎ ወለዲን ቤት ትምህርትን ደተኮሩ ጉዳያት ምኽሪ ይህብ።

ምትሕብባር ምስ ቤት ትምህርቲ

ወለዲ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ኣብ ምርጫ ፈጻሚት ሽምግለን ናይ ወለዲ ፈጻሚት ሽማግለን (FAU) ይሳተፉ። እዚ FAU ምስ ቤት ትምህርቲ ይተሓባበር ንርእሰ መምህር ከኣ ምኽሪ ይህብ።
ኣብ መብዛሕትኡ ቤት ትምህርታት ወኪል ናይ ክፍሊ ይምረጽ ኢዩ። ወኪል ክፍሊ ንሓደ ዓመተ ትምህርቲ ይምረጽ ምስቶም ኣብቲ ደረጃ ትምህርቲ ደለዉ መምሃራን ከኣ ይተሓባበር ወይ ይሰርሕ። ወኪል ክፍሊ ድበሃል እቲ ንኹሎም ወለዲ ወኪሉ ምስቲ ቤት ትምህርቲ ጉዳያት ኣልዒሉ ድዝቲ ኢዩ።

ምትሕብባር ኣብ ክፍሊ

ኩለን ቤት ትምህርታት ኣብ መጀመርያ ዓመት ኣኼባ ወለዲ ይሰርዓ። መብዛሕተአን ኣብ ዓመት ክልተ ጊዜ ኣኼባ ወለዲ ኣለወን፣ ገሊአን ከኣ ካብኡ ድበዝሕ። ኣኼባ ወለዲ ንኹሎም ወለዲ ናይቲ ክፍሊ ወይ ደረጃ ደለዉ ናይ ሓባር ኢዩ። ኣብ ኣኼባ ወለዲ ብዛዕባ እታ ቤት ትምህርቲ፣ ዓመተ ትምህርቲን ውጥናት እታ ቤት ትምህርትን ሓበሬታ ይወሃብ። ከም ተወሳኺውን ብዛዕባ ትሕዝቶ ናይቲ ትምህርትን ካልእ ንስኹም ከም ወለዲ ክትፈልጥዎ ደለኩም ኣገዳሲ ነገርን ሓበሬታ ይወሃብ።
ኣብ ኣኼባ ወለዲ፡ ወለዲ ንሓድሕዶም ይላለዩን ይፋለጡን። ምፍላጥ ወይ ምልላይ ናይቶም ወለዲ ነቶም ቆልዑ ኣብ ቤት ትምህርቲ ይኹን ኣብ ነጻ ግዜ ብሓባር ክኾኑ ከለዉ ኣገዳሲ ኢዩ።

ምትሕብባር ብዛዕባ ውላድካ

እቶም ወለዲ ኣብ ናይ ውላዶም ናይ ትምህርቲ ግዜ ዓቢ ትርጉም ኣለዎም። እቲ ተማሃራይ ኣብ ትምህርቱ ዕዉት ንኽኸውን ወለድን ቤት ትምህርትን ጽቡቕ ምትሕብባር ክህልዎም ኣገዳሲ ኢዩ። ንስኺ ከም ኣደ ወይ ንስኻ ከም ኣቦ ናይ ምዕባለ ወይ ዕብየት ዝርርብን ኣኼባ ወለዲን ክትካፈሉ ይግባእ። ንግዜ ትምህርቲ ናይ ውላድካ ድሌት ከተርኢ ኣገዳሲ ኢዩ። እታ ቤት ትምህርቲ ንውላድካ ዘድሊ መታን ከተጣጥሓሉ ክትክእል፡ ኣድላዪ ድኾኑ ኣፍልጦ ብዛዕባ ውላድካ ንቤት ትምህርቲ ምክፋል ኣገዳሲ ኢዩ።

ድሌት ኣብ ግዜ ትምህርቲ ውላድካ ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል?
ድሌት ኣብ ግዜ ትምህርቲ ውላድካ ንምርኣይ ንስኻ ከም ኣቦ ወይ ኣደ ብዙሕ ክትገብሮ ትኽእል ነገራት ኣሎ፥

  • ምስቲ ቆልዓ ወይ መንእሰይ ኣብ ትምህርቲ እንታይ ከምድገበሩን ከምተማህሩን ክትዛረብ ትኽእል
  • እቲ ቆልዓ ወይ መንእሰይ ዕዮ ገዛ ድሰርሓሉ ጊዜ ምስራዕ
  • • ውላድካ ኣብ ገዛ ዕዮ ክሰርሕ ከሎ ምስኡ ሙዃን
  • • ኣብ ናይቲ ቤት ትምህርቲ መደባት ምስታፍ
  • ብዛዕባ ድኾነ ነገር ክትሓትት፡ ክትላዘብ ወይ ሓበሬታ ክትለዋወጥን እንተደለኻ ምስቲ ቤት ትምህርቲ ርክብ ምግባር።

ናይ ምዕባለ ዝርርብ

ናይ ምዕባለ ዝርርብ ማለት ኣብ መንጎ ሓላፊ ክፍሊ መምህር፡ ተማሃራይን ወላድን ድግበር ኣኼባ ማለት ኢዩ። ኣብዚ ተማሃራይ፡ መምህርን ወላድን እቲ ተማሃራይ ኣብ ትምህርቱ ከመይ ከምደሎ ይዘራረቡ። ዕላማ ናይዚ ዝርርብ ከኣ ወለድን ቤት ትምህርትን ተሓባቢሮም ብኸመይ ንትምህርታውን ማሕበራውን ዕቤት ናይቲ ተማሃራይ ከምደተባብዕዎን ከምድሕግዝዎን ንምፍላጥ ኢዩ። ካልእ ኣገዳሲ ዕላማ ከኣ እቲ ተማሃራይ ብዝበለጸ ንኽመሃር ብኸመይ ባዕሉ ክሰርሕ ከምዝኽእል ምፍላጥ ኢዩ።
ተማሃራይን ወላድን ምስ ሓላፊ ክፍሊ ኣብ ነብሲ ወከፍ ዓመት እንተወሓደ ክልተ ግዜ ንናይ ምዕባለ ዝርርብ ይራኸቡ። ቅድሚ ናብቲ ኣኼባ ምኻድካ ምስ ውላድካ ተዘራረብ። ነቲ ቤት ትምህርቲ ክትሓቶ ብዛዕባ ደለካ ሕቶታት ሕሰብ። እታ ቤት ትምህርቲ ኣድላዪ እንተኾይኑ ካብ ትምህርቲ ወጻኢውን ከም ወላዲ ምሳኻ ርክብ ክትቅጽል ግዴታ ኣለዋ።
እዚ ናይ ምዕባለ ዝርርብ ብዘይ ተማሃራይ ኣብ መንጎ ወላድን መምህርን ከማን ክግበር ይኽእል ኢዩ።

ግዴታ ምስጢራውነት

ኩሎም ኣብ ቤት ትምህርቲ ድሰርሑ ምስጢር ናይ ምዕቃብ ግዴታ ኣለዎም። እዚ ማለት እቲ ብስራሕ ኣቢሎም ብዛዕባኻ ይኹን ውላድካ ድፈልጥዎ ውልቃዊ ነገራት ሓበሬታ ንኻልእ ክህቡ ኣይክእሉን። ነዚ ናይ ምስጢራውነት ግዴታ ምጥሓስ ዘቕጽዕ ኢዩ።
ክልተ ብፍሉይ እዚ ሕጊ ደይምልከቶም ግን ኣለዉ፥

  1. እንተድኣ ውላድካ ካብቲ ቤት ትምህርቲ ወጻኢ ካልእ ሓገዝ ኣድልይዎ፡ ንስኻ እቲ ቤት ትምህርቲ ነቲ ካልእ ድሕግዝ ኣካል ነቲ ቆልዓ ክሕግዞ ድኽእል ኣድላዪ መብርሂ ክህቦ ፍቓድ ክትህብ ትኽእል። ፍቓድ ሂብካ ማለት እቲ ቤት ትምህርቲ ንካልእ ገለ ነገር ክነግር ትሰማማዕ ኣለኻ ማለት ኢዩ። እንታይ ክንገር ከምደለዎ ከኣ ንስኻን እቲ ቤት ትምህርትን ትሰማምዑ። ከምዚ ዓይነት ስምምዓት ብግዜ ድተገደቡን ኣብ ድኾነ እዋንውን ክትስሕቦ ወይ ክቋረጽ ይከኣል።
  2. እንተድኣ እቲ ቤት ትምህርቲ እቲ ቆልዓ ንጉድለት ክንክን ወይ ንዝኾነ ይኹን ዓይነት ናይ መጉዳእቲ ሓደጋ ተቓሊዑ ኢዩ ኢሉ ዘእምን ምኽንያት ሃልይዎ፡ እቶም ሰራሕተኛታት እቲ ቤት ትምህርቲ ንተጣበቕቲ ቆልዑ ከመልክቱ ግዴታ ኣለዎም።

ኣስተርጓሚ

ወለድን ቤት ትምህርትን ንሓድሕዶም ጽቡቕ ክረዳድኡን ክራኸቡን ኣገዳሲ ኢዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ኣስተርጓሚ ምጥቃም ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ኣስተርጓሚ እንተድኣ ኣድልይኩም፡ ንኣብነት ኣብ ኣኼባ ወለዲ፣ ነቲ ቤት ትምህርቲ ኣቐዲምኩም ሓበሬታ ክትህቡ ኣለኩም። ነቲ ኣስተርጓሚ ድጠልቦን ድኸፍሎን እቲ ቤት ትምህርቲ ኢዩ። እቲ ኣስተርጓሚ ግዴታ ምስጢራውነት ኣለዎ። ቆልዓ ከም ኣስተርጓሚ ምጥቃም ኣይፍቀድን ኢዩ።

ስርዓተ ትምህርቲ (ካሪክለም)

ሕጊ ትምህርቲ ንኣብ መሰረታውን ማእከላይ ደረጃ ትምህርትን ደሎ ስርዓት ምስትምሃር የማሓድር። እቲ ካሪክለም ከኣ ትሕዝቶ ናይቲ መስርሕ ምስትምሃር የማሓድር። ስርዓተ ትምህርቲ ብላዕለዋይ ኣካልን ብናይ ገዛእ ርእሱ ውጥን ምህሮ ንዓይነታት ትምህርትን ድቖመ ኢዩ።

ላዕለዋይ ኣካል ናይ ስርዓተ ትምህርቲ

እቲ ላዕለዋይ ኣካል ክፋል ናይ ስርዓተ ትምህርቲ እቲ ትምህርቲ በየኖት ክብርታትን መምርሒታትን ከምዝልለ ይገልጽ። እዚ ንኹሉ ትምህርቲ ኣብ መሰረታዊን ካለኣይ ደረጃ ትምህርትን ድምልከት ኢዩ።
ላዕለዋይ ኣካል ናይ ስርዓተ ትምህርቲ ተማሃሮ ኣብ ከባብያዊ ንቕሓት፣ ዓቕሚ ኣብ ነቐፌታዊ ኣተሓሳስባን ስነምግባራዊ ንቕሓትን ንኸማዕብሉ ዕድል ክረኽቡ ይጸቅጥ። እቶም ተማሃሮ ከኣ ዲሞክራሲ እንታይ ሙዃኑ ብተግባር ይመሃሩ።
ተማሃሮ ቀስብቐስ ፍልጠትን ነባሪ ርድኢትን የማዕብሉ። ንሳቶም ናይ ገዛእ ርእሶም ትምህርቲ ክትንትኑን ነቲ ድተማሃርዎ ከኣ ኣብ ድተፈላለየ ኣጋጣሚታት ክጥቀሙሉ ክኽእሉን ኢዮም። እቶም ተማሃሮ ብውልቆምን ብሓባር ምስ ካለኦትን ሕቶታት ኣብ ምውጻእን መልሲ ምርካብን ክለማመዱ ኢዮም። እቶም ተማሃሮ ምምሃር ክማሃሩ ኢዮም። ምትሕብባር፡ ሓዲሽ ሓሳብ ምምጻእን ምምሃዝን፡ ምንጽብራቕን ፍርዲ ምሃብን፡ ምድናቕን ምምርማርን ኣገደስቲ ኢዮም።

ውጥናት ምህሮ ነቶም ዓይነታት ትምህርቲ

ኣብቲ ውጥናት ምህሮ ናይቶም ዓይነታት ትምህርቲ እቶም ኣብ ደተፈላለየ ደረጃ ደለዉ ተማሃሮ እንታይ ከምድማሃሩ ሰፊሩ ይርከብ። ነብሲ ወከፍ ቤት ትምህርቲ እቶም ተማሃሮ ነቲ ኣብ ውጥን ምህሮ ደሎ ዕላማ ንምውቃዕ ብኸመይ ከምድሰርሑ ይውስና።

ቀጻሊ ገምጋም

ተማሃሮ ጌና ካብ ቀዳማይ ክፍሊ ጀሚሮም ብመምህራኖም ቀጻሊ ገምጋም እንዳተገብረሎም ይኸዱ። እዞም ገምጋማት እዚኣቶም እቲ ተማሃራይ ምስኡ ድሳነ ትምህርቲ ንኽረክብ ኣገደስቲ ኢዮም። እዞም ገምጋማት ብተወሳኺ እቲ ተማሃራይ ብዝበለጸ ኣገባብ ንኽመሃር ባዕሉ ወይ ባዕላ እንታይ ክገብር ከምደለዎ ክርዳእ ኣስተዋጽኦ ይገብሩ። ገምጋም ኣብ ዓይነት ትምህርቲ ከምኡውን ኣብ ስርዓትን ስነምግባርን ዓመት ምሉእ ይወሃብ። እቲ ገምጋም ከኣ ብክልቲኡ ብቃልን ብጽሑፍን ነቲ ተማሃራይ ክወሃብ ይከኣል።
ኣብ መባእታዊ ትምህርቲ ብመልክዕ ነጥቢ ኣይኮነን ገምጋም ድወሃብ። ኣብቲ ማእከላይ ደረጃ ትምህርቲ ግን ብክልቲኡ ብመልክዕ ነጥብን ብዘይ ብኡን ገምጋም ይወሃቡ። እቲ ደረጃ ኣወሃህባ ነጥቢ 1–6 ኮይኑ 6 እቲ ድበለጸ ደረጃ ነጥቢ ኢዩ። ኩሎም ተማሃሮ ናይ ገዛእ ርእሶም ስራሕ፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ዕብየትን ብቕዓትን ይግምግሙ። እዚ ከኣ ባዕላዊ ገምጋም ይበሃል።

ካብ ኖስክ ወጻኢ ቋንቋ ኣደ ደለዎም ተማሃሮ

ካብ ኖስክ ወይ ቋንቋ ሳመ ወጻኢ ቋንቋ ኣደ ደለዎም ተማሃሮ ክሳብ ነቲ ኣብ ውሽጢ ክፍሊ ድወሃብ ስሩዕ ትምህርቲ ንኽስዕብዎ እኹል ቋንቋ ድህልዎም ንፍሉይ ትምህርቲ ቋንቋ መሰል ኣለዎም። ፍሉይ ትምህርቲ ቋንቋ ሰለስተ ነገራት ክኸውን ይኽእል፥

  • ፍሉይ ትምህርቲ ኖስክ – ቋንቋ ኖስክ ትመሃረሉ ናይ ውልቂ ክፍለ ጊዜ
  • ድርብ ልሳናዊ ትምህርቲ – ተማሃራይ ነቲ ዓይነት ትምህርቲ ንኽርደኦ ሓገዝ ብቋንቋ ኣዲኡ ክረክብ ይኽእል
  • ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ – እቲ ተማሃራይ ትምህርቲ ቋንቋ ኣዲኡ ክረክብ ይኽእል

እቲ ቤት ትምህርቲ እቲ ተማሃራይ ወይ ተማሃሪት ንፍሉይ ትምህርቲ መሰል ኣለዎ ድዩ የብሉን ንምፍላይ ናይ ኖስክ ኣፍልጦኡ ክፍትሽ ኣለዎ። እቲ ገምጋም ነቲ ተማሃራይ መሰል ናይ ፍሉይ ትምህርቲ ይግበኦ ኢዩ ኢሉ እንተኣጠቓሊሉ፡ ኣብ ነብሲ ወከፍ ትሕዝቶን ስፍሓትን ናይቲ ፍሉይ ትምህርቲ ውሳነ ይግበር። ንስኻ ከም ወላዲ ኣብቲ ውሳነ ይግባይ ክትብል መሰል ኣለካ።

ፍሉይ ትምህርቲ ኖስክ

ኣብ ኖርዌይ ሓደስቲ ድኾኑን ብዙሕ ምልከት ኖስክ ደይብሎምን፡ ናይ በይኖም ኖስክ ድመሃርሉ ክፍለ ግዜ ይወሃቦም። ነዚ ነብሱ ድኸኣለ ውጥን ምህሮ ኣለዎ። ንገለ እዋን ኖስክ ምስተማህሩ ድሕሪኡ ምስ ቁሩብ ሓገዝ እቲ ስሩዕ ትምህርቲ ኣብ ክፍሊ ክከታተሉ ይኽእሉ። እቲ ዕላማ ናይዚ ፍሉይ ትምህርቲ ኖስክ ከኣ እቲ ተማሃራይ ነቲ ኣብ ውሽጢ ክፍሊ ድወሃብ ስሩዕ ትምህርቲ ብዘይ ተወሳኺ ሓገዝ ክስዕቦ ደኽእል እኹል ኖስክ ክመሃር ኢዩ። ኣብ ኩሉ ዓይነታት ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ርድኢት ናይቲ ምስትምሃር ንኽህልወካ ደኽእለካ እኹል ኖስክ ንኽትመሃር ነዊሕ ግዜ መብዛሕትኡ ግዜ ብዙሕ ዓመታት ክወስድ ይኽእል ኢዩ፡

ድርብ ልሳናዊ ትምህርቲ

እቲ ተማሃራይ ቋንቋ ኖስክ እናተማህረ ጎንጎኑ ከኣ ዓይነታት ትምህርቲ ምምሃር ይቕጽል። ስለዚ እቲ ተማሃራይ ነቲ ዓይነት ትምህርቲ መታን ክርደኦ ሓገዝ ብቋንቋ ኣደ ክረክብ ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል። እቲ መምህር ናይቲ ዓይነት ትምህርትን እቲ መምህር ናይ ቋንቋ ኣደን ከኣ እቲ ተማሃራይ እንታይ ክመሃር ከምደለዎ ብሓባር ይሰርሑ። እዚ ከኣ እቲ ተማሃራይ ነቲ ዓይነት ትምህርቲ ብኽልተ ቋንቋ ስለድመሃሮ ድርብ ልሳናዊ ትምህርቲ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣድላዪ እንተኾይኑ እቲ ተማሃራይ ንድርብ ልሳናዊ ትምህርቲ መሰል ኣለዎ።

ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ

ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ ብትመልኮ ቋንቋ ድወሃብ ትምህርቲ ኮይኑ ዕላምኡ ከኣ ብዛዕባ ቋንቋ ኣደኻ ዝያዳ ክትመሃር ኢዩ። እዚ ነቲ ተማሃራይ ኖስክ ንኽመሃር ድቐለለ ክገብረሉ ይኽእል ኢዩ። እቲ ቤት ትምህርቲ ነቲ ተማሃራይ ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ የድልዮ ድዩ ኣየድልዮን ገምጋም ይገብር። እቲ ቤት ትምህርቲ እንተድኣ ነቲ ተማሃራይ ዘድልዮ ኮይኑ ረኺብዎ፡ እቲ ተማሃራይ ትምህርቲ ቋንቋ ኣደ መሰል ኣለዎ።

ናይ መእተዊ ዕድል ትምህርቲ ንሓደስቲ ተማሃሮ

ንሓጺር ግዜ ኣብ ኖርዌይ ድጸንሑ ተማሃሮ ቅድሚ ኣብቲ ስሩዕ ትምህርቲ ምጅማሮም መታን ኖስክ ከመሃሩ ፍሉይ ናይ መእተዊ ትምህርቲ ዕድል ክወሃቦም ይኽእል። እቲ ምምሕዳር ነቶም ሓደስቲ ድመጹ ተማሃሮ ብናይ በይኖም ጉጅለ፡ ብኽፍልን ቤት ትምህርታትን ክምድበሎም ይኽእል። ናብ ናይ መእተዊ ዕድል ትምህርቲ ምእታው ወለንታዊ ኢዩ ግን ብዙሓት ተማሃሮ ኣቐዲሞም ኣብዚ መእተዊ ዕድል ትምህርቲ እንተተማሂሮም ነቲ ስሩዕ ትምህርቲ ብድሓሸ ይምክትዎ። እቲ ኣብዚ ናይ መእተዊ ዕድል ድወሃብ ትምህርቲ ሓቛፍነትን ጽቡቕ ናይ ምምሃር ሃዋህውን የረጋግጽ።

ካብ ክፍሊ ወጻኢ ምስትምሃር

ኣብ ኩሉ ደረጃታት ተማሃሮ ናብ ዑደት ክኸዱ፡ ቤተ መዘክራት ክበጽሑን ካብ ክፍሊ ወጻኢ ኣብ ካልእ ቦታታት ድተፈላለዩ ንጥፈታት ከካይዱን ልሙድ ኢዩ። እዚ ከኣ ማዕረ ማዕረ ምስቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ድግበር ምስትምሃር ኮይኑ ንኽትሳተፎ ከኣ ግዴታ ኢዩ።
ኣብ ብዙሓት ቤት ትምህርታት ተማሃሮ ንብዙሓት መዓልታት ናብ ማእከል ንጥፈታት ትምህርቲ ምጉዓዝ ልሙድ ኢዩ። እቶም ተማሃሮ ከኣ ኣብኡ ክሓድሩ ኣለዎም። ዕላማ ናይዚ ጽንሖት ኣብ ማእከል ንጥፈታት ትምህርቲ ከኣ ንተማሃሩ ብኽልቲኡ ብትምህርታውን ማሕበራውን መዳይ ንኸሐይሎም ኢዩ። እቲ ቤት ትምህርቲ ደዳልዎም ዑደታት ብነጻ ኢዮም። ብዛዕባ እቲ ዑደት ወይ ማእከል ንጥፈታት ትምህርቲ ድኾነ ሕቶ እንተሃልዩካ፡ እቲ ዑደት ወይ ጽንሖት ኣብ ማእከል ንጥፈታት ትምህርቲ ከመይ ምዃኑን ብኸመይ ከምድተሰርዐን ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ ምስ ሓላፊ ክፍሊ ክትዘራረብ ትኽእል።
መትከል ናይ ምስ ኩሉ ድሳነ ትምህርቲ እምበኣር ነቲ ካብ ክፍሊ ወጻኢ ድግበር ንጥፈታት ምስትምሃርውን ድምልከት ኢዩ። ኩሎም ተማሃሮ ክሳተፉ ከለዉ ዓቢ ዋጋ ኣለዎ። ተማሃሮ ብድተፈላለየ ኣገባብ ክመሃሩ ኣገዳሲ ኢዩ ከምዚኦም ዓይነት ዑደታት ከኣ ኣብ ማሕበራዊ ሓድነት ናይቲ ክፍሊ ዓቢ ትርጉም ኣለዎም። ንውላድካ ኣብዚ ንኽይሳተፍ ድገብሮ ገለ ደሸግር ነገር እንተሃልዩ፡ ነቲ ውላድካ መታን ክስተኻኸለሉ እቲ ጉዳይ ምስ ሓላፊ ክፍሊ ከተልዕሎ ኣለካ።

ዕዮ ገዛ

ድሕሪ ናይ ትምህርቲ ግዜ ተማሃሮ ኣብ ገዛ ድሰርሕዎ ዕዮታት ክወሃቡ ልሙድ ኢዩ። ዕዮ ገዛ ከም ሕጊ ኣቐዲሙ ኣብ ቤት ትምህርቲ ድተሰርሐ ነገርን ተማሃራይ ከም መቐጸልታ ኣብ ገዛ ክለማመዶ ደለዎን ኢዩ።ንስኻ ከም ወላዲ ነቲ ዕዮ ገዛ ናይ ውላድካ ክትከታተሎን ተገዳስነት ከተርእን ጽቡቕ ኢዩ።
ኩለን ቤት ትምህርታት ዕድላት ናይ ሓገዝ ዕዮ ገዛ ኣለወን። ኣበየናይ ደረጃ ትምህርቲ ሓገዝ ይህባ ካብ ቤት ትምህርቲ ናብ ቤት ትምህርቲ ይፈላለ ኢዩ። ኣብ ገለ ገለ ምምሕዳራት ወለንታውያን ማሕበራት ሓገዝ ዕዮ ገዛ የቕርባ። እንታይ ዓይነት ዕድላት ከምደሎ ነቲ ቤት ትምህርቲ ክትሓትት ትኽእል።

ነጻ ግዜ ተማሃሮ (ዕረፍቲ)

ቆልዑን መንእሰያትን ኣብ ቤት ትምህርቲ ክህልዉ ከለዉ ይመሃሩ ከምኡውን ኣብ ነጻ ግዜ።

መደባት ድሕሪ ትምህርቲ (ካብ ትምህርቲ ነጻ ግዜ)

ኩለን ቤት ትምህርታት መደባት ድሕሪ ትምህርቲ ንካብ 1ይ-4ይ ደረጃ ደለዉ ተማሃሮ ኣለወን። እዚ መደባት ድሕሪ ትምህርቲ ናይ ምቁጽጻር፡ ምክንኻንን ንጥፈታት ናይ ነጻ ግዜን ኢዩ። እዚ መደባት እዚ ኣብ ኩሉ ምምሕዳራት ብነጻ ኣይኮነን ገለ ገለ ምምሕዳራት ግን ብነጻ ኣለወን።

ንጥፈታት ነጻ ግዜ (ዕረፍቲ)

ብዙሓት ቆልዑን መንእሰያትን ኣብ መደባት ንጥፈታት ዕረፍቲ ኣለዉ እዚ ብዙሕ ትምህርቲ ክህብ ይኽእል። ናይ ትምህርቲ መሓዙት ወይ ኣዕሩኽ እንተድኣ ናይ ሓባር ዝምባለ ኣብ ንጥፈታት ነጻ ግዜ ሃልይዎም፡ ማሓዙት ንምርካብ ድቐለለ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እቶም ተማሃሮ ጽቡቕ ማሕበራዊ ምትእስሳር ክፈጥሩውን ኣስተዋጽኦ ክገብር ይኽእል። ኣብ ንጥፈታት ዕረፍቲ ደቆም እንተድኣ መጺና ወለዲውን ኣገዳሲ ተራ ይጻወቱ። መብዛሕትኡ ግዜ ወለዲ ኣብ ምዝዋር መኪና ካብን ናብን ናይ ልምምድ ቦታን ምስታፍ ኣብ ድተፈላለዩ መደባትን ስለድተሓባበሩ ኢዩ። ብዙሓት ወለዲ ደቆም ኣብ ንጥፈታት ዕረፍቲ ክህልዉ ከለዉ ኣሰልጠንቲ ኢዮም ወይ ብኻልእ መንገዲ ኣበርክቶ ይገብሩ። ንስኻ ከም ወላዲ ምስቶም ካለኦት ወለዲ ብዛዕባ ክህሉ ድኽእል ዕድላት ነጻ ግዜ ክትዛረብ ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል። ብዙሓት መምህራንውን እቶም ተማሃሮ ኣብ ናይ ነጻ ግዜ ንጥፈታት እንታይ ከምድገብሩ ብዙሕ ይፈልጡ ኢዮም።

ምብዓል (ምኽባር) ዕለተ ልደት

ዕለተ ልደት ከተኽብር ከለኻ ምዕዳም ልሙድ ነገር ኢዩ። እዚ ብፍላይ ቆልዑ ኣብ መባእታ ደረጃ ክመሃሩ ከለዉ ኢዩ። ብዙሓት ቆልዑ ኣብ ከምዚ ዓይነት በዓላት ንኽሳተፉ ደሸግሮም ቁጠዐ ወይ ካልእ ናይ ኣመጋግባ ልምዲ ኣለዎም። ውላድካ ክጻወሮ ደይክእል ወይ ክበልዖ ደይክእል ነገር እንተድኣ ሃልዩ ቅድሚ ናብቲ ፌስታ ዕለተ ልደት ምኻዱ ነቶም ካልኦት ወለዲ ሓበሬታ ምሃቦም ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል። ነቲ ዕለተ ልደቱ ደኽብር ደሎ ንእሽቶ ህያብ ሒዝካ ምኻድ ከኣ ልሙድ ኢዩ። ኣብ ኣኼባ ወለዲ ብዛዕባ ዕለተ ልደታትን ዕቤት ህያባትን ክትዘራረበሉን ክትሰማማዓሉን ጽቡቕ ሓሳብ ክኸውን ይኽእል። ኣብ ከምዚ ዓይነት በዓላት ዋላሓደ ክንጸል ከምደይብሉ ምሕሳብ ኣገዳሲ ኢዩ።

ምዕዶን (ምኽሪ) ምቕጻል ትምህርትን

መሰል ንማሕበረ-ትምህርታዊ ምኽሪ

እታ ቤት ትምህርቲ ኣብ ኽልቲኡ ሰብኣውን ማሕበራውን ኮምኡውን ዓይነት ትምህርትን ምምሃርን ዕቤት ናይቲ ተማሃራይ ኣበርክቶ ትገብር። እዚ ማሕበረ-ትምህርታዊ ምኽሪ ነቲ ተማሃራይ ኣብ ትምህርቱ ኣብ ቅኑዕ ንኽህሉ ይሕግዞ። እዚ ነቶም ኣብ መስርሕ ምምሃርን ማሕበራዊ ኩነታትን ናይቲ ተማሃራይ ጽልዋ ክገብሩ ድኽእሉ ሰብኣዊ፡ ማሕበራዊ ወይ ስምዒታዊ ጸገማት ይሕግዝ።
እቲ ሓገዝ ነቲ ጸገማት ኣብ ምልላይ፡ ሸፈነታቶምን እቲ ቤት ትምህርቲ እንታይ ክሕግዝ ከምደለዎ ኣብ ምንጻርን ዝኣመሰሉ ድቖመ ክኸውን ይኽእል። እዚ ማሕበረ-ትምህርታዊ ምኽሪ ነቶም ትኽክል ናይ ሓገዝ ኣካላት ንምርካብን ምዝርራብን ድቖመውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ።

ናይ ትምህርትን ስራሕን ምዕዶ (ምኽሪ)

ኣብ ማእክላይ ደረጃ ትምህርቲ ደለዉ ኣማኸርቲ ንተማሃራይን ወለድን እቲ ተማሃራይ ካላኣይ ድረጀ ኣበየናይ ዓይነት ትምህርቲ ከመልክት ከምድኽእል ሓበሬታ ክህብ ይኽእል።
ክፍሊ ስራሕን ትምህርትን ተማሃሮ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሶም ክብርታት፡ ዝምባለን ኩነታትን ንቑሓት ክኾኑ ይሕግዝ። እዚ ነቲ ተማሃራይ ብዛዕባ ገዛእ ርእሱ ኣፍልጦ ይህቦን ኣብ ናይ ትምህርትን ስራሕን ድማ ጽቡቕ ምርጫታት ናይ ምግባር ዓቕምን ይህቦ። ኣማኸርቲ ንተማሃሮ ኣብ ምግምጋም ሳዕቤናት ናይ ድገብርዎም ምርጫታትን ኣብ ስራሕ ወይ ትምህርቲ ድገብርዎ ጌጋ ምርጫታት ከወግዱን ይሕግዝዎም።
ተማሃሮ ብዛዕባ እዚኦም ምኽርን ሓበሬታን ይረኽቡ፥

  • ምርጫ ናይ ስራሕ
  • ኣብ ኖርዌይን ካልእ ሃገራትን ደሎ ናይ ትምህርቲ ዕድላት
  • ስራሕ ዓለም ሃገራውን ዓለምለኻውን
  • ኣጠቓቕማ ድተፈላለየ ናይ ምኽሪ መሳርሒታት

ምስግጋር ናብ ካለኣይ ደረጃ ትምህርቲ

እቶም መሰረታዊ ትምህርቲ ድወድኡ መንእሰያት ናብ ካለኣይ ደረጃ ትምህርቲ ክቕጽሉ መሰል ኣለዎም። ተማሃሮ ኣብ 10ይ ክፍሊ ከለዉ ናብ ካለኣይ ደረጃ ትምህርቲ የመልክቱ።
ኣብ ምዝዛም ማእከላይ ደረጃ ትምህርቲ ናብ ኖርዌይ ድመጹ ተማሃሮ፡ ቅድሚ ናብ ካለኣይ ደረጃ ምጅማሮም ኣብ መሰረታዊ ትምህርቲ ዝያዳ ክመሃሩ ኣድላይነት ክህልዎ ይኽእል። ገለ ገለ ምምሕዳራት ዝያዳ ዓመት ኣብ ምሰረታዊ ትምህርቲ ይህባ። ኣብ ካልእ ቦታታት ከኣ ተማሃሮ ኣብ ማእከላይ ደረጃ ትምህርቲ ንዓበይቲ ወይ ኣብ መእተዊ ትምህርቲ ናይ ካለኣይ ደረጃ ይመሃሩ። ኣብ ብዙሓት ቦታታት ከኣ እቶም መንእሰያት ዝያዳ መሰረታዊ ትምህርቲ ድረኽቡሉ ሕውስዋስ ትምህርቲ ድበሃል ካለኣይ ደረጃ ትምህርቲ ኣሎ።

Informasjon om norsk grunnskole på tigrinja

Alle foto er hentet fra shutterstock.com