Hva skjer når kongen dør?// ንጉስ ምስ ዝመውት እንታይ ኩነታት ይፍጠር ፧
ዓርቢ ነሓሰ 28 ንጉስ ሃራልድ ዓሪፎም። ብዙሓት ሰባት ድማ በዚ ምኽንያት ሓዚኖም። ሕጂ ባንዲራ ኣብ ፍርቂ ዘንጊ ተሰቂላ ክትሪኢ ኢኻ፣ ብዙሓት ሰባት ዕንባባታት ከምጽኡን፣ ዓበይቲ ሰባት ብዛዕባ ንጉስ ኣብ ቴለቪዥን ኣብ ዜናታትን ክዛረቡ እዮም። ኣብ ኦስሎ ኣብ ቅድሚ መንበሪ ንጉስ ብዙሓት ሰባት ንንጉስ ክብሪ ንምርኣይ ክእከቡ ድማ እዮም።



ከም ኩሉ ሰብ ሓደ ዝኣረገ ንጉስ ክመውት ርዱእ እዩ። እዚ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ድማ ኖርውይ ድሕሪ ሞት ንጉስ እንታይ ከምዝኸውን ውዱእ ዝኾነ ዝተዳለወ መደብ ኣለዋ።
ኖርወይ ሓዱሽ ንጉስ ትትክእ


ወራሲ ዓራት ወዲ ንጉስ እዩ። ኣብታ ግዜ ንጉስ ሃራልድ ዝመተላ ሰዓት ድማ ወራሲ ዓራት ሆኮን ንጉስ ይኸውን።እዚ ሓድሽ ንጉስ ድማ ሽሙ ሆኮን ሻሙናይ ክኸውን መሪጹ።
እቲ ዝበዘሔ ኣብ ኖርወይ ድማ ከምቲ ዝነበሮ ክቅጽል እዩ። እቶም ዓበይቲ ብዛዕባ ኖርወይ ሓላፍነት ዘለዎም ሰባት ኣብ እዚ ግዜ እንታይ ከምዝገብሩ ይፈልጡ እዮም። መንግስቲ፣ ባይቶ፣ፖሊስ፣ ቤት ትምህርቲ፣ሕክምናን፣ዝተረፈ ትካላት ኣገልግሎት ናይ ሕብረተሰብ ድማ ስርሑ ከምዝነበሮ ይቅጽል።
ጔሂ ወይ ሓዘን ክስመዓካ ፍቁድ እዩ።
ድሕሪ ሞት ንጉስ ብዙሓት ብዛዕብኡ ክዛረቡ፣ክሓስቡን፣ከስተንትኑን ይደልዩ። ኣብ ብዙሕ ቦታታት ድማ ብዛዕባ ናይ ንጉስ ሃራልድ ታሪኽ ሂወት ክትርኢ፣ከተንብብ ወይ ከትሰምዕ ትክእል ኢኻ። ንሱ ነዊሕ ነቢሩ፣ ኣብ ብዙሕ ኩነታት ንነርወይ ብዙሕ ጽቡቅ ነገር ሰሪሑላ ድማ እዩ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልትታት ስነ ስርዓት ቀብሪ ንጉስ ሃራልድ ኣብ ካቴድራል ቤተክርስቲያን ናይ ኦስሎ ክፍጸም ኢዩ። ገለ ሰባት ድማ ንጉስ ብምማቱ ብጣዕሚ ክሓዝኑ እዮም። ዋላ እኴ ነቲ ንጉስ ረኺቦሞ ዘይፈልጡ እንተኾኑ ከም ዝፈልጥዎ ኮይኑ እዩ ዝስመዖም። ምኽንያቱ እቲ ንጉስ ኣብ ኣገደስቲ፣ጽቡቅን ሕማቅን ኩነታት ናይ ነርወይ ይረኤን ይካፈልን ስለዝነበረ እዩ። በዚ ድማ ብዙሓት ሰባት ንንጉስ ሃራልድ ከም ኣባሓጎ ናይ ኩሎም ህጻናትን መንእሰያት ይቆጽርዎ።
ስለዚ ድማ ህጻናት ዝተፈላለየ ስምዒት ኸርእዪ ይኽእሉ እዮም። ገሊኦም ይሓዝኑ ወይ ይጭነቁ። ካልኦት ድማ ዝያዳ ክፈልጡ ይህንጠዩን ብዙሕ ሕቶታት ይህልዎምን። ገለ ገለ ድማ ብዙሕ ብዛዕብኡ ኣይሓስቡን። ኩሎም እዞም ስሚዒታት ድማ ባህራዊያን ኢዮም።


ዘፍርሃካ ነገር የለን።
ዋላ እኴ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ንጉስ ሞት ክዛረቡ እንተሰማዕካ ነርወይ ግን ኣብ ሓደጋ ኣይኮነትን ዘላ። እታ ሃገር ከምዝነበረቶ ክትቅጽል እያ። ቤት ትምህርቲ ክትከይድ፣ ምስ ዓርከ መሓዛ ብሓባር ክትሕልው፣ ክትጻወቱ፣ ስፖርታዊ ምንቅስቃስ ክትገብሩን ኩሉ እቲ ኣቀዲምኩም ትገብሪዎ ዝነበርኩም ኩሉ ክትገብርዎ ትኽእሉ ኢኹም።
እቲ ዜናታት ዕረፍቲ እንተ ከሊእካ ግን ምስቲ ትኣምኖ ዓብይ ሰብ ክትዛረብ ጽቡቅ እዩ። ዓበይቲ ሰባት ነቲ ክትፈልጦ ደሊኻ ዘሎኻ ነገር ከረድኡኻ ይኽእሉን ንስኻ ድማ ኩሉ ዜናታት ክትከታተል ኣየድልየካን እዩ።
እቲ ኣገዳሲ ክትዝክሮ ዘለካ ንጉስ ክመውት ከሎ ነርወይ ዝተዳለወ መደብ ኣለዋ። ሓድሽ ንጉስ ይትካዕ፣ዓበይቲ ሰባት ድማ ሕብረተሰባዊ ኣገልግሎት ከም ዝሰርሕ ይገብሩን መዓልታዊ ናብራና ድማ ከምቲ ዝነበሮ እዩ ዝቅጽል።











